ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብዛዕባ ጾም ሓተትዎ

ብዛዕባ ጾም ሓተትዎ

ምዕራፍ 28

ብዛዕባ ጾም ሓተትዎ

የሱስ ናይ 30 ከ.ኣ.ዘ. በዓል ፋስጋ ካብ ዘብዕል ዳርጋ ዓመት ሓለፈ። ዮሃንስ መጥምቕ ካብ ዝእሰር ብዙሕ ኣዋርሕ ኢዩ ኰይኑ። ዮሃንስ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ሰዓብቲ ክርስቶስ ክዀኑ እኳ እንተደለየ ንየሱስ ዝሰዓብዎ ግን ኵሎም ኣይኰኑን።

ሕጂ ገለ ካብ ደቀ መዛሙርቲ ናይቲ ተኣሲሩ ዘሎ ዮሃንስ ናብ የሱስ ከይዶም “ስለምንታይ ንሕናን ፈሪሳውያንን ብዙሕ ንጸውም: ደቀ መዛሙርትኻ ግና ኣይጾሙን፧” ኢሎም ሓተትዎ። ፈሪሳውያን ከም ልምዲ ናይ ሃይማኖቶም ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ ይጾሙ ነበሩ። ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ ከኣ ምናልባት ተማሳሳሊ ልምዲ ይስዕቡ ነይሮም ይዀኑ። ምናልባት እውን ዮሃንስ ስለ እተኣስረ ብምሕዛኖም ጸይሞም ይዀኑ: ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ከኣ ኣብዚ መግለጺ ሓዘን እዚ ስለ ዘይሓበርዎም ተገሪሞም ይዀኑ።

የሱስ ከኣ “ነዕሩኽ መርዓዊኸ: መርዓዊ ምሳታቶም ክሳዕ ዘሎ: ከመይ ኢሎም ክጕህዩ ይዀነሎም፧ መርዓዊ ኻባታቶም ዚውሰደላ መዓልቲ ግና ክትመጽእ እያ: ሽዑ ኸኣ ይጾሙ” ብምባል ገለጸሎም።

ዮሃንስ ባዕሉ እውን ንየሱስ መርዓዊ ኢሉ ከም ዝጸውዖ ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ ዘኪሮም ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። ስለዚ ዮሃንስ ባዕሉ እውን የሱስ ከሎ ምጻም ግቡእ ኢዩ ኢሉ ኣይሓስቦን ኢዩ: ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ከኣ ከምኡ። ደሓር የሱስ ምስ ሞተ ደቀ መዛሙርቱ ይሓዝኑን ይጾሙን። ካብ ምዉታት ምስ ተንስአን ናብ ሰማይ ምስ ዓረገን ግን: ንኽሓዝኑን ንኽጾሙን ምኽንያት የብሎምን።

ካብኡ ቀጺሉ የሱስ እዚ ዝስዕብ መብርሂ ሃቦም:⁠-“ቍራጽ ሓድሽ ዓለባ ኣብ ብላይ ክዳን ዚልግብ የልቦን: እንተ ዘይኰነስ ነቲ ጥዑይ ይልክሞ: ምቕዳዱ ኸኣ ዝገደደ ይኸውን። ንሓድሽ ወይኒ ኣብ ኣረገውቲ ኣሕርብቲ ኣየዕርቕዎን: እንተ ዘይኰነስ እቲ ኣሕርብቲ ይቕደድ: እቲ ወይኒውን ይፈስስ: ኣሕርብቲ ኸኣ ይባላሾ። ንሓድሽ ወይኒ ግና ኣብ ሓደስቲ ኣሕርብቲ የዕርቕዎ።” እዚ መብርሂ እዚ ምስ ጾም እንታይ ርክብ ኣለዎ፧

የሱስ ሰዓብቱ ምስቲ ከም ናይ ጾም ስርዓት ዝኣመሰለ ኣረጊት ልምድታት ናይ ኣይሁድነት ክሰማምዑ ዋላ ሓደ ሰብ ትጽቢት ክገብር ከም ዘይብሉ: ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ናይ ዮሃንስ መጥምቕ ንኽግንዘቡ ኢዩ ዝሕግዞም ነይሩ። ነቲ ከልግስ ቀሪቡ ዝነበረ ዝኣረገ ኣገባብ ኣምልኾ ክልግብን ከናውሕን ኣይኰነን መጺኡ። ክርስትና ምስቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበረ ባህልታት ሰብ ዝነበሮ ኣይሁድነት ክወሃሃድ ኣይኰነን። ክርስትና ከም ሓድሽ ዓለባ ኣብ ኣረጊት ክዳን ወይ ከኣ ከም ሓድሽ ወይኒ ኣብ ኣረጊት ሓርቢ ኣይከውንን ኢዩ። ማቴዎስ 9:⁠14⁠-​17፣ ማርቆስ 2:⁠18⁠-​22፣ ሉቃስ 5:⁠33⁠-​39፣ ዮሃንስ 3:⁠27⁠-​29

▪ ዝጸውም መን ኢዩ: ንምንታይ ዕላማኸ፧

▪ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ምስኦም ከሎ ዘይጾሙ ስለምንታይ ኢዮም: ደሓርከ እቲ ዘጸሞም ምኽንያት ቀልጢፉ ዘልግስ ብኸመይ ኢዩ፧

▪ የሱስ እንታይ መብርሂታት ኢዩ ዝሃበ: እንታይ ማለትከ ኢዩ፧