ብመዓልቲ ሰንበት ሰናይ ምግባር
ምዕራፍ 29
ብመዓልቲ ሰንበት ሰናይ ምግባር
ጽድያ ናይ 31 ከ.ኣ.ዘ. ኢዩ ዘሎ። የሱስ ካብ ይሁዳ ናብ ገሊላ ክምለስ ከሎ ነታ ኣብቲ ዒላ ዝረኸባ ሰበይቲ ካብ ዝዛረባ ገለ ኣዋርሕ ሓሊፉ ኢዩ።
ኣብ ኵላ ገሊላ ብሰፊሑ ድሕሪ ምምሃሩ የሱስ እንደገና ናብ ይሁዳ ከደ: ኣብኡ ኸኣ ኣብቲ ቤት ጸሎት ኰይኑ ሰበኸ። የሱስ ንይሁዳ ክበጽሕ ኢሉ ምስ ከደ ከምኡውን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ድሕሪ በዓል ፋስጋ ኣብኡ ገለ ኣዋርሕ ምስ ገበረ ዝፈጸሞ ንጥፈታት: ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ናይ ገሊላ ስብከቱ ዝህቦ ጸብጻብ ኣረኣኢኻ: ብዛዕባ ይሁዳ ሒደት ኢዩ ዝዛረብ። ኣብ ይሁዳ ዝገበሮ ኣገልግሎት ከምቲ ናይ ገሊላ ጽቡቕ ምላሽ ከም ዘይረኸበ ንጹር ኢዩ።
ድሕሪ ሓጺር እዋን የሱስ ናብታ ናይ ይሁዳ ዋና ከተማ የሩሳሌም ናይ 31 ከ.ኣ.ዘ. በዓል ፋስጋ ንኸብዕል ክኸይድ ኢዩ። ኣብ ጥቓ ደገ ኣባጊዕ ናይታ ከተማ ሓደ ቤት-ሄስዳ እተባህለ ቀላይ ነበረ: ኣብኡ ብዙሓት ሕሙማት: ዕዉራት: ሓንካሳት ይመጹ ነበሩ። እቲ ማይ ናይቲ ቀላይ ክንቀሳቐስ ከሎ ሰባት እንተድኣ ኣትዮም ክሓውዩ ይኽእሉ ኢዮም ዝብል እምነት ነበረ።
ሰንበት ኢዩ ነይሩ: የሱስ ን38 ዓመታት ዝሓመመ ሰብኣይ ኣብቲ ቀላይ ረኣየ። ሕማም ናይቲ ሰብኣይ ንብዙሕ ዓመታት ከም ዝጸንሐ ብምግንዛብ የሱስ “ክትሐዊዶ ትደሊ ኢኻ፧” በሎ።
ንሱ ኸኣ “ጐይታይ: እቲ ማይ ምስ ተንቀሳቐሰ: ናብቲ ቐላይ ዜውርደኒ ሰብ የብለይን። ኣነ ኽሳዕ ዝመጽእ ድማ ካልእ ቀዲሙኒ ይወርድ” ኢሉ መለሰሉ።
የሱስ ከኣ “ተንስእ: ዓራትካ ኣልዕል እሞ ኪድ” በሎ። ብድሕርዚ እቲ ሰብኣይ ጠዓየ ዓራቱ ኣልዒሉ ኸኣ ከደ!
እቶም ኣይሁድ ነቲ ሰብኣይ ምስ ረኣይዎ ግን “ሎሚ ሰንበት እያ እሞ: ዓራትካ ኽትጸውር ኣይተፈቕደልካን” በልዎ።
እቲ ሰብኣይ ከኣ “እቲ ዘሕወየኒ እዩ ዓራትካ ኣልዕል እሞ ኪድ ዝበለኒ” ኢሉ መለሰሎም።
“እቲ ዓራትካ ኣልዕል እሞ ኪድ ዝበለካ ሰብኣይከ እንታዋይ እዩ፧” ኢሎም ሓተትዎ። የሱስ ብምኽንያት እቶም ህዝቢ ኣልጊሱ ብምንባሩ: እቲ ዝሓወየ ሰብኣይ ከኣ ስም የሱስ ኣይፈለጦን ነበረ። ይኹን እምበር ጸኒሑ: የሱስን እቲ ሰብኣይን ኣብቲ ቤት መቕደስ ተራኸቡ: እቲ ሰብኣይ ከኣ መን ከም ዘሕወዮ ፈለጠ።
ስለዚ እቲ ዝሓወየ ሰብኣይ እቲ ዘሕወዮ የሱስ ከም ዝዀነ ንኣይሁድ ነገሮም። እዚ ምስ ፈለጡ እቶም ኣይሁድ ናብ የሱስ ከዱ። ንምንታይ ኢዮም ዝኸዱ፧ እዚ ዘደንቕ ነገራት ክገብር ዝኸኣለ ብኸመይ ከም ዝዀነ ንኽፈልጡ ድዮም ዝኸዱ፧ ኣይፋልን: ብመዓልቲ ሰንበት እዚ ሰናይ ነገር ስለ ዝገበረ ጌጋ ንኽረኽቡሉ ኢዮም ከይዶሞ። አረ ከሳጕግዎ እውን ኢዮም ጀሚሮም! ሉቃስ 4:44፣ ዮሃንስ 5:1-16
▪ የሱስ ንይሁዳ ካብ ዝኸይድ ክንደይ ኢዩ ገይሩ፧
▪ እቲ ቤት-ሄስዳ እተባህለ ቀላይ ፍሉጥ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧
▪ የሱስ ኣብቲ ቀላይ እንታይ ተኣምራት ኢዩ ገይሩ: እቶም ኣይሁድከ ብኸመይ መለስሉ፧