ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብናይ ኣታኽልቲ ወይኒ ምሳሌታት ተቓልዑ

ብናይ ኣታኽልቲ ወይኒ ምሳሌታት ተቓልዑ

ምዕራፍ 106

ብናይ ኣታኽልቲ ወይኒ ምሳሌታት ተቓልዑ

የሱስ ኣብ ቤት መቕደስ ኢዩ ዘሎ። ነቶም ብናይ መን ስልጣን ኢኻ እዚ ትገብር ዘሎኻ ኢሎም ዝሓተትዎ መራሕቲ ሃይማኖት ኣቐድም ኣቢሉ ጋን ሰሪሕዎም ኢዩ። ካብቲ ተዳናጊሮሞ ዝነበሩ ኵነታት ከይወጹ ከለዉ ኸኣ የሱስ “እንታይ ይመስለኩም፧” ኢሉ ሓተቶም። ብድሕርዚ ኸኣ ብምሳሌ ገይሩ ብሓቂ እንታይ ዓይነት ሰባት ምዃኖም ኣርኣዮም።

የሱስ ከዘንትወሎም ከሎ ከምዚ በለ:- “ሓደ ሰብኣይ ክልተ ደቂ ነበርዎ። ናብቲ ቐዳማይ ቀሪቡ፤ ወደይ: ሎሚ ናብ ኣታኽልቲ ወይነይ ውፈር እሞ ዕየ: በሎ። ንሱ፤ እምቢ: ኢሉ መለሰ። ደሓር ግና ተጥዒሱ ወፈረ። ናብቲ ኻልኣይ ቀሪቡ ኸምኡ በሎ። ንሱ ኸኣ፤ ሕራይ ጐይታይ: ኢሉ መለሰ። ግናኸ ኣይወፈረን። ካብ ክልቲኦም ኣየናዮም እዩ ፍቓድ ኣቦኡ ዝገበረ፧”

እቶም ተጻረርቱ ኸኣ “እቲ ቐዳማይ” በልዎ።

ስለዚ የሱስ “ተገውትን ኣመናዝርን ናብታ መንግስቲ ኣምላኽ ቅድሜኹም ከም ዚአትዉ: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ” በሎም። ብሓቂ ክርአ ኸሎ: እቶም ተገውትን ኣመናዝርን ኣብ መጀመርታ ንኣምላኽ ምግልጋል ኣብዮም ኢዮም። ደሓር ግን ከምቲ ቀዳማይ ውሉድ ተናስሑ እሞ ንኣምላኽ ኣገልገልዎ። በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ እቶም ናይ ሃይማኖት መራሕቲ ከምቲ ካልኣይ ውሉድ ኢዮም: ንኣምላኽ ነገልግል ኢና ይብሉ: እንተዀነ ግን ከምቲ የሱስ ዝበሎ “ዮሃንስ [መጥምቕ] ብቕኑዕ መገዲ ናባኻትኩም መጺኡ ነበረ እሞ: ተገውትን ኣመናዝርን ደኣ አመንዎ እምበር: ንስኻትኩምሲ ኣይአመንኩምዎን። ንስኻትኩም ግና ነዚ ርኢኹም: ክትአምንዎ ደሓር እኳ ኣይተጠዐስኩምን።”

ድሕርዚ ኸኣ የሱስ ውድቀት እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ንኣምላኽ ምግልጋል ሸለል ስለ ዝበሉ ጥራይ ከም ዘይኰነ ኣርኣየ። ኣብ ክንድኡስ ረሲኣንን እኩያትን ሰባት ብምዃኖም ኢዩ። የሱስ “ኣታኽልቲ ወይኒ ዝተኸለ ብዓል ቤት ነበረ። ሓጹር ሐጸሮ: መሓምተሊ ድማ ኰዐተሉ: ግምቢውን ሰርሓሉ: ንዐየይቲ ብመገስ ሂብዎም ከኣ: ናብ ካልእ ሃገር ገሸ። ጊዜ ፍርያት ምስ በጽሔ: ፍሪኡ ኼምጽኡሉ ባሮቱ ናብቶም ዓየይቲ ለአኸ። እቶም ዓየይቲ ኸኣ ነቶም ባሮቱ ሒዞም ንገሊኦም ወቕዕዎም: ንገሊኦም ቀተልዎም: ንገሊኦም ብእምኒ ጨፍለቕዎም። ከም ብሓድሽ ካብቶም ቀዳሞት ዚበዝሑ ኻልኦት ባሮት ለአኸ። ንኣታቶም ድማ ከምኡ ገበርዎም” ኢሉ ኣዘንተወሎም።

እቶም “ባሮት” እቲ “በዓል ቤት” ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ናብቶም “ዓየይቲ” ናይቲ ‘ኣታኽልቲ ወይኑ’ ዝለኣኾም ነብያት ኢዮም። እዞም ዓየይቲ ኸኣ እቶም ኣብ መሪሕነት ዘለዉ ወኪላት ናይ ህዝቢ እስራኤል ኢዮም: መጽሓፍ ቅዱስ ነዞም ህዝቢ እዚኦም ከም “ኣታኽልቲ ወይኒ” ኣምላኽ ገይሩ ኢዩ ዝገልጾም።

እቶም “ዓየይቲ” ነቶም “ባሮት” ሕማቕ ስለ ዝገብርዎምን ዝቐተልዎምን: “መወዳእትኡ፤ [እቲ በዓል ቤት ናይቲ ኣታኽልቲ ወይኒ] ንወደይሲ ይሐፍርዎ ግዲ ይዀኑ: ኢሉ ወዱ ለአኸ። እቶም ዓየይቲ ነቲ ወዱ ምስ ረአይዎ: ንሓድሕዶም፤ እዚ እቲ ወራሲ እዩ። ንዑ: ንቕተሎ እሞ ርስቱ ንሐዝ: ተበሃሀሉ። ሒዞም: ካብ ቦታ ኣታኽልቲ ወይኒ ንወጻኢ ኣውጺኦም ቀተልዎ” ብምባል የሱስ ገለጸ።

የሱስ ናብቶም መራሕቲ ሃይማኖት ምልስ ኢሉ “እቲ ጐይታ ኣታኽልቲ ወይኒ ምስ መጸስ: ነቶም ዓየይቲ እቲኦም እንታይ ኪገብሮም እዩ፧” ኢሉ ሓተቶም።

እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ከኣ “ነቶም ክፉኣት ብኽፉእ የጥፍኦም: እቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኸኣ: ፍሪኡ በብጊዜኡ ንዚህቡ ኻልኦት ዓየይቲ ብመገስ ይህቦም” ኢሎም መለሱሉ።

እቶም መራሕቲ ሃይማኖት እውን ካብቶም እስራኤላውያን “ዓየይቲ” ናይቲ “ኣታኽልቲ ወይኒ” የሆዋ ዝዀነ ህዝቢ እስራኤል ስለ ዝዀኑ: ከይተረድኦም ንገዛእ ርእሶም ፈረዱ። እቲ የሆዋ ካብዞም ዓየይቲ እዚኣቶም ዝጽበዮ ፍረ: ኣብቲ ናይ ሓቂ መሲሕ ዝዀነ ወዱ ምእማን ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ፍረ ስለ ዘየፍረዩ ግን የሱስ “እቶም ነደቕቲ ዝነዐቕዎ እምኒ: ንሱ ርእሲ መኣዝን ኰነ: እዚ ኻብ እግዚኣብሄር ኰነ: ኣብ ኣዒንትናውን ግሩም እዩ: ዚብል ጽሑፋትዶ [ኣብ መዝሙር 118:⁠22, 23] ከቶ ኣየንበብኩምን፧ ስለዚ ድማ እታ መንግስቲ ኣምላኽ ካባኻትኩም ክትውሰድ: ፍሪኣ ንዚፈሪ ህዝቢውን ክትውሀብ እያ: እብለኩም አለኹ። ኣብቲ እምኒ እቲ ዝወደቐ ይስበር: እቲ እምኒ እቲ ዝወደቖ ድማ ይጭፍለቕ” ብምባል ኣጠንቀቖም።

እቶም ጸሓፍትን ሊቃውንቲ ካህናትን የሱስ ብዛዕብኦም ይዛረብ ከም ዘሎ ሽዑ ተረድኦም እሞ: ነቲ በዓል መሰል ዝዀነ “ወራሲ” ክቐትልዎ ደለዩ። ስለዚ እቲ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ገዛእቲ ናይ ምዃን ዝነበሮም መሰል ብህዝቢ ደረጃ ካብኦም ክውሰድ እሞ ብቑዕ ፍረ ዘፍሪ ሓድሽ ህዝቢ ናይ ‘ዓየይቲ ኣታኽልቲ ወይኒ’ ክቐውም ኢዩ።

እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ነቶም ንየሱስ ከም ነብዪ ዝርእይዎ ህዝቢ ስለ ዝፈርሁ: ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ክቐትልዎ ኣይፈተኑን። ማቴዎስ 21:⁠28-46፣ ማርቆስ 12:⁠1-12፣ ሉቃስ 20:⁠9-19፣ ኢሳይያስ 5:⁠1-7

▪ እቶም ኣብቲ የሱስ ዝሃቦ ናይ መጀመርታ ምሳሌ ዘለዉ ክልተ ደቂ ንመን ኢዮም ዘመልክቱ፧

▪ ኣብታ ካልአይቲ ምሳሌ እቲ “በዓል ቤት” እቲ “ኣታኽልቲ ወይኒ” እቶም “ዓየይቲ” እቶም “ባሮት” ከምኡውን እቲ “ወራሲ” ንመን ኢዮም ዘመልክቱ፧

▪ እቶም ‘ዓየይቲ ኣታኽልቲ ወይኒ’ እንታይ ክዀኑ ኢዮም: መንከ ኢዩ ዝትክኦም፧