ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብዙሓት ደቀ መዛሙርቲ ንየሱስ ካብ ምስዓብ ኣቋረጹ

ብዙሓት ደቀ መዛሙርቲ ንየሱስ ካብ ምስዓብ ኣቋረጹ

ምዕራፍ 55

ብዙሓት ደቀ መዛሙርቲ ንየሱስ ካብ ምስዓብ ኣቋረጹ

የሱስ ኣብ ናይ ቅፍርናሆም ቤት ጸሎት ኰይኑ ካብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ ሓቂ ከም ምዃኑ መጠን ዘለዎ ግደ ይምህር ነበረ። እዚ ዝርርብ እዚ መቐጸልታ ናይቲ ምስቶም ካብ ምብራቓዊ ወገን ባሕሪ ገሊላ ክምለሱ ከለዉ ዝረኸብዎ ኣቐዲሙ ብተኣምራታዊ መገዲ ጐጎን ዓሳን ዘብልዖም ሰባት ዝጀመሮ ዝርርብ ኢዩ ነይሩ።

የሱስ ቀጺሉ “እዚ ኣነ ምእንቲ ህይወት ዓለም ዝህቦ እንጌራ ኸኣ ስጋይ እዩ” በሎም። ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣቢሉ ይኸውን ኣብ ጽድያ ናይ 30 ከ.ኣ.ዘ. የሱስ ንኒቆዲሞስ ኣምላኽ ንዓ​ለም ስለ ዘፍቅራ ወዱ መድሓኒ ከም ዘዳለወላ ነገሮ። ሕጂ ኸኣ የሱስ ዝዀነ ይኹን ሰብ ኣብቲ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ዝገብሮ መስዋእቲ እምነት ብምርኣይ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ስግኡ ምስ ዝበልዕ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዝረክብ ኢዩ ዘርኢ ዘሎ።

እቶም ሰባት ግን በቲ የሱስ ዝበሎ ተዓንቀፉ። “እዝስ: ስጋኡ ኽንበልዕ: ከመይ ገይሩ ኺህበና ይከአሎ፧” ኢሎም ከኣ ሓተቱ። የሱስ እቶም ዝሰምዕዎ ዝነበሩ ሰባት ስግኡ ብምሳልያዊ መገዲ ከም ዝብላዕ ክርድኡ ደለየ። ስለዚ ነዚ ንምጕላሕ ቃል ብቓሉ እንተድኣ ተወሲዱ ዝያዳ ተቐባልነት ዘይብሉ ነገር ኢዩ ዝዛረቦም ዘሎ።

የሱስ ከምዚ በሎም:- “ስጋ ወዲ ሰብ እንተ ዘይበላዕኩም: ደሙውን እንተ ዘይሰቴኹምሲ: ህይወት ከም ዜብልኩም . . . እብለኩም አሎኹ። ስጋይ ዚበልዕ ደመይውን ዚሰቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት አላቶ: ኣነውን በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ እየ። ስጋይ ብልዒ ሓቂ እዩ እሞ: ደመይ ከኣ መስተ ሓቂ እዩ። እቲ ስጋይ ዚበልዕ ደመይውን ዚሰቲ ኣባይ ይነብር: ኣነውን ኣብኡ።”

ሓቂ ኢዩ የሱስ ብዛዕባ ስጋ ሰብ ምብላዕ ይምህር ነይሩ እንተ ዝኸውን ኣዝዩ ዘስገድግድ ምዀነ ነይሩ። የሱስ ግን ቃል ብቓሉ ስጋ ምብላዕ ወይ ደም ምስታይ ኣይኰነን ዝድ​ግፍ ዘሎ። ብሓጺሩ ኵሎም ናይ ዘለኣለም ህይወት ዝደልዩ ሰባት ኣብቲ ፍጹም ሰብኣዊ ስግኡ ብምሃብን ደሙ ብምፍሳስን ዝገብሮ መስዋእቲ እምነት ከርእዩ ኣለዎም ማለት ኢዩ። ይኹን እምበር: ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቱ እውን ነቲ ትምህርቱ ክርድኡ ኣይጸዓሩን: ስለዚ “እዚ ዘረባ እዝስ ጭንቂ እዩ: መን ኪሰምዖ ይኽእል፧” ብምባል ነጸግዎ።

ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቱ የጕረምርሙ ከም ዘለዉ ምስ ፈለጠ የሱስ “እዚዶ የዐንቅፈኩም አሎ፧ ወዲ ሰብ ናብቲ ቐደም ዝነበሮ ኺድይብ ከሎ እንተ ትርእዩ ደኣ: ከመይ እዩ፧ . . . እዘን ኣነ ዝነገርኩኹም ቃላት: መንፈስ እየን ህይወትውን እየን። . . . ዘይአምኑ ግና ኣብ ማእከልኩም አለዉ” በሎም።

የሱስ ቀጺሉ “ስለዚ ድማ እየ፤ እቲ ኻብ ኣቦይ እተዋህቦ እንተ ዘይኰይኑስ: ናባይ ኪመጽእ ዚኽእል የልቦን: ዝበልኩኹም” በሎም። ካብኡ ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቱ ገደፍዎ ምስዓቡ እውን ኣቋረጹ። ስለዚ የሱስ ናብቶም 12 ሃዋርያቱ ምልስ ኢሉ “ንስኻትኩምከ ኽትከዱዶ ትደልዩ አሎኹም፧” ብምባል ሓተቶም።

ጴጥሮስ ከኣ “ጐይታይ: ንስኻ ናይ ዘለኣለም ህይወት ቃል አሎካ: ናብ መን እሞ ኽንከይድ፧ ንሕናስ ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ምዃንካ አሚንናን ፈሊጥናን አሎና” ኢሉ መለሰሉ። ጴጥሮስን እቶም ካልኦት ሃዋርያትን ነቲ የሱስ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ዝሃቦ ትምህርቲ ምሉእ ብምሉእ ዘይተረድእዎ እኳ እንተዀኑ: ኣየ ከመይ ዝበለ ሰናይ መግለጺ ናይ ተኣማንነት ኰን ኢዮም ዘርኣዩ!

በቲ ጴጥሮስ ዝሃቦ ምላሽ ባህ እኳ እንተ በሎ “ንዓሰርተው ክልቴኹምዶ ሐርየኩም ኣይኰንኩን፧ ሓደ ኻባኻትኩም ግና ድያብሎስ እዩ” ኢሉ መለሰ። ብዛዕባ ይሁዳ ኣስቆረታዊ ኢዩ ዝዛረብ ነይሩ። የሱስ ኣብዚ እዋን እዚ ይሁዳ ኣስቆረታዊ ሕማቕ ኣካይዳ “ይጅምር” ወይ ከኣ የበግስ ከም ዘሎ ኣስተብሂልሉ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

የሱስ ንጉስ ክገብርዎ ምስ ፈተኑ ምእባዩ ነቶም ሰባት ኣሕሪቕዎም ኢዩ: ንሳቶም ከኣ ‘ናይቲ መሲህ ግቡእ ቦታ ዝኣቢ እንተድኣ ኰይኑስ ከመይ ገይሩ መሲህ ኢየ ይብል፧’ ኢሎም ይሓስቡ ይህልዉ። እዚ እውን ኣብ ኣእምሮ ናይቶም ህዝቢ ዘሎ ጕዳይ ኢዩ። ዮሃንስ 6:⁠51⁠-​71፣ 3:⁠16

▪ የሱስ ስግኡ ንመን ኢዩ ዝህብ: እዚኣቶምከ ‘ስግኡ ዝበልዑ’ ብኸመይ ኢዮም፧

▪ ነቶም ሰባት ዘሰንበዶም እንታይ ተወሳኺ ቃላት የሱስ ኢዩ: ይኹን እምበር እንታይ ኢዩ ዘጕልሕ ነይሩ፧

▪ ብዙሓት ንየሱስ ምስዓብ ምስ ገደፍዎ: ጴጥሮስ ዝሃቦ ምላሽ እንታይ ኢዩ፧