ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብጻይነት ዘርኣየ ሳምራዊ

ብጻይነት ዘርኣየ ሳምራዊ

ምዕራፍ 73

ብጻይነት ዘርኣየ ሳምራዊ

የሱስ ምናልባት ጥቓ ቢታንያ: ኣብታ ካብ የሩሳሌም ዳርጋ 3 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ዓዲ ኢዩ ዝህሉ። ሓደ ፈላጥ ሕጊ ሙሴ ናብኡ ቀሪቡ “መምህር: ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽወርስ እንታይ እግበር፧” ኢሉ ሓተተ።

የሱስ እቲ ፈላጥ ሕጊ ዝነበረ ሰብኣይ ክፈልጥ ደልዩ ዘይኰነስ: ንኽፍትኖ ኢሉ ይሓትት ከም ዘሎ ተረድኦ። እቲ ፈላጥ ሕጊ የሱስ ንስምዒት ናይቶም ኣይሁድ ብዝጐድእ መገዲ ከም ዝምልስ ንኽገብሮ ኢሉ ኢዩ ዝኸውን። ስለዚ የሱስ ነቲ ፈላጥ ሕጊ “ኣብ ሕጊ እንታይ ጽሑፍ አሎ፧ ከመይሲ ተንብብ፧” ኢሉ ብምሕታት ባዕሉ ከም ዝምልስ ገበሮ።

እቲ ፈላጥ ሕጊ ኸአ ፍልይ ዝበለ ምስትውዓል ብምንጽብራቕ ካብቲ ኣብ ዘዳግም 6:⁠5 ከምኡውን ዘሌዋውያን 19:⁠18 ዘሎ ሕጊ ኣምላኽ ጠቒሱ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓይልኻን ብዅሉ ሓሳብካን ኣፍቅሮ: ንብጻይካ ድማ ከም ነፍስኻ” ኢሉ መለሰ።

የሱስ ከኣ “ጽቡቕ መለስካ። ከምኡ ግበር እሞ ብህይወት ክትነብር ኢኻ” በሎ።

እቲ ፈላጥ ሕጊ ግን በቲ መልሲ ኣይዓገበን። መልሲ ናይ የሱስ ንጹር ኣይኰነሉን። ኣረኣእይኡ ቅኑዕ: በቲ ንኻልኦት ዝገብረሎም ኣተሓሕዛ ድማ ጻድቕ ምዃኑ ካብ የሱስ መረጋገጺ ደለየ። ስለዚ “ብጻየይከ መን እዩ፧” ኢሉ ሓተቶ።

ኣይሁድ ከምቲ ናይ ዘሌዋውያን 19:⁠18 ሓሳባት ዘመሓላልፎ ዝመስል: እታ ‘ብጻይ’ እትብል ቃል ንኣይሁድ ጥራይ ከም እተመልክት ኢዮም ዝኣምኑ። አረ: ድሓርሲ ሃዋርያ ጴጥሮስ እውን “ንኣይሁዳዊ ሰብኣይ ምስ ናይ ካልእ ህዝቢ ሰብ ኪሕወስ ወይስ ናብ ቤቱ ኺአቱ ኸም ዘይግብኦ: ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም” ኢሉ ኣሎ። ስለዚ እቲ ፈላጥ ሕጊ ምናልባትውን ደቀ መዛሙርቲ የሱስ እውን ኣይሁድ ንብጾቶም ጥራይ ጽቡቕ እንተድኣ ገይሮም ጻድቃን ከም ዝዀኑ ኢዮም ዝኣምኑ: ብናቶም ኣረኣእያ እቶም ኣይሁድ ዘይኰኑ ሰባት ብጾቶም ኣይኰኑን።

የሱስ ነቶም ሰማዕቱ ከየቐየመ ከመይ ገይሩ ኣረኣእይኦም ከዐርዮ ይኽእል፧ ሓንቲ ምናልባት ኣብ ክዉን ነገር እተመርኰሰት ክትከውን እትኽእል ዛንታ ነገሮም። የሱስ “ሓደ [ኣይሁዳዊ] ሰብኣይ ካብ የሩሳሌም ናብ ያሪኮ ኺወርድ ከሎ: ኣብ ኢድ ከተርቲ ወደቐ። ገፈፍዎን ከትከትዎን: ዳርጋ ምዉት ገይሮም ከኣ ገዲፎምዎ ኸዱ” ኢሉ ነገሮም።

የሱስ ቀጺሉ “ሓደ ኻህን በታ መገዲ እቲኣ ኺወርድ ከሎ: ርእይዎ ሐለፈ። ከምኡ ድማ ሓደ ሌዋዊ ኣብታ ቦታ እቲኣ ምስ በጽሔ: እናረአዮ ሐለፈ። ሓደ ሳምራዊ ሓላፍ መገዲ ግና ናብኡ መጸ: ምስ ረአዮ ኸኣ ደንገጸሉ” በሎም።

ብዙሓት ካህናትን እቶም ሌዋውያን ዝዀኑ ሓገዝቶምን ኣብ ያሪኮ ኢዮም ዝነብሩ ነይሮም፣ ካብቲ ኣብ ቤት መቕደስ ኰይ​ኖም ዘገልግሉሉ የሩሳሌም ናብ ያሪኮ 23 ኪሎ ሜተር ዝርሕቀቱ እቲ ቍልቍለቱ ኸኣ 900 ሜትሮ ዝወርድ ሓደገኛ መገዲ ኣሎ። ካህናትን ሌዋውያንን ንእተሸገረ ኣይሁዳዊ ክሕግዙ ትጽቢት ይግበሮም ኢዩ። እንተዀነ ግን ኣይሓገዙን። ኣብ ክንድኡ ግን ሓደ ሳምራዊ ኢዩ ዝሓገዘ። ኣይሁድ ንሳምራውያን ኣዝዮም ስለ ዝጸልእዎም ቅድሚ ቀረባ ግዜ ንየሱስ “ሳምራዊ” ኢሎም ጸረፍዎ።

እቲ ሳምራዊ ነቲ ኣይሁዳዊ ንኽሕግዝ እንታይ ገበረ፧ “ናብኡ ቐሪቡ ኣቝሳሉ ሰፈፈሉ: ዘይትን ወይንን ከኣ ኣፍሰሰሉ: ኣብ ኣድጉ ኣወጢሑውን ናብ ማሕደር ኣጋይሽ ወሲዱ አለዮ። ንጽብሒቱ ድማ ክልተ ዲናር [ዳርጋ ናይ ክልተ መዓልቲ መሃያ] ኣውጺኡ: ነቲ ሓላው ማሕደር ኣጋይሽ ሀቦ እሞ፤ ተኸናኸኖ: ንእኡ ኢልካ ዘጥፋእካዮ ዘበለ ምስ ተመለስኩ ኽፈድየካ እየ” ከም ዝበሎ የሱስ ተዛረበ።

እቲ ዛንታ ድሕሪ ምንጋሩ የሱስ ነቲ ፈላጥ ሕጊ “ነቲ ኣብ ኢድ ከተርቲ ዝወደቐስ ካብዞም ሰለስተ: ብጻይ ዝዀኖ ኣየናዮም እዩ፧” ኢሉ ሓተቶ።

ንሓደ ሳምራዊ ክንእድ ባህ ስለ ዘይበሎ እቲ ፈላጥ ሕጊ ክምልስ ከሎ “እቲ ምሕረት ዝገበረሉ” በለ።

የሱስ ከኣ “ኪድከ: ንስኻውን ከምኡ ግበር” በሎ።

የሱስ ነቲ ፈላጥ ሕጊ ኣይሁዳውያን ዘይኰኑ እውን ብጾቶም ከም ዝዀኑ ብቐጥታ እንተ ዝነግሮ: እቲ ሰብኣይ ኣይምተቐበሎን ነይሩ ጥራይ ዘይኰነስ: መብዛሕትኦም ካብቶም ሰማዕቲ ኣብቲ ምስ የሱስ ዝገብሮ ዝነበረ ምይይጥ ብወገን እቲ ሰብኣይ ምዀኑ ነይሮም። ይኹን እምበር: እዚ ኣጋጢሙ ክኸውን ዝኽእል ዛንታ ብጾትና እቶም ደቂ ዓሌትናን ደቂ ሃገርናን ጥራይ ከም ዘይኰኑ ክንጸግ ብዘይከኣል መገዲ ኣርኣየ። የሱስ ከመይ ዝበለ ዘገርም ኣማሃህራ ኰን ኢዩ ዘለዎ! ሉቃስ 10:⁠25-37፣ ግብሪ ሃዋርያት 10:⁠28፣ ዮሃንስ 4:⁠9፣ 8:⁠48

▪ እቲ ፈላጥ ሕጊ ንየሱስ እንታይ ሕቶታት ኢዩ ዝሓተቶ: ዘሕተቶ ዕላማ ብዘይ ጥርጥር እንታይ ኢዩ፧

▪ ኣይሁድ ብጾቶም መን ከም ዝዀኑ ኢዮም ዝኣምኑ: እቶም ደቀ መዛሙርቲ እውን ከምኡ ዝበለ ኣረኣእያ ይህልዎም ኢዩ ዘብል እንታይ ምኽንያት ኣሎ፧

▪ የሱስ እቲ ፈላጥ ሕጊ ክነጽጎ ብዘይክእል መገዲ ነቲ ቅኑዕ ዝዀነ ኣረኣእያ ግልጺ ዝገበሮ ብኸመይ ኢዩ፧