ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ተስፋ ትንሳኤ

ተስፋ ትንሳኤ

ምዕራፍ 90

ተስፋ ትንሳኤ

ኣብ መወዳእትኡ የሱስ ኣብ ወሰን ናይታ ካብ የሩሳሌም ሰለስተ ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ቢታንያ በጽሐ። ኣልኣዛር ካብ ዝመውትን ዝቕበርን ሒደት መዓልትታት ጥራይ ኢዩ ሓሊፉ። ኣሓቱ ማርያምን ማርታን ገና ኣብ ሓዘን ኢየን ዘለዋ: ብዙሓት ከኣ ከጸናንዕወን ኣብ ገዝአን ኣለዉ።

እናበኸያ ከለዋ ሓደ ሰብ ንማርታ የሱስ ይመጽእ ከም ዘሎ ነገራ። ስለዚ ኸኣ ንሓፍታ ከይነገረት ክትረኽቦ ብጕያ ወጸት። ማርታ ናብ የሱስ መጺኣ ምናልባት እቲ ንሳን ሓፍታን ኣብዘን ዝሓለፋ ኣርባዕተ መዓልቲ ብዙሕ ሳዕ ዝብልኦ ዝነበራ ክኸውን ዝኽእል ነገር “ጐይታይ: ኣብዚ እንተ ትነብርሲ ግዲ: ሓወይ ኣይምሞተን ነይሩ” በለቶ።

እንተዀነ ግን: ማርታ ሕጂ እውን እንተዀነ የሱስ ንሓዋ ገለ ነገር ክገብረሉ ከም ዝኽእል ተስፋ ገበረት። ንየሱስ ከኣ “ግናኸ ሕጂውን ካብ ኣምላኽ ዝለመንካዮ ዘበለ ኣምላኽ ከም ዚህበካ: እፈልጥ አሎኹ” በለቶ።

የሱስ ከኣ “ሓውኪ ኺትንስእ እዩ” በላ።

ማርታ የሱስ ብዛዕባ እቲ ኣብርሃምን ካልኦት ኣገልገልቲ ኣምላኽን እተጸበይዎ ኣብ መጻኢ ዝህሉ ምድራዊ ትንሳኤ ዝዛረብ ዘሎ መሰላ። ስለዚ ኸኣ “በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ብትንሳኤ ኸም ዚትንስእሲ: እፈልጥ አሎኹ” በለቶ።

የሱስ ግን “ትንሳኤን ህይወትን አነ እየ” ብምባል ብኡንብኡ ራህዋ ከም ዘምጽኣላ ተስፋ ሃባ። “እቲ ብኣይ ዝአመነስ እንተ ሞተ እኳ: ብህይወት ኪነብር እዩ። ነፍሲ ወከፍ ብህይወት ዘሎ እሞ ብኣይ ዚአምን ከኣ ንዘለኣለም ኣይኪመውትን እዩ” ብምባል ከኣ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ሞት ሓይሊ ከም ዝሃቦ ንማርታ ኣዘኻኸራ።

የሱስ ንማርታ እቶም ብህይወት ዝነበሩ እሙናት ፈጺሞም ኣይሞቱን ኢዮም ኣይኰነን ዝብላ ዘሎ። ኣብ ክንድኡስ ብእኡ ምእማን ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዝመርሕ ኢዩ ዘመልክት ዘሎ። መብዛሕትኦም ሰባት ኣብ መወዳእታ ብምትንሳእ ከምዚ ዝበለ ህይወት ከስተማቕሩ ኢዮም። ካልኦት ኣብ ምድሪ ዝነብሩ እሙናት ግን ካብ መወዳእታ ናይዚ ኣገባብ እዚ ክድሕኑ ኢዮም: እዚ ናይ የሱስ ቃላት ከኣ ኣብዚኣቶም ቃል ብቓሉ መፈጸምታ ክረክብ ኢዩ። ፈጺሞም ኣይክሞቱን ኢዮም! እዚ ዘደንቕ ሓሳባት ድሕሪ ምዝራቡ የሱስ ንማርታ “እዚዶ ትአምኒ ኢኺ፧” በላ።

ንሳ ኸኣ “እወ ጐይታይ: ንስኻ እቲ ናብ ዓለም ዚመጽእ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ምዃንካ አሚነ አሎኹ” በለቶ።

ካብኡ ማርታ ሓፍታ ክትጽውዕ ከደት: ንበይና ገይራ ኸኣ “መምህር መጺኡ ይጽውዓኪውን አሎ” በለታ። ማርያም ከኣ ብኡንብኡ ካብቲ ቤት ወጸት። እቶም ካልኦት ከኣ ክትወጽእ ምስ ረኣይዋ ኣብቲ መቓብር ከይዳ ክትበኪ ኢያ ኢሎም ስለ ዝሓሰቡ ደድሕሪኣ ሰዓቡ።

ማርያም ናብ የሱስ መጺኣ ኣብ ኣእጋሩ ወዲቓ በኸየት። “ጐይታይ: ኣብዚ እንተ ትነብርሲ ግዲ: ሓወይ ኣይምሞተን ነይሩ” በለቶ። ማርያምን እቶም ስዒቦማ ዝመጹ ህዝብን ይበኽዩ ከም ዘለዉ ምስ ረኣየ የሱስ ኣዝዩ ሓዘነ። “ኣበይ ኣንቢርኩምዎ፧” ኢሉ ሓተተ።

ንሳቶም ከኣ “ጐይታይ: ንዓ እሞ ርኤ” በልዎ።

የሱስ እውን ነብዔ እሞ እቶም ኣይሁድ ከኣ “እስኪ ርአዩ: ክንደይ የፍቅሮ ነይሩ” በሉ።

ገሊኦም ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ ኣብ በዓል ምሕዳስ የሱስ ንሓደ ብዕዉሩ እተወልደ ሰብኣይ ከም ዘሕወየ ዘከሩ እሞ: “እዚ ኣዒንቲ እቲ ዕዉር ዝኸፈተስ: ነዚውን ከም ዘይመውት ኪገብሮ ደዀን አይምኸአለን፧” በሉ። ዮሃንስ 5:⁠21፣ 6:⁠40፣ 9:⁠1-7፣ 11:⁠17-37

▪ የሱስ ኣብ ጥቓ ቢታንያ ዝበጽሐ መዓስ ኢዩ: ኣብኡኸ እንታይ ኵነታት ነበረ፧

▪ ማርታ ብትንሳኤ ንኽትኣምን እንታይ መሰረት ነይሩዋ፧

▪ ሞት ናይ ኣልኣዛር ንየሱስ ብኸመይ ተንከፎ፧