ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ተወሳኺ ዝእርም ምኽሪ

ተወሳኺ ዝእርም ምኽሪ

ምዕራፍ 63

ተወሳኺ ዝእርም ምኽሪ

የሱስን ሃዋርያቱን ገና ኣብ ቅፍርናሆም ከለዉ: ብዘይካ እቲ ኣብ መንጎ እቶም ሃዋርያት ተላዒሉ ዝነበረ መን ይዓቢ ዝብል ክርክር: ካልእ ነገር እውን ተዘራረቡ። እዚ የሱስ ኣብ ዘይነበረሉ ግዜ ካብ ቅፍርናሆም ክምለሱ ከለዉ ዘጋጠሞም ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ሃዋርያ ዮሃንስ “ሓደ ዘይስዕበና: ብስምካ ኣጋንንቲ ኼውጽእ ከሎ ርኢናዮስ: ንሱ ስለ ዘይሰዐበና ኸሊእናዮ” በሎ።

ዮሃንስ ንምሕዋይ ስልጣን ዘለዎም እቶም ናይ ሃዋርያት ጕጅለ ጥራይ ኢዮም ዝብል ኣረኣእያ ከም ዝነበሮ ንጹር ኢዩ። ስለዚ እቲ ሰብኣይ ካብ ናቶም ጕጅለ ስለ ዘይነበረ እቲ ዝገብሮ ዝነበረ ብርቱዕ ሓይሊ ዘይግቡእ ኰይኑ ተሰምዖ።

ይኹን እምበር: የሱስ “ኣይትኽልእዎ። ብስመይ ሓይሊ ዚገብር እሞ ብኡብኡ ሕሱም ኪዛረበለይ ዚኽእል ሓደ እኳ የልቦን። ዘይበአሰና ዘበለ ዅሉ ምሳና እዩ። ናይ ክርስቶስ ስለ ዝዀንኩም: ጣሳ ማይ ዝሑል ብስመይ ዜስትየኩም ዘበለ: ዓስቡ ኸም ዘይስእን: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ” ኢሉ መኸሮም።

እዚ ሰብኣይ እዚ ንየ​ሱስ ንምስዓብ ብኣካል ምስኡ ክህሉ ኣየድልን ኢዩ ነይሩ። እታ ክርስትያናዊት ማሕበር ገና ኣይቈመትን ኢያ ነይራ: ስለዚ ክፍሊ ናይቲ ጕጅልኦም ብዘይምዃኑ ካብ እተፈልየት ማሕበር ኢዩ ነይሩ ማለት ኣይኰነን። እቲ ሰብኣይ ኣብ ስም የሱስ ናይ ሓቂ እምነት ነይርዎ ኢዩ: በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢዩ ነቶም ኣጋንንቲ ከውጽኦም ዝኸኣለ። እቲ ዝገብሮ ዝነበረ ምስቲ የሱስ ዓስቢ የውህብ ኢዩ ዝበሎ ነገራት ምስ እነረኣእዮ ዝሰማማዕ ኢዩ። የሱስ ከኣ ከምኡ ብምግባሩ ዓስቡ ከም ዘይስእን ኣርአየ።

እቲ ሰብኣይ ብቓላትን ተግባራትን ናይቶም ሃዋርያት እንተድኣ ተዓንቂፉኸ፧ እዚ ኣዝዩ ከቢድ ነገር ኢዩ! የሱስ “ነቲ ኻብዞም ብኣይ ዚአምኑ ናእሽቱ ንሓደ ዜስሕት: መጥሓን ኣድጊ ኣብ ክሳዱ ተአሲሩ ኣብ ባሕሪ ኺጥሕል ምሔሾ ነይሩ” በለ።

የሱስ እቶም ሰዓብቱ ከም ኢድ: እግሪ: ወይ ከኣ ዓይኒ ዝበለ ክቡር ነገራት እውን: ከዐንቅፎም ዝኽእል እንተድኣ ኰይኑ ካብ ህይወቶም ከልግሱዎ ከም ዝግብኦም ኢዩ ተዛሪቡ። እዚ ክቡር ዝዀነ ነገር ዘለካ ዄንካ ኣብቲ ንናይ ዘለኣለም ጥፍኣት ዘመልክት ገሃነም (ኣብ ጥቓ የሩሳሌም ዝነበረ ዝነድድ መአከቢ ጐሓፍ) ካብ ምእታው ዘይብልካ ዄንካ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ምእታው ይሓይሽ።

የሱስ “ካብዞም ናእሽቱ ንሓደ እኳ ኸይትንዕቁ ተጠንቀቑ። መላእኽቶም ኣብ ሰማያት ኵሉ ሳዕ ገጽ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ይርእዩ አለዉ” ኢሉ እውን ኣጠንቀቐ። ካብኡ ብዛ​ዕባ እቲ ሚእቲ ኣባጊዕ ዘለውኦ እሞ ሓንቲ ዘጥ​ፍእ ሰብኣይ ምሳሌ ብምሃብ እዞም “ናእሽቱ” እዚኣቶም ዘለዎም ክብሪ ኣርኣየ። የሱስ: እቲ ሰብኣይ ነተን 99 ሓዲጉ ነታ ዝጠፍአት ክደሊ ከም ዝኸደ እሞ: ምስ ረኸባ ኸኣ ካብ በተን ዘይጠፍኣ 99 ብእኣ ከም እተሓጐሰ ገለጸ። “ከምኡ ድማ ካብዞም ናእሽቱ ሓደ ኺጠፍእ: ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ኣይ​ኰነን” ብምባል ደምደመ።

ምናልባት እቲ ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ንሓድሕዶም ዝነበሮም ክርክር ኣብ ኣእምሮኡ ብምሓዝ ኢዩ ዝኸውን የሱስ “ኣብ ነፍስኹም ጨው ይሀልኹም: ንሓድሕድኩምውን ብሰላም ንበሩ” ዝበለ። መቐረት ዘይብሉ መግቢ ብጨው ኢዩ ዝምቅር። በዚ ኸምዚ ድማ ምሳልያዊ ጨው እቲ ሓደ ሰብ ዝብሎ ንኽትቅበሎ ከም ዝፈዅሰካ ይገብር። ከምዚ ዝበለ ጨው ምስ ዝህልወካ ሰላም ንኽትዕቅብ ይሕግዝ።

ሰብኣዊ ዘይፍጽምና ስለ ዘሎ ግን ሓድሓደ ግዜ ከቢድ ዘይምርድዳእ ክፍጠር ይኽእል ኢዩ። የሱስ እዚ ነገራት እዚ ብኸመይ ከም ዝፍታሕ ዘርኢ መምርሒ እውን ሂቡ ኣሎ። “ሓውካ እንተ በደለካ: ኪድ: ንስኻን ንሱን ኣብ በይንኹም ግንሓዮ። እንተ ሰምዓካ: ንሓውካ ረባሕካዮ።” እንተ ዘይሰምዓካ ኸኣ የሱስ “ብኣፍ ክልተ ወይስ ሰለስተ ምስክር ኵሉ ነገር ኪጸንዕ: ሓደ ወይ ክልተ ምሳኻ ውሰድ” ብምባል ይምዕድ።

እቲ ጕዳይ ኣብ “ማሕበር:” ማለት ኣብቶም ናይ ፍርዲ ውሳነ ከማሓላልፉ ዝኽእሉ ኣብታ ጉባኤ ሓላፍነት ዘለዎም ተዓዘብቲ ዝበጽሕ ኣብ መወዳእታ ጥራይ ኢዩ። እቲ ሓጥእ ምስቲ ናቶም ውሳነ ዘይሰማማዕ እንተድኣ ዀይኑ: “ከም ኣረምን ከም ተጋውን ርአዮ” ኢሉ ደምደመ።

ተዓዘብቲ ከምዚ ዝበለ ውሳነ ክገብሩ ከለዉ ነቲ ኣብ ቃል የሆዋ ዝርከብ መምርሒ ጠቢቖም ክስዕብዎ የድልዮም። በዚ ኸምዚ ኸኣ ሓደ ውልቀ- ሰብ መቕጻዕቲ ዝግብኦ በደለኛ ምስ ዝኸውን: ‘ኣብ ሰማይ ከኣ እሱር’ ይኸውን። ‘ኣብ ምድሪ ዝፈትሕዎ:’ ማለት እቲ ሰብ ቅኑዕ እንተድኣ ዀይኑ ኸኣ: ‘ኣብ ሰማይ ክፍታሕ’ ምዃኑ ነገረ። የሱስ ኣብ ከምዚ ዝበለ ናይ ፍርዲ ጕዳይ “ክልተ ወይ ሰለስተ ዀይኖም ብስመይ ኣብ እተአከቡሉ ኣነ ኸኣ ኣብኡ ኣብ ማእከሎም እየ” በለ። ማቴዎስ 18:⁠6-20፣ ማርቆስ 9:⁠38-50፣ ሉቃስ 9:⁠49, 50

▪ ኣብ ግዜ የሱስ ንዕኡ ብኣካል ምስናይ ኣድላዪ ዘይነበረ ስለምንታይ ኢዩ፧

▪ ንሓደ ንእሽቶ ምዕንቃፍ ክሳዕ ክንደይ ከቢድ ኢዩ: የሱስከ ኣድላይነት ናይዞም ከምዚኦም ዝበሉ ናእሽቱ ብኸመይ የብርሆ፧

▪ የሱስ እቶም ሃዋርያት ኣብ ንሓድሕዶም ጨው ክህልዎም ንኸተባብዖም ዝደፋፍኦ ነገር እንታይ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል፧

▪ ‘ምእሳር’ ከምኡውን ‘ምፍታሕ’ እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧