ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትሕትና ዝገልጽ ትምህርቲ

ትሕትና ዝገልጽ ትምህርቲ

ምዕራፍ 62

ትሕትና ዝገልጽ ትምህርቲ

የሱስ ኣብ ጥቓ ቂሳርያ ናይ ፊልጶስ ነቲ ጋኔን ዝሓዞ ወዲ ድሕሪ ምሕዋዩ ናብ ቦትኡ ናብ ቅፍርናሆም ክምለስ ደለየ። ይኹን እምበር: ንደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ሞቱን እቲ ብድሕሪኡ ዝስከምዎ ሓላፍነትን ዝምልከት ከዳልዎም ስለ ዝደለየ: ኣብቲ ጕዕዞ ምስኦም ጥራይ ክኸውን ደለየ። “ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሰብ ኪተሐዝ አለዎ። ኪቐትልዎ: ብሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ ኪትንስእ እዩ” በሎም።

ዋላ እኳ ኣቐድም ኣቢሉ ብዛዕባ እዚ ተዛሪብዎም እንተ ነበረ: ኣብቲ ብዛዕባ ምውጽኡ ምይይጥ ዝገበረሉ ናይ ምልዋጥ ትርኢት ድማ ሰለስተ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ርእዮሞ እንተነበሩ: እቶም ሰዓብቱ ግን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ገና ኣይተረድኦምን ነበረ። ዋላ ሓደ ካብኦም ከምቲ ጴጥሮስ ኣቐድም ኣቢሉ ዝገበሮ ኣይትቕተልን ኢኻ ክብል እኳ እንተ ዘይፈተነ: ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ክሓትዎ ግን ፈርሁ።

ኣብ መወዳእትኡ ናብታ ኣብ እዋን ኣገልግሎት የሱስ ከም መደበሮም ዝነበረት ቅፍርናሆም መጹ። ናይ ጴጥሮስን ናይ ሓያሎ ካልኦት ደቀ መዛሙርቲ ዓዲ እውን ኢያ ነይራ። ኣብኡ ኸኣ እቶም ናይ ቤት መቕደስ ግብሪ ዝእክቡ ሰባት ናብ ጴጥሮስ ቀረቡ። ምናልባት የሱስ ነቲ ቅቡል ዝነበረ ልምዲ ከም ዝጥሕስ ንኽገብርዎ ብዝብል ሓሳባት ኢዮም ዝዀኑ ንጴጥሮስ: “መምህርኩምሲ እቲ ኽልተ ድሪም [ናይ ቤት መቕደስ] ግብሪዶ ኣይፈድን እዩ፧” ኢሎም ዝሓተትዎ።

ጴጥሮስ ከኣ “ይፈዲባ” ኢሉ መለሰ።

የሱስ ኣብቲ ገዛ ዝበጽሐ ከምኡ ኢሎም ድሕሪ ምዝርራቦም ኢዩ ዝኸውን: እቲ ዘጋጠመ ነገር ግን ይፈልጦ ነበረ። ስለዚ ጴጥሮስ ነቲ ጕዳይ ከየልዓለሉ ከሎ የሱስ “ስምኦን: ነገስታት ምድርስ ግብርን ተጎን ካብ መን ይወስዱ፧ ካብ ደቆምዶ ወይስ ካብ ካልኦት፧ እንታይ ይመስለካ፧” ኢሉ ሓተቶ።

ጴጥሮስ ከኣ “ካብ ካልኦትባ” ኢሉ መለሰ።

ካብኡ የሱስ “ደቆምስኸ ናጻ እዮም” በለ። እቲ ኣብቲ ቤት መቕደስ ዝምለኽ ኣቡኡ ንየሱስ ንጉስ ናይ ኣድማስ ስለ ዝዀነ: ወዲ ኣምላኽ ናይ ቤት መቕደስ ግብሪ ክኸፍል ኣየድልዮን ኢዩ ነይሩ። “ከይንዕንቅፎም ግና: ናብ ባሕሪ ኼድካ መቓጥን ደርቢ: ነቲ ቕድም እትሕዞ ዓሳ ውሰድ: ኣፉ ምስ ከፈትካ: ኣብኡ ሓደ ኣስታቴር [ኣርባዕተ ድሪም] ክትረክብ ኢኻ። ንእኡ ወሲድካ: ኣብ ክንዳይን ኣብ ክንዳኻን ሀቦም” በሎ።

እቶም ደቀ መዛሙርቲ ናብ ቅፍርናሆም ድሕሪ ምምላሶም ብሓንሳብ ምስ ተኣከቡ: ምናልባት ኣብ ቤት ጴጥሮስ ኢዩ ዝኸውን: “ኣብ መንግስተ ሰማያት መን ኰን ይበልጽ፧” ኢሎም ሓተቱ። የሱስ ካብ ቂሳርያ ናይ ፊልጶስ ክምለሱ ከለዉ ኣብቲ መገዲ ደድሕሪኡ እናኸዱ ኣብ መንጎኦም ተላዒሉ ዝነበረ ክርክር ኣስተብሂሉ ስለ ዝነበረ: ዘሕተቶም ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ይፈልጥ ኢዩ። ስለዚ “ኣብ መገዲ እትዛራረቡሉ ዝነበርኩም እንታይ እዩ፧” ኢሉ ሓተቶም። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ግን እቲ ዝበለጸ መን ይኸውን ኢሎም ይዛረቡ ብምንባሮም ሓፊሮም ኣስቀጡ።

የሱስ ዳርጋ ንሰለስተ ዓመት ድሕሪ ምምሃሩ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ከምኡ ኢሎም ክከራኸሩ ዘይከውንዶ ይመስል፧ ብርቱዕ ጽልዋ ናይ ሰብኣዊ ዘይፍጽምናን ሃይማኖታዊ መበቈልን ከም ዝነበረ ኢዩ ዘርኢ። እቲ እቶም ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ዝዓበዩሉ ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት: ኣብ ኵሉ መዳያት ንስልጣን ዓቢ ነገር ገይሩ ዝርኢ ኢዩ ነይሩ። ብተወሳኺውን: ጴጥሮስ ገለ “መርሖ” ናይታ መንግስቲ ከም ዝወሃቦ የሱስ ስለ እተመባጽዓሉ: ንሱ ዝበለጸ ኰይኑ ተሰሚዕዎ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ያእቆብን ዮሃንስን እውን የሱስ ትርኢቱ ክልወጥ ከሎ ስለ ዝረኣይዎ ተመሳሳሊ ሓሳባት ነይርዎም ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

ዝዀነ ዀይኑ: ነቲ ኣረኣእይኦም ክእርም ኢሉ ሓደ ዝምስጥ መርኣያ ገበረ። ንሓደ ቈልዓ ጸዊዑ ኣብ ማእከሎም ደው ኣበሎ ሓቚፉ ኸኣ “እንተ ዘይተመለስኩም: ከም ቈልዓውን እንተ ዘይኰንኩም: ናብ መንግስተ ሰማያት ከቶ ኸም ዘይትአትዉ: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። እቲ ኸምዚ ቘልዓዚ ርእሱ ዜትሕት: ንሱ እዩ ኣብ መንግስተ ሰማያት ዚበልጽ። ንኸምዚ ዝበለ ቘልዓ ብስመይ ዚቕበል: ንኣይ ይቕበል” በሎም።

ደቀ መዛሙርቱ ንምእራም ኣየ ከመይ ዝበለ ዘገርም ኣገባብ ኢዩ እተጠቕመ! የሱስ ሓሪቑ: ኣቱም ዕቡያት: ስሱዓት: ወይ ከኣ ህሩፋት ኣይበሎምን። ነቲ ዝእርም ትምህርቱ: ብኣብነት ናይቶም ብባህሪኦም ትሑታትን ናይ ስልጣን ውድድር ዘይብሎምን ንኣሽቱ ቈልዑ ገይሩ ኣብርሆ። በዚ ኸምዚ የሱስ ደቀ መዛሙርቱ እዚ ኣብ ንኣሽቱ ቈልዑ ዝርአ ናይ ትሕትና ባህርያት ከማዕብሉ ከም ዘለዎም ኣርኣዮም። የሱስ ክድምድም ከሎ “እቲ ኣብ ማእከል ኵሉኹም ዚንእስ: ዓብዪ ዚኸውን ንሱ እዩ” በሎም። ማቴዎስ 17:⁠22-27፣ 18:⁠1-5፣ ማርቆስ 9:⁠30-37፣ ሉቃስ 9:⁠43-48

▪ ናብ ቅፍርናሆም ክምለሱ ከለዉ የሱስ እንታይ ትምህርቲ ኢዩ ዝደገመሎም: ብኸመይከ ተቐበልዎ፧

▪ የሱስ ነቲ ናይ ቤት መቕደስ ግብሪ ክኸፍል ግዴታ ዘይብሉ ስለምንታይ ኢዩ: ስለምንታይ ኢዩ ግን ከፊሉ፧

▪ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ከም ዝከራኸሩ ዝገበሮም እንታይ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል: የሱስከ ብኸመይ ኢዩ ኣሪምዎም፧