ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብዛዕባ ፍትሕን ቈልዑ ምፍቃርን እተዋህበ ትምህርቲ

ብዛዕባ ፍትሕን ቈልዑ ምፍቃርን እተዋህበ ትምህርቲ

ምዕራፍ 95

ብዛዕባ ፍትሕን ቈልዑ ምፍቃርን እተዋህበ ትምህርቲ

የሱስን ደቀ መዛሙርቱን በዓል ፋስጋ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ንምብዓል ናብ የሩሳሌም ገጾም ኢዮም ዝጓዓዙ ዘለዉ። ርባ ዮርዳኖስ ሰጊሮም ብኣውራጃ ጴርያ ኣቢሎም ኢዮም ዝኸዱ ዘለዉ። የሱስ ቅድሚ ገለ ሰሙናት ኣብ ጴርያ ኢዩ ነይሩ: ደሓር ግን ኣልኣዛር ፈታዊኡ ስለ ዝሓመመ ናብ ይሁዳ ተጸውዐ። ኣብ ጴርያ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ የሱስ ምስቶም ፈሪሳውያን ብዛዕባ ፍትሕ ተዛሪቡ ነበረ: ሕጂ ኸኣ ነቲ ጕዳይ እንደገና ኣልዓልዎ።

ፈሪሳውያን ብዛዕባ ፍትሕ እተፈላለየ ትምህርቲ ኢዩ ነይርዎም። ሙሴ ሓንቲ ሰበይቲ ሰብኣያ ‘ዜሕፍር ነገር ምስ ዝረኽበላ’ ክፈትሓ ፈቒዱ ኢዩ። ገሊኦም እዚ ርኽሰት ምስ እትፍጽም ጥራይ ኢዩ ዘመልክት ይብሉ። ካልኦት ከኣ “ዜሕፍር ነገር” ንኣሽቱ ነገራት እውን ዘጠቓልል ኢዩ ይብሉ። ስለዚ እቶም ፈሪሳውያን ንየሱስ ንምፍታን “ሰብኣይሲ ነታ ሰበይቱ ብዝዀነ ምኽንያት ኪፈትሓዶ: ተፈቒዱሉ እዩ፧” ኢሎም ሓተትዎ። የሱስ ክምልስ ከሎ ዝበለ ይበል በቶም እተፈልየ ኣረኣእያ ዘለዎም ፈሪሳውያን ኣብ ሽግር ክኣቱ ምዃኑ ርግጸኛታት ኢዮም ነይሮም።

የሱስ ኣብ ሰብኣዊ ኣረኣእያ ብምምርኳስ ዘይኰነስ ናብቲ መሰረት ናይ መርዓ ብምምልካት: ነቲ ዝቐረበ ሕቶ ብጥበብ መለሰሉ። “እቲ ኻብ መጀመርታ ዝፈጠረ: ሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ ፈጠሮም: ድማ: ምእንትዚ ሰብኣይ ነቦኡን ነዲኡን ይሐድግ: ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጣበቕ: ክልቲኦም ሓደ ስጋ ይዀኑ: ከም ዝበለዶ ኣየንበብኩምን፧ ደጊም ሓደ ስጋ እዮም እምበር: ክልተ ኣይኰኑን። ነቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞስ: ሰብ ኣይፍለዮ” በሎም።

እቲ ናይ መጀመርታ ዕላማ ኣምላኽ ናይ መርዓ ብጾት ክፋትሑ ዘይኰነስ ብሓደ ክነብሩ ምዃኑ ኢዩ የሱስ ዘርኣየ። ፈሪሳውያን ከኣ ከምኡ እንተድኣ ኰይኑ “ስለምንታይ ደኣ ሙሴ: ጽሕፈት መፍትሒኣ ሂቦም: ኪፈትሕዋ አዘዘ፧” በልዎ።

የሱስ ከኣ “ሙሴስ ብሰሪ ትሪ ልብኹም ምፍታሕ ኣንስትኹም ፈቐደልኩም: ካብ መጀመርታ ግና ከምኡ ኣይነበረን” በሎም። እወ: ኣምላኽ ኣብ ገነት ኤድን እቲ ናይ ሓቂ ስርዓት መርዓ ምስ ኣቘመ: ናይ ፍትሕ ምድላው ኣይገበረን።

የሱስ ቀጺሉ ነቶም ፈሪሳውያን “ኣነ ግና: እቲ ንሰበይቱ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት [ብግሪኽ ፖር·ኒʹያ  ] ዚፈትሓ ኻልእውን ዜእቱ ይዝሙ: . . . እብለኩም አሎኹ” በሎም። በዚ ኸምዚ ንፍትሕ ምኽንያት ክኸውን ዝኽእል እንኮ ነገር እታ ንኸቢድ ዝዀነ ናይ ጾታዊ ርክብ ዘይስነ-ምግባራውነት እተመልክት ፖር·ኒʹያ ጥራይ ምዃና ኣርኣየ።

መርዓ ነባሪ ሕብረት ክኸውን ከም ዘለዎ: ንፍትሕ ምኽንያት ዝኸውን ድማ እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ጥራይ ምዃኑ ብምግንዛብ እቶም ደቀ መዛሙርቲ “ስርዓት ሰብኣይን ሰበይትን ከምዚ እንተ ዀይኑስ: ምትእትታው ጽቡቕ ኣይኰነን” በልዎ። ሓደ ክምርዖ ዝሓስብ ሰብ ማእሰር መርዓ ነባሪ ምዃኑ ኣርዚኑ ክሓስበሉ ከም ዘለዎ ኣየተሓታትትን ኢዩ!

ካብኡ ቀጺሉ የሱስ ብዛዕባ ንጽል ምዃን ተዛረበ። ገለ ሰባት ብጾታዊ ነገራት ስለ ዘይዓበዩ ስሉባት ኰይኖም ከም እተወልዱ። ካልኦት ከኣ ሰባት ብጭከና ከም ዝሰለቡዎም። ኣብ መወዳእታ ኸኣ ገሊኦም ንመንግስተ ሰማያት ዝምልከት ነገራት ንምፍጻም ርእሶም ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ክውፍዩ ነቲ ናይ ምምርዓውን ናይ ጾታዊ ርክብን ባህጎም ከም ዝዓብጥዎ ገለጸ። የሱስ “[ንጽል ንምዃን] ኪቕበሎ ዚኽእል ይቀበሎ” ኢሉ ደምደመ።

ካብኡ ሰባት ነቶም ናእሽቱ ደቆም ናብ የሱስ ከምጽኡ ጀመሩ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ግን ንየሱስ ተወሳኺ ጸገም ከይኰንዎ ብምባል ነቶም ቈልዑ ገንሕዎም: ክሰጕዎም ከኣ ፈተኑ። የሱስ ግን ከምዚ በሎም:- “መንግስቲ ኣምላኽ ንኸምዚኦም ዝበሉ እያ እሞ: ሕጻናት ናባይ ይምጽኡ ሕደጉ ኣይትኸልክልዎም። ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ሕጻን ኰይኑ ዘይተቐበላ ከቶ ኸም ዘይአትዋ: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።”

ኣየ ከመይ ዝበለ ሰናይ ትምህርትታት ኰን ኢዩ የሱስ ዝሃበ! ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ንምእታው ክንበቅዕ ነቲ ናይ ንኣሽቱ ቈልዑ ትሕትናን ንኽምሃሩ ዘለዎም ድሌትን ክንመስሎ ኣሎና። እዚ ናይ የሱስ ኣብነት ግን ብፍላይ ወለዲ ምስ ደቆም ግዜ ከሕልፉ ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ከም ዝዀነ ኢዩ ዘብርህ። የሱስ ንናእሽቱ ዘለዎ ፍቕሪ ነቶም ቈልዑ ብምሕቋፍን ብምብራኽን ኣርኣየ። ማቴዎስ 19:⁠1-15፣ ዘዳግም 24:⁠1፣ ሉቃስ 16:⁠18፣ ማርቆስ 10:⁠1-16፣ ሉቃስ 18:⁠15-17

▪ ፈሪሳውያን ብዛዕባ ፍትሕ እንታይ እተፈላለየ ኣረኣእያ ኢዩ ዘለዎም: ስለዚ ንየሱስ ብኸመይ ፈተንዎ፧

▪ የሱስ ነቲ ፈሪሳውያን ንኽፍትንዎ ዝገበርዎ ጻዕሪ ብኸመይ ተዋጽኣሉ: ንፍትሕ ዝኸውን እንኮ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ኢዩ ዝነገሮም፧

▪ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ዘይምምርዓው ይሓይሽ ዝበሉ ስለምንታይ ኢዮም: የሱስከ እንታይ ምሕጽንታ ኢዩ ዝሃበ፧

▪ የሱስ በቲ ምስ ናእሽቱ ቈልዑ ዝገበሮ ምምልላስ እንታይ ኢዩ ምሂሩና፧