ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ተወሳኺ ትምህርቲ ኣብታ ሻብዐይቲ መዓልቲ

ተወሳኺ ትምህርቲ ኣብታ ሻብዐይቲ መዓልቲ

ምዕራፍ 68

ተወሳኺ ትምህርቲ ኣብታ ሻብዐይቲ መዓልቲ

እታ ናይ መወዳእታ መዓልቲ በዓል ዳስ: ሻብዐይቲ መዓልቲ: ገና ኣይተወድአትን ዘላ። የሱስ ኣብቲ ጥቓ “ሳጹን ምጽዋት” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ክፋል ናይ ቤት መቕደስ ኰይኑ ኢዩ ዝምህር ነይሩ። እዚ ኣብቲ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ኣጸድ ተባሂሉ ዝጸዋዕ ዝነበረ እሞ ሰባት ምጽዋቶም ዘቐምጡሉ ዝነበሩ ሳንዱቕ ዝነበሮ ቦታ ምዃኑ ርዱእ ኢዩ።

ኣብ እዋን እቲ በዓል: ኣብዚ ወገን ናይቲ ቤት መቕደስ ነፍሲ ወከፍ ለይቲ ፍልይ ዝበለ መብራህቲ ነበሮ። ኣርባዕተ ዓበይቲ ቀወምቲ ቀንዴል ኣብኡ ይቕመጥ ነበረ: ነፍሲ ወከፉ ኸኣ ኣርባዕተ ዘይቲ ዝመልአ መትሓዚ ኣለዎ። እቲ ካብዚ 16 መትሓዝ ዘይቲ ዝውላዕ ዝነበረ መብራህቲ ብለይቲ ነቲ ከባቢ ክሳዕ ርሑቕ ከብርህ ዝኽእል ኢዩ ነይሩ። እቲ ሕጂ የሱስ ዝብሎ ኸኣ ነቶም ሰማዕቱ ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ኣዘኻኺርዎም ይኸውን ኢዩ። “ኣነ ብርሃን ዓለም እየ። እቲ ዚስዕበኒ ብርሃን ህይወት ኪረክብ እምበር: ብጸልማት ኣይኪኸይድን እዩ” በለ።

እቶም ፈሪሳውያን ከኣ “ንስኻ ንርእስኻ ትምስክር አሎኻ: ምስክርካ ሓቂ ኣይኰነን” ብምባል ተቓወምዎ።

የሱስ ከኣ “ኣነ ንርእሰይ እኳ እንተ መስከርኩ: ካበይ ከም ዝመጻእኩ ናበይውን ከም ዝኸይድ: እፈልጥ እየ እሞ: ምስክረይ ሓቂ እዩ። ንስኻትኩም ግና ካበይ ከም ዝመጻእኩ ናበይውን ከም ዝኸይድ: ኣይትፈልጡን ኢኹም” ኢሉ መለሰሎም። ወሲኹ ኸኣ “ኣነ እየ ብናይ ርእሰይ ዝምስክር ዘሎኹ: እቲ ዝለአኸኒ ኣቦይውን ይምስክረለይ አሎ” በሎም።

እቶም ፈሪሳውያን ከኣ “ኣቦኻኸ ኣበይ አሎ፧” ኢሎም ሓተትዎ፧

የሱስ ከኣ “ንኣይ ወይስ ነቦይ ኣይትፈልጡን ኢኹም። ንኣይ እንተ ትፈልጡኒ ግና: ነቦይውን ምፈለጥኩምዎ ኔርኩም” ኢሉ መለሰሎም። እቶም ፈሪሳውያን ንየሱስ ክኣስርዎ ይደልዩ እኳ እንተ ነበሩ ዋላ ሓደ ግን ኣይተንከፎን።

የሱስ እንደገና “ኣነ እኸይድ አሎኹ። . . . ናብቲ ኣነ ዝኸዶ ንስኻትኩም ክትመጹ ኣይኰነልኩምን እዩ” በሎም።

ሽዑ እቶም ኣይሁድ “ናብቲ ኣነ ዝኸዶ ንስኻትኩም ክትመጹ ኣይኰነልኩምን እዩ ምባሉስ: ንነፍሱ ደዀን ባዕሉ ኪቐትላ ኢሉ፧” ብምባል ተገረሙ።

የሱስ ድማ “ንስኻትኩም ካብ ታሕቲ ኢኹም: ኣነ ኻብ ላዕሊ እየ። ንስኻትኩም ካብዛ ዓለም እዚኣ ኢኹም: ኣነ ኻብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰንኩን” ኢሉ ገለጸሎም። ካብኡ ኸኣ “ኣነ ምዃነይ እንተ ዘይአመንኩም ብሓጢኣትኩም ክትሞቱ ኢኹም” በሎም።

ብርግጽ የሱስ ሰብ ቅድሚ ምዃኑ ኣብ ህላወ ከም ዝነበረን: እቲ መብጽዓ እተገብረሉ መሲሕ ወይ ከኣ ክርስቶስ ምዃኑን ኢዩ ዝዛረብ ዘሎ። ይኹን እምበር ብንዕቀት “ንስኻ መን ኢኻ፧” ኢሎም ሓተትዎ።

ነቲ ምንጻጐም ርእዩ የሱስ “አረ ስለምንታይ እየ ዝዛረበኩም፧” (NW  ) በሎም። እንተዀነ ግን: “እቲ ዝለአኸኒ ግና ብዓል ሓቂ እዩ: ካብኡ ዝሰማዕክዎ ንዓለም እነግር አሎኹ” ብምባል ነቲ ዘረብኡ ወሰኸሉ። የሱስ ቀጺሉ “ንወዲ ሰብ ልዕል ምስ አበልኩምዎ: ከምቲ ኣቦይ ዝመሀረኒ ኸምኡ ኸም ዝነግር እምበር: ኣነ ምዃነይን ካብ ርእሰይ ሓንቲ ኸም ዘይገብርን: ሽዑ ኽትፈልጡ ኢኹም። እቲ ዝለአኸኒ ኸኣ ምሳይ አሎ። ኵሉ ሳዕ ባህ ዜብሎ እገብር እየ እሞ: በይነይ ኣይሐድገንን እዩ” በሎም።

የሱስ እዚ ምስ ተዛረበ ብዙሓት ብእኡ ኣመኑ። ነዚኣቶም ከኣ “ንስኻትኩም ኣብ ቃለይ እንተ ጸናዕኩም: ብሓቂ ደቀ መዛሙርተይ ኢኹም። ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም: እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ” በሎም።

እቶም ተቓወምቱ ኸኣ “ንሕና ዘርኢ ኣብርሃም ኢና: ባሮት ኰይንና ንተገዛእናዮ ከቶ የብልናን። ከመይ ኢልካ ኢኻ ሓራ ኽትወጹ ኢኹም እትብለና ዘሎኻ፧” በልዎ።

ኣይሁድ ብዙሕ ግዜ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ናይ ወጻእተኛታት እኳ እንተ ነበሩ: ነቶም ዝጭቍንዎም ዝነበሩ ከም ጐይተቶም ኣፍልጦ ኣይህቡሎምን ኢዮም ነይሮም። ባሮት ተባሂሎም ክጽውዑ ኣይደልዩን ኢዮም ነይሮም። የሱስ ግን ብሓቂ ባሮት ምዃኖም ነገሮም። ከመይ ገይሩ፧ የሱስ “ብሓቂ: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፤ ሓጢኣት ዚገብር ዘበለ: ንሱ ባርያ ሓጢኣት እዩ” በሎም።

ናይ ሓጢኣት ባሮት ምዃኖም ምቕባል ምእባዮም ንኣይሁድ ኣብ ሓደገኛ ኵነታት ኣውደቖም። የሱስ ‘ባርያ ኣብ ቤት ንዅሉ ግዜ ኣይነብርን: ውሉድ ግና ንዅሉ ግዜ ይነብር እዩ’ በሎም። ባርያ ናይ ውርሲ መሰል ስለ ዘይብሉ ኣብ ዝዀነ ግዜ ክስጐግ ይኽእል ኢዩ። እቲ ኣብታ ቤት እተወልደ ወይ ከኣ ውሉድ ክኸውን እተወስደ ጥራይ ኢዩ ኣብቲ ቤት “ንዅሉ ጊዜ” ወይ ከኣ ብህይወቱ ክሳዕ ዘሎ ክነብር ዝኽእል።

“ስለዚ ወዲ ሓራ እንተ ኣውጽኣኩም: ብሓቂ ውጹኣት ሓራ ኽትዀኑ ኢኹም” በሎም። ስለዚ እቲ ንሰባት ሓራ ዘውጽእ ሓቂ እቲ ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስ እቲ ወዲ ኣምላኽ ዝገልጽ ሓቂ ኢዩ። ብመስዋእቲ ናይቲ ፍጹም ሰብኣዊ ህይወቱ ጥራይ ኢዩ ዝዀነ ይኹን ሰብ ካብቲ ናብ ሞት ዝመርሕ ሓጢኣት ሓራ ክኸውን ዝኽእል። ዮሃንስ 8:⁠12-36

▪ የሱስ ኣብታ ሻብዐይቲ መዓልቲ ኣበይ ኰይኑ ኢዩ ዝምህር ነይሩ፧ ኣብቲ ቦታ ኣብ እዋን ለይቲ እንታይ ኢዩ ዝኸውን: እዚኸ ምስ ትምህርቲ የሱስ ብኸመይ ይተሓሓዝ፧

▪ የሱስ ብዛዕባ መበቈሉ እንታይ በለ: እዚኸ ብዛዕባ መንነቱ እንታይ ክገልጽ ኣለዎ፧

▪ ኣይሁድ ባሮት ዝነበሩ በየናይ መገዲ ኢዮም: ሓራ ዘውጽኦም ሓቂ ግን እንታይ ኢዩ፧