ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብዛዕባ ናይ መርዓ ድግስ እተዋህበ ምሳሌ

ብዛዕባ ናይ መርዓ ድግስ እተዋህበ ምሳሌ

ምዕራፍ 107

ብዛዕባ ናይ መርዓ ድግስ እተዋህበ ምሳሌ

የሱስ ብኽልተ ምሳሌታት ገይሩ ነቶም ጸሓፍትን ሊቃውንቲ ካህናትን ኣቃልዖም: ንሳቶም ከኣ ክቐትልዎ ደለዩ። የሱስ ግን ምስኣቶም ዝነበሮ ነገር ገና ኣይወድአን ዘሎ። ተወሳኺ ካልእ ምሳሌ ከምዚ ኢሉ ነገሮም:-

“መንግስተ ሰማያት ንወዱ መርዓ ዝገበረ ንጉስ ትመስል። ነቶም ናብ መርዓ እተዐደሙ ኺጽውዑ ባሮቱ ለአኸ: ግናኸ ምምጻእ አበዩ።”

የሆዋ ኣምላኽ እቲ ንወዱ የሱስ ክርስቶስ ከመርዑ ዝዳሎ ንጉስ ኢዩ። እታ ብ144,000 ቅቡኣት ሰዓብቲ ዝቘመት መርዓት ኣብ መወዳእትኡ ምስ የሱስ ኣብ ሰማይ ክትሓብር ኢያ። እቶም ተገዛእቲ ናይቲ ንጉስ ድማ እቶም ብ1513 ቅ.ኣ.ዘ. ኣብ ሕጊ ኪዳን ብምእታው ‘መንግስቲ ኻህናት’ ናይ ምዃን ኣጋጣሚ ዝረኸቡ ህዝቢ እስራኤል ኢዮም። ስለዚ ድማ ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ናይ መርዓ ዕድመ ብመጀመርታ ንዕኦም ተዘርግሓሎም።

ይኹን እምበር: ነቶም እተዓደሙ ናይ መጀመርታ ጻውዒት ዝቐረበሎም ብ29 ከ.ኣ.ዘ. ማለት የሱስን እቶም ደቀ መዛሙርቱን (ባሮት ናይቲ ንጉስ) እቲ ናይታ መንግስቲ ስብከቶም ምስ ጀመሩ ኢዩ። እንተዀነ ግን: እቶም ብስጋ እስራኤላውያን ዝነበሩ ነቲ ካብ 29 ከ.ኣ.ዘ. ክሳዕ 33 ከ.ኣ.ዘ. በቶም ባሮት እተገብረሎም ጻውዒት ተቐቢሎም ምምጻእ ኣበዩ። ስለዚ ኣምላኽ ነቶም እተዓደሙ ህዝቢ ካልእ ኣጋጣሚ ሃቦም: የሱስ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:-

“ከም ብሓድሽ ድማ ነቶም ዕዱማት፤ እንሆ: መኣደይ ኣዳሎኹ: ሰባሕተይን ኣስዋረይን ሐሪደ: ኵሉ ተዳልዩ አሎ እሞ: ናብ መርዓ ንዑ።” እዚ ካልኣይን ናይ መወዳእታን ጻውዒት ናይቶም ዕዱማት ኣብ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. መንፈስ ቅዱስ ኣብ ሰዓብቲ የሱስ ምስ ፈሰሰ ጀመረ። እዚ ጻውዒት እዚ ክሳዕ 36 ከ.ኣ.ዘ. ቀጸለ።

ይኹን እምበር: መብዛሕትኦም እስራኤላውያን ነዚ ጻውዒት እዚ ረጥረጥዎ። የሱስ “ሸለል ኢሎም: ገሊኦም ናብ ግራቶም: ገሊኦም ከኣ ናብ ነግዶም ከዱ። እቶም ዝተረፉ ኸኣ ነቶም ባሮቱ ሒዞም ኣዋረድዎም ቀተልዎምውን” በለ። የሱስ ግን ቀጺሉ “እቲ ንጉስ ተቘጥዔ: ጭፍራኡ ልኢኹ: ነቶም ቀተልቲ ኣጥፍኤ: ከተማኦም ድማ ተኰሰ” በሎም። እዚ ብ70 ከ.ኣ.ዘ. የሩሳሌም ብሮማውያን ምስ ተደምሰሰትን እዞም ቀተልቲ ድማ ምስ ጠፍኡን ተፈጸመ።

ብድሕርዚ የሱስ ክሳዕ እቲ ጥፍኣት ዝኸውን እንታይ ከም ዝግበር ከምዚ ብምባል ነገረ:- “ሽዑ [እቲ ንጉስ] ንባሮቱ፤ እቶም ዕዱማት ደኣ ዘይብቑዓት ኰይኖም እምበር: መርዓስ እተዳለወ እዩ: ደጊም ናብ ቀራና መገዲ ኺዱ እሞ ንዝረኸብኩምዎ ዘበለ ናብ መርዓ ጸውዑ: በሎም።” እቶም ባሮት ከምኡ ገበሩ እሞ “እቲ ዳስ መርዓ ብተቐማጦ መልኤ።”

ካብ ቀራና መገዲ ናይታ እቶም እተዓደሙ ሰባት ዝነብሩላ ከተማ ወጻኢ ኣጋይሽ ምእካብ ብ36 ከ.ኣ.ዘ. ተጀመረ። እቲ ሮማዊ ሓለቓ ሰራዊት ቆርኔሌዎስን ስድራቤቱን ካብቶም ዘይተገዝሩ: ኣይሁዳውያን ዘይኰኑ ሰባት መጀመርታ እተኣከቡ ኢዮም። ምእካብ ናይዞም ኣይሁድ ዘይኰኑ ሰባት ክሳዕ እዚ መበል 20 ክፍለ-ዘበን ቀጸለ: ኵሎም ከኣ መተካእታ ናይቶም መጀመርታ ተጸዊዖም ዝነበሩ እሞ ዝኣበዩ ኢዮም።

ኣብዚ መበል 20 ክፍለ-ዘበን ኢዩ እቲ ዳስ ናይቲ መርዓ ዝመልአ። የሱስ ሽዑ እንታይ ከም ዝኸውን ከዘንቱ ከሎ ከምዚ በለ:- “እቲ ንጉስ ነቶም ተቐማጦ ኺርኢ ምስ አተወ: ክዳን መርዓ ዘይተኸድነ ሰብኣይ ረአየ እሞ: ኣታ ዓርከይ: ከመይከ ኽዳን መርዓ ዜብልካ ናብዚ አቶኻ፧ በሎ። ንሱ ግና ኣጽቀጠ። ሽዑ እቲ ንጉስ ንገላዉኡ በሎም፤ ኣእዳዉን ኣእጋሩን አሲርኩም: ኣብ ናይ ወጻኢ ጸልማት ደርብይዎ። ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ይኸውን።”

እቲ ናይ መርዓ ክዳን ዘይተኸድነ ሰብኣይ ነቶም ኣምስሉ ክርስትያን ናይ ህዝበ-ክርስትያን የመልክት። ኣምላኽ ነዚኣቶም ከም መንፈሳውያን እስራኤል መጠን ግቡእ መለለዪ ዘለዎም ገይሩ ኣፍልጦ ሂቡሎም ኣይፈልጥን። ኣምላኽ ከም ወረስቲ ናይታ መንግስቲ ብመንፈስ ቅዱስ ገይሩ ፈጺሙ ቀቢእዎም ኣይፈልጥን። ስለዚ ናብቲ ጥፍኣት ዝረኽብሉ ናብ ወጻእን ናብ ጸልማትን ተደርበዩ።

የሱስ “ጽዉዓትሲ ብዙሓት እዮም: ሕሩያት ግና ሒደት እዮም” ብምባል ነቲ ምሳሌኡ ደምደሞ። እወ: ኣባላት መርዓት ክርስቶስ ንኽዀኑ ብዙሓት ካብ ህዝቢ እስራኤል ተዓዲሞም ነይሮም ኢዮም: እንተዀነ ግን እቶም እተሓርዩ ሒደት ብስጋ እስራኤላውያን ጥራይ ኢዮም። ዝበዝሑ ካብቶም ሰማያዊ ዓስቢ ዝረኽቡ 144,000 እስራኤላውያን ዘይኰኑ ምዃኖም ተረጋጊጹ ኢዩ። ማቴዎስ 22:⁠1-14፣ ዘጸኣት 19:⁠1-6፣ ራእይ 14:⁠1-3

▪ እቶም ንፈለማ ግዜ ናብቲ ናይ መርዓ ድግስ እተዓደሙ መን ኢዮም: እቲ ዕድመ እተዘርግሓሎምከ መዓስ ኢዩ፧

▪ እቶም እተዓደሙ ንመጀመርታ ግዜ እተጸውዑ መዓስ ኢዩ: እቶም ዕድመ ዝዘርግሑ ባሮትከ መን ኢዮም፧

▪ እቲ ካልኣይ ጻውዒት መዓስ ተዘርግሐ: ብድሕሪኡኸ መን ኢዮም እተዓደሙ፧

▪ እቲ ናይ መርዓ ክዳን ዘይተኸድነ ሰብኣይ ንመን ኢዩ ዘመልክት፧

▪ እቶም ብዙሓት እተጸውዑን እቶም ሒደት እተሓርዩን መን ኢዮም፧