ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነቶም ሃዋርያት ብዛዕባ ምኻዱ የዳልዎም

ነቶም ሃዋርያት ብዛዕባ ምኻዱ የዳልዎም

ምዕራፍ 116

ነቶም ሃዋርያት ብዛዕባ ምኻዱ የዳልዎም

እቲ ናይ ዝኽሪ ድራር ተወዲኡ ኢዩ: የሱስን እቶም ሃዋርያቱን ግን ገና ኣብ ክፍሊ ናይቲ ላዕላይ ደርቢ ኢዮም ዘለዉ። የሱስ ድሕሪ ሓጺር ክኸይድ እኳ እንተዀነ ብዙሕ ዝብሃል ነገራት ኣለዎ። “ልብኹም ኣይሸበር። ብኣምላኽ እመኑ” ኢሉ ኣጸናንዖም። ወሲኹ ግን “ብኣይውን እመኑ” በሎም።

የሱስ ቀጺሉ ‘ኣብ ቤት ኣቦይ ብዙሕ ማሕደር ኣሎ። ኣብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ንስኻትኩምውን ኣብኡ ምእንቲ ኽትኰኑ: ስፍራ ከዳልወልኩም እኸይድ ኣለኹ። ኣነ ናበይ ከም ዝኸይድ ትፈልጡ: ነቲ መገዱውን ትፈልጥዎ ኢኹም’ በሎም። እቶም ሃዋርያት የሱስ ብዛዕባ ንሰማይ ምኻዱ ይዛረብ ከም ዘሎ ኣይተረድኦምን: ስለዚ ቶማስ “ጐይታይ ናበይ ከም እትኸይድ ኣይንፈልጥን ኢና: ነቲ መገዲኸ ኸመይ ጌርና ኢና እንፈልጦ፧” በሎ።

የሱስ ከኣ “መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ” ኢሉ መለሰ። እወ: ዝዀነ ይኹን ሰብ ናብቲ ሰማያዊ ቤት ኣቦኡ ክኣቱ ዝኽእል ንየሱስ ብምቕባልን ከም ናቱ ዝበለ ህይወት ብምንባርን ኢዩ: የሱስ “ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን” በለ።

ፊልጶስ “ጐይታይ: ነቦ ኣርእየና እሞ ይአኽለና” በሎ። ከምቲ ኣብ ግዜ ጥንቲ ንሙሴ: ኤልያስ: ከምኡውን ንኢሳይያስ እተዋህቦም ራእይ: የሱስ እውን ብዛዕባ ኣምላኽ ከምኡ ዝኣመሰለ ዝርአ መግለጺ ክገብር ፊልጶስ ይጽበ ምንባሩ ርዱእ ኢዩ። እቶም ሃዋርያት ግን ካብቲ ዓይነት ራእይ እቲ ዝበልጽ ርእዮም ኢዮም: የሱስ ከምዚ ይብል:- “ፊልጶስ: እዚ ኽንድዚ ዚአክል ዘመን ምሳኻትኩም ክነብር ከሎኹስ: ኣይትፈልጠንን ዲኻ፧ እቲ ንኣይ ዝረአየ ነቦ ረአዮ።”

የሱስ ባህርያት ናይ ኣቡኡ ምሉእ ብምሉእ ዘንጸባርቕ ስለ ዝዀነ ምስኡ ምንባርን ንሱ ዝገብሮ ምዕዛብን ብሓቂ ነቦ ከም ምርኣይ ኢዩ። እንተዀነ ግን: እቲ ኣቦ ካብ ወዲ ይዓቢ: የሱስ ድማ ከምዚ ብምባል ኣፍልጦ ይህብ:- “እዚ ንኣኻትኩም ዝነግረኩም ዘሎኹ ዘረባስ ካብ ርእሰይ ኣይኰንኩን ዝዛረቦ ዘሎኹ።” የሱስ በቲ ዅሉ ትምህርትታቱ ነቲ ሰማያዊ ኣቡኡ ኢዩ ክብሪ ዝሃበ።

የሱስ ነቶም ሃዋርያት “እቲ ብኣይ ዚአምን ነዚ ኣነ ዝገብሮ ዘሎኹ ግብርታት ከም ዚገብር: ካብኡ ዚዐቢውን ከም ዚገብር” ክብሎም ከሎ ምስምዖም ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኣተባቢዕዎም ይኸውን! የሱስ እቶም ሰዓብቱ ካብቲ ናቱ ዝዓቢ ተኣምራታዊ ሓይሊ ክገብሩ ኢዮም ማለቱ ኣይነበረን። ኣብ ክንድኡስ ነቲ ኣገልግሎት ንዝነውሐ ግዜን: ኣብ ዝሰፍሐ ቦታን: ንዝበዝሑ ህዝብን ከብጽሕዎ ኢዮም ማለቱ ኢዩ ነይሩ።

የሱስ ምስ ከደ ንደቀ መዛሙርቱ ኣይጥንጥኖምን ኢዩ። “ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ዅሉ ኽገብረልኩም እየ” ኢሉ ተመባጽዓሎም። ቀጺሉ ኸኣ “ኣነ ኸኣ ነቦ ኽልምኖ እየ: ንሱ ድማ ንዘለኣለም ምሳኻትኩም ዚነብር ካልእ መጸናንዒ ኺህበኩም እዩ” በሎም። ጸኒሑ ንሰማይ ምስ ዓረገ የሱስ ንሃዋርያቱ መንፈስ ቅዱስ ኣፍሰሰሎም: እቲ ካልእ መጸናንዒ ኸኣ እዚ ኢዩ።

የሱስ ዝኸደሉ ግዜ ቀሪቡ ኢዩ: ከምዚ ኸኣ ይብል:- “ቅሩብ ጊዜ ዓለም ደጊም ኣይክትርእየንን እያ።” የሱስ ዋላ ሓደ ሰብ ክርእዮ ዘይክእል መንፈሳዊ ፍጡር ክኸውን ኢዩ። እንደገና ነቶም እሙናት ሃዋርያቱ “ንስኻትኩም ግና ክትርእዩኒ ኢኹም። ኣነ ህያው እየ እሞ: ንስኻትኩምውን ህያዋን ክትኰኑ ኢኹም” ብምባል ተመባጽዓሎም። እወ: የሱስ ድሕሪ ምትንስኡ ብሰብኣዊ ኣካል ክርኣዮም ጥራይ ዘይኰነስ ኣብቲ ግቡእ ግዜኡ ከም መንፈሳውያን ፍጡራት ኰይኖም ኣብ ሰማይ ምስኡ ንኽዀኑ ካብ ምዉታት ከተንስኦም ኢዩ።

ካብኡ የሱስ “እቲ ትእዛዛተይ ዘለዎ እሞ ዚሕልዎ: ንሱ እዩ ዜፍቅረኒ። ነቲ ዜፍቅረኒ ድማ ኣቦይ የፍቅሮ እዩ: ኣነውን ኤፍቅሮ ርእሰይ ከኣ እገልጸሉ” ብምባል እቲ ንጹር ዝዀነ መምርሒ ነገሮም።

ከምዚ ምስ በሎም እቲ ታድዮስ እውን ዝብሃል ይሁዳ “ጐይታይ: እቲ ርእስኻ: ንዓለም ዘይኰነ: ንኣና እትገልጸሉስ እንታይ እዩ፧” ኢሉ ሓተቶ።

የሱስ ከኣ “ዜፍቅረኒ እንተሎ: ቃለይ ይሕሉ እዩ: ኣቦይ ድማ የፍቅሮ: . . . እቲ ዘየፍቅረኒ ግና ንቓለይ ኣይሕልዎን እዩ” ኢሉ መለሰ። ከምቶም እዙዛት ሰዓብቱ ዘይኰነስ ዓለም ንትምህርትታት ክርስቶስ ሸለል ኢያ እትብሎ። ስለዚ ገዛእ ርእሱ ንዕኦም ኣይገልጽን ኢዩ።

ኣብ ግዜ ምድራዊ ኣገልግሎቱ የሱስ ነቶም ሃዋርያቱ ብዙሕ ነገር ማሃሮም። ሽዑ እውን ከይተረፈ ነቲ ዝብሎም ዝነበረ ብዙሕ ዘይርድኦም ስለ ዝነበረ ነቲ ዅሉ ዝማሃሮም ከመይ ገይሮም ኢዮም ክዝክርዎ፧ እቲ ዘሐጕስ ግን የሱስ “እቲ ኣቦይ ብስመይ ዚሰዶ መጸናንዒ: መንፈስ ቅዱስ: ንሱ ዅሉ ኺምህረኩም: ዝነገርኩኹም ዘበለውን ኬዘክረኩም እዩ” ኢሉ ተመባጽዓሎም።

ወሲኹ ኸኣ “ሰላም እሐድገልኩም: ሰላመይውን እህበኩም አሎኹ። . . . ልብኹም ኣይሸበርን ኣይሰምብድን” ብምባል ኣጸናንዖም። ሓቂ ኢዩ የሱስ ክኸይድ ኢዩ: እንተዀነ ግን “ካባይ ኣቦይ ይዐቢ ኢዩ እሞ: እተፍቅሩኒ እንተ ትዀኑስ: ናብ ኣቦይ ብምኻደይ ምተሐጐስኩም ኔርኩም” በሎም።

እቲ የሱስ ምስኦም ዝጸንሓሉ ግዜ ሓጺር ኢዩ። “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ይመጽእ አሎ እሞ: ኣባይ ሓንቲ እኳ የብሉን። ደጊም ምሳኻትኩም ብዙሕ ኣይዛረብን እየ” በሎም። እቲ ኣብ ይሁዳ ኣትዩ እተቘጻጸሮ ሰይጣን ድያብሎስ: ገዛኢ ናይዛ ዓለም እዚኣ ኢዩ። የሱስ ግን ሰይጣን ኣትዩ ንኣምላኽ ካብ ምግልጋል ከርሕቐሉ ዝኽእል ናይ ሓጢኣት ድኻም የብሉን።

ናይ ማሕርሮ ዝምድና ምስትምቓር

ድሕሪ እቲ ናይ ዝኽሪ ድራር: የሱስ ምስቶም ሃዋርያቱ ልቢ ንልቢ ተዋሃሂቦም ከም ዝዘራረቡ ብምግባር ኣተባብዖም። ፍርቂ ለይቲ ሓሊፉ ይኸውን ኢዩ። ስለዚ የሱስ “ተንስኡ ኻብዚ ንኺድ” በሎም። ይኹን እምበር: ቅድሚ ምኻዶም የሱስ በቲ ንዕኦም ዘለዎ ፍቕሪ ተደሪኹ ዘነቓቕሕ ምሳሌ ብምንጋር ዘረብኡ ቀጸለ።

“ኣነ ናይ ሓቂ ጕንዲ ወይኒ እየ: ተኻሊኡ ኸኣ ኣቦይ እዩ” ኢሉ ጀመረ። እቲ ዝዓበየ ተኻሊ: የሆዋ ኣምላኽ: ነዚ ምሳልያዊ ጕንዲ ወይኒ እዚ: የሱስ ብቐውዒ ናይ 29 ከ.ኣ.ዘ. ክጥመቕ ከሎ ብመንፈስ ቅዱስ ምስ ቀብኦ ኢዩ ተኺልዎ። የሱስ ግን እቲ ወይኒ ካብኡ ንላዕሊ ንኻልእ እውን ከም ዘመልክት ክገልጽ ከሎ ከምዚ ይብል:- “ነቲ ኣባይ ዘሎ: ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ዅሉ ጨንፈር የርሕቖ። ነቲ ፍረ ዚፈሪ ዘበለ ጨንፈር ግና: ኣዝዩ ምእንቲ ኺፈሪ: የጽርዮ . . . ጨንፈር ኣብቲ ጕንዲ ወይኒ እንተ ዘይጸንዔ: ካብ ርእሱ ኺፈሪ ኸም ዘይክእል: ንስኻትኩምውን ኣባይ እንተ ዘይጸናዕኩም: ከምኡ ኢኹም። እቲ ጕንዲ ወይኒ ኣነ እየ: ጨናፍር ከኣ ንስኻትኩም ኢኹም።”

ድሕሪ 51 መዓልትታት ኣብ ጴንጠቆስጠ እቶም ሃዋርያትን እቶም ካልኦትን መንፈስ ቅዱስ ምስ ወረዶም ጨንፈር ናይቲ ጕንዲ ወይኒ ኰኑ። ኣብ መወዳእትኡ ናይቲ ምሳልያዊ ጕንዲ ወይኒ ጨነፍር 144,000 ሰባት ኢዮም ዝዀኑ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ምስቲ ጕንዲ ወይኒ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ኰይኖም ፍረ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ዝፈሪ ምሳልያዊ ወይኒ የቝሙ።

የሱስ ፍረ ናይ ምፍራይ ቀንዲ መፍትሕ ክገልጽ ከሎ ከምዚ ይብል:- “ብጀካይ ሓንቲ እኳ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም እሞ: እቲ ኣባይ ዚጸንዕ ኣነውን ኣብኡ: ንሱ እዩ ብዙሕ ፍረ ዚፈሪ።” የሱስ ሓደ ሰብ ምፍራይ እንተ ኣብዩ ግን “ኸም ጨንፈር ንወጻኢ ተደርብዩ ይነቅጽ: ኣኪቦም ናብ ሓዊ ይድርብይዎ እሞ ይነድድ” በሎም። በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ የሱስ “ኣባይ እንተ ጸናዕኩም: ቃለይውን ኣባኻትኩም እንተ ሐደረ: እትደልይዎ ዘበለ ትልምኑ እሞ ይዀነልኩም” ብምባል ተመባጽዓሎም።

ቀጺሉ ኸኣ የሱስ ንሃዋርያቱ “ብዙሕ ፍረ እንተ ፈሬኹም: ኣቦይ በዚ ይኸብር: ደቀ መዛሙርተይውን ክትኰኑ ኢኹም” በሎም። እቲ ኣምላኽ ካብዞም ጨንፈራት እዚኣቶም ዝደልዮ ፍረ: ከም ናይ ክርስቶስ ዝበለ ባህርያት ብፍላይ ከኣ ፍቕሪ ከንጸባርቑ ኢዩ። ብተወሳኺ ኸኣ ክርስቶስ ሰባኺ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ስለ ዝነበረ: እቲ ካብቶም ጨንፈራት ዝድለ ፍረ እውን ከምቲ ናቱ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ንጥፈታት ምፍጻም እውን ዘጠቓልል ኢዩ።

የሱስ “ኣብ ፍቕረይ ጽንዑ” ብምባል ተላበዎም። እንተዀነ ግን: ደቀ መዛሙርቱ ከመይ ገይሮም ኢዮም ክጸንዑ ዝኽእሉ፧ “ትእዛዛተይ እንተ ሐሎኹም: ኣብ ፍቕረይ ክትጸንዑ ኢኹም” በሎም። ቀጺሉ ኸኣ የሱስ “ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም: ነንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ: ትእዛዘይ እዚ እዩ። ሰብ ንህይወቱ ኣብ ክንዲ ኣዕሩኹ በጃ ኼሕልፍ: ካብዚ ዚዐቢ ፍቕሪ የልቦን” ብምባል ገለጸሎም።

ድሕሪ ሒደት ሰዓታት የሱስ ነዚ ሓለፍ ዝበለ ፍቕሪ እዚ ምእንቲ ሃዋርያቱን ምእንቲ እቶም ብእኡ ዝኣምኑን ህይወቱ ብምሕላፍ ከርእዮ ኢዩ። ኣብነቱ ኸኣ እቶም ሰዓብቱ ኣብ ንሓድሕዶም ከም ናቱ ዝበለ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ዘለዎ ፍቕሪ ክህልዎም ከለዓዕሎም ይግባእ። እዚ ፍቕሪ እዚ መንነቶም ዝገልጽ ኢዩ: የሱስ ኣቐድም ኣቢሉ “ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም: በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” ኢልዎም ነበረ።

ኣዕሩኽቱ መን ምዃኖም ንምግላጽ ከኣ የሱስ “ንስኻትኩም እዚ ዝአዘዝኩኹም ዘበለ ዅሉ እንተ ገበርኩም: ኣዕሩኸይ ኢኹም። እቲ ኻብ ኣቦይ ዝሰማዕክዎ ዘበለ ንኣኻትኩም ስለ ዘፍለጥኩኹም እየ ኣዕሩኸይ ዝበልኩኹም። ባርያስ ጐይታኡ ዚገብሮ ኣይፈልጥን እዩ እሞ: ደጊም ባሮት ኣይብለኩምን እየ” በሎም።

ናይ ማሕርሮ ኣዕሩኽ የሱስ ምዃንሲ ኣየ ከመይ ዝበለ ክቡር ዝምድና ኰን ኢዩ! ሰዓብቱ ነዚ ዝምድና እዚ ብቐጻሊ ከስተማቕርዎ ግን ‘ፍረ ክፈርዩ’ ይግብኦም። እንተድኣ ፈርዮም ‘ኣቦ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ክህበኩም ኢዩ’ በሎም። ብርግጽ እዚ ኸኣ ፍረ ናይታ መንግስቲ ብምፍራይ ዝርከብ ዓቢ ዓስቢ ኢዩ! የሱስ መሊሱ ነቶም ሃዋርያት ‘ንሓድሕድኩም ተፋቐሩ’ ኢሉ ድሕሪ ምልባዉ: ዓለም ከም እትጸልኦም ነገሮም። እንተዀነ ግን “ዓለም እንተ ጸልኣትኩም: ንኣይ ቅድሜኹም ከም ዝጸልኣትኒ ፍለጡ” ብምባል ኣጸናንዖም። ካብኡ ቀጺሉ ኸኣ የሱስ ዓለም ንሰዓብቱ ስለምንታይ ከም እትጸልኦም ክገልጽ ከሎ “ኣነ ደኣ እየ ኻብ ዓለም ዝሐሬኹኹም እምበር: ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን: ስለዚ ዓለም ትጸልኣኩም እያ” በለ።

የሱስ ቀጺሉ ዓለም ስለምንታይ ከም እትጸልኦም ተወሳኺ ምኽንያት ክህብ ከሎ “ነቲ ዝለአኸኒ [የሆዋ ኣምላኽ] ኣይፈልጥዎን እዮም እሞ: ስለ ስመይ እዚ ዅሉ ኺገብሩኹም እዮም” በለ። እቲ ናይ የሱስ ተኣምራታዊ ተግባራት እቶም ዝጸልእዎ ብሓቂ ገበነኛታት ከም ዝዀኑ የረጋግጽ ኢዩ: የሱስ ከምዚ ይብል:- “ካልእ ዘይገበሮ ግብሪ እንተ ዘይገብረሎም: ሓጢኣት ኣይምዀኖምን ነይሩ። ሕጂ ግና ርእዮምሲ ንኣይን ነቦይን ጸልኡና።” በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ከምቲ የሱስ ዝበሎ እቲ “ብዘይ ምኽንያት ጸልኡኒ” ዝብል ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘሎ ጥቕሲ ተፈጸመ።

የሱስ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝገበሮ እቲ መስለጢ ሓይሊ ኣምላኽ ዝዀነ ሓጋዚ: መንፈስ ቅዱስ ክሰድድ ምዃኑ መብጽዓ ብምግባር እንደገና ኣተባብዖም። ‘ንሱ ኺምስክረለይ እዩ: ንስኻትኩምውን ክትምስክሩለይ ኢኹም።’

ተወሳኺ ናይ መፋነዊ ማዕዳ

የሱስን እቶም ሃዋርያትን ካብታ ኣብ ላዕላይ ደርቢ ዘላ ክፍሊ ክወጹ ድሉዋት ኢዮም ዘለዉ። ቀጺሉ ኸኣ “ምእንቲ ኸይትዕንቀፉ ኢለ እየ እዚ ዝነገርኩኹም” በሎም። ካብኡ ቀጺሉ “ካብ ቤት ጸሎቶም ኬውጽኡኹም እዮም: ኤረ ዝቐተለኩም ዘበለስ ንኣምላኽ ኣገልግሎት የቕርበሉ ኸም ዘሎ ዚመስሎ ጊዜ ኽትመጽእ እያ” ብምባል ከቢድ መጠንቀቕታ ሃቦም።

ብርግጽ እቶም ሃዋርያት በዚ መጠንቀቕታ እዚ ኣጸቢቖም ተረቢሾም ኢዮም። የሱስ ኣቐዲሙ ዓለም ክትጸልኣኩም ኢያ ኢሉዎም እኳ እንተነበረ: ከምዚ ናይ ሕጂ ገይሩ ብቐጥታ ክቕተሉ ምዃኖም ኣይነገሮምን። “ምሳኻትኩም ስለ ዝነበርኩ እየ ኻብ መጀመርታ እዚ ዘይነገርኩኹም” በሎም። እንተዀነ ግን: ቅድሚ ምኻዱ እዚ ሓበሬታ እዚ ምንጋሩስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ሰናይ ኰን ኢዩ!

የሱስ ቀጺሉ “ሕጂ ግና ናብቲ ዝለአኸኒ እኸይድ አሎኹ። ካባኻትኩም ከኣ ሓደ እኳ፤ ናበይ ኢኻ እትኸይድ፧ ኢሉ ኣይሐተንን።” ኣቐድም ኣቢሎም ኣብቲ ምሸት እቲ: ኣበይ ከም ዝኸይድ ሓቲቶሞ ነይሮም ኢዮም ሕጂ ግን በቲ ዝነገሮም ኣዝዮም ስለ እተናወጹ ኣይሓተትዎን። የሱስ “እዚ ስለ ዝነገርኩኹም ግና: ልብኹም ጓሂ መልኤ” በሎም። እቶም ሃዋርያት ብርቱዕ መስጐጕቲ ከም ዝበጽሖምን ከም ዝቕተሉን ስለ ዝፈለጡ ጥራይ ዘይኰነስ ጐይትኦም ይሓድጎም ስለ ዘሎ እውን ኢዮም ጕህዮም።

ስለዚ የሱስ “ግናኸ እንተ ኸድኩ ኸም ዚሔሸኩም: ሓቂ እነግረኩም አሎኹ። ኣነ እንተ ዘይከድኩስ: እቲ መጸናንዒ ናባኻትኩም ኣይመጽእን እዩ እሞ: እንተ ኸድኩ ግና: ንእኡ ኽሰደልኩም እየ” በሎም። ከም ሰብ መጠን የሱስ ኣብ ሓደ ግዜ ኣብ ሓደ ቦታ ጥራይ ኢዩ ክህሉ ዝኽእል: ኣብ ሰማይ ምስ ከደ ግን ነቲ ሓጋዚ: ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ: ናብቶም ሰዓብቱ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝሃለዉ ይሃልዉ ክሰደሎም ይኽእል ኢዩ። ስለዚ ናይ የሱስ ምኻድ ጠቓሚ ኢዩ ዝኸውን።

የሱስ መንፈስ ቅዱስ “ንዓለም ብዛዕባ ሓጢኣትን ብዛዕባ ጽድቅን ብዛዕባ ፍርድን ኪረትዓ እዩ” በለ። ብወዲ ኣምላኽ ክትኣምን ዘይምኽኣላ ሓጢኣት ዓለም ክቃላዕ ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ: የሱስ ዘተኣማምን መርትዖ ጽድቂ ከም ዘለዎ ናብ ኣቡኡ ብምዕራጉ ክርአ ኢዩ። ሰይጣንን እዛ እክይቲ ዓለሙን ናይ የሱስ ንጽህና ከባላሽዉ ብዘይምኽኣሎም ከኣ ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ንጥፍኣት ከም እተፈርደ ዘርኢ ዘተኣማምን መርትዖ ኢዩ።

የሱስ ቀጺሉ “ዝነግረኩም ብዙሕ ካልእ ዘረባ ገና አሎኒ: ግናኸ ሕጂ ኽትጾርዎ ኣይትኽእሉን ኢኹም” በሎም። ስለዚ የሱስ እቲ መስለጢ ሓይሊ ኣምላኽ ዝዀነ መንፈስ ቅዱስ ምስ ኣፍሰሰሎም: ምስ ዓቕሞም ብምስምማዕ ንነገራት ንኽርድኡ ክሕግዞም ምዃኑ ተማባጽዓሎም።

እቶም ሃዋርያት: የሱስ ክመውት ከም ዝዀነ ብድሕሪኡ ምስ ተንስአ ኸኣ ክርኣዮም ከም ዝዀነ ብፍላይ ኣይተረድኦምን። ስለዚ ንሓድሕዶም “እዚ፤ ናብ ኣቦይ ክኸይድ እየ እሞ: ቅሩብ ጊዜ ኣይትርእዩንን ኢኹም: ከም ብሓድሽ ድማ ቅሩብ ጊዜ ኽትርእዩኒ ኢኹም: ዚብለና ዘሎስ እንታይ እዩ፧” ተባሃሃሉ።

የሱስ ክሓትዎ ከም ዝደለዩ ተገንዘበ እሞ “ንስኻትኩም ክትበኽዩን ክትሐዝኑን ኢኹም: ዓለም ግና ባህ ኪብላ እዩ: ንስኻትኩም ክትጕህዩ ኢኹም: ግናኸ እቲ ጓሂኹም ናብ ሓጐስ ከም ዚልወጥ: ብሓቂ: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ” ኢሉ ገለጸሎም። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ድሕሪ ቀትሪ: እቶም ዓለማውያን ዝዀኑ መራሕቲ ሃይማኖት የሱስ ስለ እተቐትለ ክሕጐሱ ኢዮም: እቶም ደቀ መዛሙርቲ ግን ክጕህዩ ኢዮም። የሱስ ምስ ተንስአ ግን እቲ ጓሂኦም ናብ ሓጐስ ክቕየር ኢዩ! ኣብ ጴንጠቆስጠ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኣብኦም ብምውራድ መሰኻኽሩ ንኽዀኑ ሓይሊ ምስ ሃቦም ከኣ እቲ ሓጐሶም ቀጸለ!

ነቲ ኵነታት ናይቶም ሃዋርያቱ ምስቲ ናይ ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ግዜ ሕርሳ ዝህልዋ ቅልውላዋ ብምምስሳል የሱስ “ሰበይቲ ኽትወልድ ከላ: ጊዜአ ስለ ዝበጽሔ ትጕሂ” በሎም። ቈልዓ ምስ ወለደት ግን ነቲ ጻዕራ ከም ዘይትዝክሮ ነገሮም: ነቶም ሃዋርያቱ ኸኣ “እምብኣርከ ንስኻትኩምውን ሎሚ ጓሂ አሎኩም: ግናኸ [ምስ ተንሳእኩ] ከም ብሓድሽ ክርእየኩም እየ: ልብኹምውን ኪሕጐስ እዩ። ሓጐስኩም ድማ ካባኹም ዚወስዶ የልቦን” ብምባል ኣጸናንዖም።

ክሳዕ እቲ ግዜ እቲ እቶም ሃዋርያት ብስም የሱስ ለሚኖም ኣይፈልጡን ኢዮም። ሕጂ ግን “ነቦ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ዅሉ ኸም ዚህበኩም: ብሓቂ: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። . . . ንስኻትኩም ኣነ ኻብ ኣምላኽ ከም ዝወጻእኩ ስለ ዝአመንኩምን ዘፍቀርኩምንን: ኣቦ ባዕሉ የፍቅረኩም አሎ። . . . ካብ ኣቦ ወጺኤ ናብ ዓለም መጻእኩ: ንዓለም ሐዲገ ድማ ናብ ኣቦ እኸይድ አሎኹ” በሎም።

እዚ ናይ የሱስ ቃላት ነቶም ሃዋርያት ዓቢ ምትብባዕ ኰኖም። ‘ካብ ኣምላኽ ምውጻእካ ሕጂ ንአምን አሎና’ ኸኣ በልዎ። የሱስ ድማ “ሕጂዶ አሚንኩም፧” ኢሉ ሓተቶም። “እንሆ: ኵላትኩም ነንበይንኹም ነናብ ስፍራኹም እትዝረዉላ: ንበይነይውን እትሐድጉላ ጊዜ ትመጽእ አላ” በሎም። ዘይእመን እኳ እንተ መሰለ እታ ለይቲ እቲኣ ቅድሚ ምውድኣ ተፈጸመ!

የሱስ “ኣባይ ሰላም ምእንቲ ኽትረኽቡ: እዚ ነገርኩኹም። ኣብ ዓለም ጸበባ አሎኩም። ግናኸ ኣጆኹም: ኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ” ብምባል ዘረብኡ ደምደመ። ሰይጣንን ዓለሙን ንጽህና የሱስ ከባላሽዉ ኢሎም እኳ እንተ ጸዓሩ: ንሱ ግን ንፍቓድ ኣምላኽ ብተኣማንነት ብምፍጻሙ ንዓለም ስዒርዋ ኢዩ።

ኣብ ክፍሊ ናይቲ ላዕላይ ደርቢ እተገብረ መዕጸዊ ጸሎት

የሱስ በቲ ንሃዋርያቱ ዘለዎ ዓሚቝ ፍቕሪ ተለዓዒሉ ነቲ ዘይተርፍ ምኻዱ ከዳልዎም ኢዩ ጸኒሑ። ሕጂ ብስፍሕ ዝበለ መገዲ ምስ መዓዶምን ኣጸናንዖምን ኣዒንቱ ናብ ሰማይ ቋሕ ኣቢሉ “ነዞም ዝሀብካዮ ዅላቶም ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺህቦምሲ: ንወድኻ ኣብ ልዕሊ ስጋ ዘበለ ምልኪ ሂብካዮ ኢኻ እሞ: ንሱ ምእንቲ ከኽብረካስ: ንወድኻ ኣኽብሮ” ብምባል ናብ ኣቡኡ ጸለየ።

እቲ ብዛዕባ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዝገልጽ የሱስ ዘቕረቦ ቀንዲ ኣርእስትስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ስምዒት ዘለዓዕል ኢዩ! የሱስ “ኣብ ልዕሊ ስጋ ዘበለ ምልኪ” ስለ እተዋህቦ: ናይቲ በጅነታዊ መስዋእቱ ጥቕሚ ንዅሎም መወቲ ደቅሰብ ከካፍሎም ይኽእል ኢዩ። እንተዀነ ግን “ናይ ዘለኣለም ህይወት” ነቶም ስምረት ኣቡኡ ዝረኽቡ ጥራይ ኢዩ ዝህቦም። ብዛዕባ እዚ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዝገልጽ ቀንዲ ኣርእስቲ ብምውሳኽ የሱስ ከምዚ ብምባል ጸሎቱ ቀጸለ:-

“ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለአኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ: ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ።” እወ: ድሕነት ብዛዕባ ኣምላኽን ወዱን ዝገልጽ ፍልጠት ኣብ ምጥራይ እተመርኰሰ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ካብ ናይ ኣእምሮ ፍልጠት ንላዕሊ ኢዩ ዘድሊ።

ሓደ ሰብ ምስኦም ጽቡቕ ዕርክነት ብምምዕባል ኣጸቢቑ ክፈልጦም የድልዮ። ንነገራት ከምቲ ንሶም ዝስምዖምን ከምቲ ንሶም ዝርእይዎን ገይሩ ክርኢ ይግብኦ። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ኣብቲ ምስ ካልኦት ዝገብርዎ ርክብ ነቲ መዘና ዘይበሉ ባህሪኦም ንምቕዳሕ ክጽዕር ኣለዎ።

ካብኡ ቀጺሉ የሱስ “ኣነ ነቲ ኽገብሮ ዝሀብካኒ ግብሪ ፈጺመ: ኣብ ምድሪ ኣኽበርኩኻ” ብምባል ጸለየ። ስለዚ ኸኣ ነቲ ክሳዕ እዚ ግዜ እዚ ዝነበሮ መዝነት ብምፍጻሙ: ብዛዕባ ዝመጽእ ድማ ከም ዝዕወት ብምትእምማን “ዎ ኣቦይ: ሕጂ ድማ በቲ ዓለም ከይተፈጥረት ኣባኻ ዝነበረኒ ኽብረት ኣባኻ ኣኽብረኒ” ብምባል ጸለየ። እወ: ሕጂ ካብ ምዉታት ብምትንሳእ ናብቲ ቅድም ኣብ ሰማይ ዝነበሮ ግርማ ክምለስ ኢዩ ዝሓትት ዘሎ።

የሱስ እቲ ኣብ ምድሪ ዝነበሮ ቀንዲ ዕዮ ጽሙቕ ኣቢሉ ብምቕራብ: “ነዞም ካብ ዓለም ዝሀብካኒ ሰባት ስምካ ገለጽኩሎም። ናትካ ነበሩ: ንኣይ ሀብካኒ: ቃልካውን ሐለዉ” በለ። የሱስ ኣብ ኣገልግሎቱ ነቲ የሆዋ ዝብል ስም ኣምላኽ ተጠቒምሉ: እቲ ልክዕ ዝዀነ ኣደማምጽኡ ኣርእዩ ኢዩ: እንተዀነ ግን ስም ኣምላኽ ነቶም ሃዋርያቱ ንምግላጽ ካብኡ ንላዕሊ ኢዩ ገይሩ። ነቲ ብዛዕባ የሆዋ: ባህርያቱ: ከምኡውን ዕላምኡ ዘለዎም ፍልጠትን ሞሳን እውን ኣስፊሕዎ ኢዩ።

የሆዋ ካብኡ ከም ዝዓቢ: ንሱ ኣብ ትሕቲኡ ኰይኑ ከም ዘገልግል ብምግላጽ: ብትሕትና “እቲ ዝሀብካኒ ቓል ሀብክዎም: ንሳቶምውን ተቐበልዎ። ኣነ ኻባኻ ኸም ዝወጻእኩ ድማ ብሓቂ ፈለጡ: ንስኻ ኸም ዝለአኽካኒውን አመኑ” ብምባል ኣፍልጦ ሃበ።

ካብኡ ቀጺሉ የሱስ ኣብ መንጎ እቶም ሰዓብቱን እቶም ዝተረፉ ደቂ ሰብን ፍልልይ ብምግባር ከምዚ ኢሉ ጸለየ:- “ምእንቲ እዞም ዝሀብካኒ እምበር: ምእንቲ ዓለምሲ ኣይልምንን እየ . . . ኣነ ምሳታቶም ኣብ ዓለም ከሎኹ: . . . ሐሎኽዎም: . . . ተኸናኸንክዎም . . . ብዘይ እቲ ሓደ ወዲ ጥፍኣት” ማለት ይሁዳ ኣስቆሮታዊ “ካባታቶም ዝጠፍኤ የልቦን።” ኣብዚ ግዜ እዚ ይሁዳ ነቲ ጽዩፍ ዝዀነ ኣሕሊፍካ ናይ ምሃብ ተግባሩ ኢዩ ዝገብር ነይሩ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ይሁዳ ከይተፈለጦ ነቲ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝበሎ ይፍጽም ኣሎ።

የሱስ “ዓለም ጸልኣቶም” ብምባል ጸሎቱ ቀጸለ። “ካብቲ ኽፉእ ክትሕልዎም እምበር: ካብ ዓለም ከተውጽኦም ኣይኰንኩን ዝልምን ዘሎኹ። ከምቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኰንኩ: ንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን።” ሰዓብቲ የሱስ ኣብዚ ብሰይጣን ዝምራሕ እተመሓደረ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ዝርከባ ዓለም ኢዮም ዘለዉ: ኵሉ ግዜ ግን ካብኣን ካብቲ እከያን ክፍለዩ ኣለዎም።

የሱስ ቀጺሉ “በቲ ሓቂ ቐድሶም: ቃልካ ሓቂ እዩ” በለ። የሱስ ኣብዚ ነቲ ብቐጻሊ ዝጠቕሰሉ ዝነበረ ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት ኢዩ “ሓቂ” ኢልዎ ዘሎ። እንተዀነ ግን: እቲ ንሱ ንደቀ መዛሙርቱ ዝማሃሮምን እቲ ንሶም ዳሕራይ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ዝጸሓፍዎን ናይ ግሪኽ ቅዱሳት ጽሑፋት እውን ብተመሳሳሊ መገዲ “ሓቂ” ኢዩ። እዚ ሓቂ እዚ ንሓደ ሰብ ክቕድሶ: ህይወቱ ምሉእ ብምሉእ ክልውጦ እሞ: ካብ ዓለም ፍሉይ ዝዀነ ሰብ ክገብሮ ይኽእል ኢዩ።

የሱስ ‘ስለቶም ብቓሎም ብእኡ ዚአምኑ ድማ እምበር: ስለ እዚኣቶም ጥራይ ኣይኰነን’ ጸልዩ። ስለዚ የሱስ ምእንቲ እቶም ቅቡኣት ሰዓብቱ ዝዀኑን ምእንቲ እቶም ገና ኣብ “ሓደ መጓሰ” ክእከቡ ዘለዎም: ንመጻኢ ደቀ መዛሙርቱ ዝዀኑ ካልኦትን ኢዩ ዝጸለየ። ነዞም ኵሎም እንታይ ኢሉ ኢዩ ለሚኑሎም፧

“ከምቲ ንስኻ ኣባይ ዘሎኻ ኣነውን ኣባኻ: ከምኡ ድማ ንሳቶም ኣባና ሓደ ኪዀኑ: ኵላቶም ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ: እልምን አሎኹ።” የሱስን ኣቡኡን ቃል ብቓሉ ሓደ ኣካል ኢዮም ማለት ኣይኰኑን: ኣብ ክንድኡ ግን ብዅሉ ነገር ይሰማምዑ ኢዮም። የሱስ ‘ዓለም ከምቲ ንኣይ ዝለኣኽካንን ዘፍቀርካንን: ከምኡ ንኣታቶምውን ከም ዘፍቀርካዮም ምእንቲ ኽትፈልጥ’ ብምባል እቶም ሰዓብቱ ሓድነት ክህልዎም ጸለየ።

ሕጂ የሱስ ንሰማያዊ ኣቡኡ ምእንቲ እቶም ቅቡኣት ሰዓብቱ ዝዀኑ ለመኖ። ንምንታይ፧ “ቅድሚ ምስራት ዓለም ኣፍቂርካኒ ኢኻ እሞ: እዞም ዝሀብካኒ ነቲ ዝሀብካኒ ኽብረይ ምእንቲ ኺርእዩስ: ኣብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ንሳቶምውን ኣብኡ ምሳይ ኪህልዉ እደሊ አሎኹ” ኢሉ ጸለየ። እዚ ምስራት ዓለም ተባሂሉ ዘሎ ኸኣ ኣዳምን ሄዋንን ምስ ወለዱ ኢዩ ጀሚሩ። ቅድሚ እዚ ግዜ እዚ ነዊሕ ይገበር ኣምላኽ ነቲ ደሓር የሱስ ክርስቶስ ዝዀነ ሓደ ወዱ የፍቅሮ ኢዩ ነይሩ።

ነቲ ጸሎቱ ክድምድም ከሎ የሱስ እንደገና “እታ ብእኣ ዘፍቀርካኒ ፍቕሪ ኣባታቶም ምእንቲ ኽትከውን ኣነውን ኣባታቶም: ስምካ ኣፍሊጠዮም አሎኹ ኸፍልጦምውን እየ” ብምባል ኣጕልሐ። ነቶም ሃዋርያት ስም ኣምላኽ ምፍላጥ ማለት ብብሕቶም ፍቕሪ ኣምላኽ ምፍላጦም እውን ዘጠቓለለ ኢዩ ነይሩ። ዮሃንስ 14:⁠1–17:⁠26፣ 13:⁠27, 35, 36፣ 10:⁠16፣ ሉቃስ 22:⁠3, 4፣ ዘጸኣት 24:⁠10፣ 1 ነገስት 19:⁠9-13፣ ኢሳይያስ 6:⁠1-5፣ ገላትያ 6:⁠16፣ መዝሙር 35:⁠19፣ 69:⁠4፣ ምሳሌ 8:⁠22, 30

▪ የሱስ ናበይ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ: ንቶማስከ ብዛዕባ እቲ መገዲ እንታይ መልሲ ኢዩ እተዋህቦ፧

▪ ካብቲ ናይ ፊልጶስ ሕቶ ከም እንርድኦ ንየሱስ እንታይ ክገብረሎም ኢዩ ዝደለዮ፧

▪ እቲ ንየሱስ ዝረኣየ ነቦ ከም ዝረኣየ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

▪ ሰዓብቲ የሱስ ካብቲ ንሱ ዝገበሮ ዝዓቢ ዝገብሩ ብኸመይ ኢዮም፧

▪ ሰይጣን ንየሱስ ክሕዞ ዘይክእል በየናይ መገዲ ኢዩ፧

▪ የሆዋ ነቲ ምሳልያዊ ተኽሊ ወይኒ መዓስ ኢዩ ተኺልዎ: ካልኦትከ ክፍሊ ናይቲ ተኽሊ ወይኒ ዝዀኑ መዓስን ብኸመይን ኢዮም፧

▪ ኣብ መወዳእትኡ እቲ ምሳልያዊ ተኽሊ ወይኒ ክንደይ ጨነፍር ኢዩ ዝህልዎ፧

▪ ኣምላኽ ካብቲ ጨነፍር እንታይ ፍረ ኢዩ ዝጽበ፧

▪ ኣዕሩኽ የሱስ ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

▪ ዓለም ንሰዓብቲ የሱስ እትጸልኦም ስለምንታይ ኢያ፧

▪ ነቶም ሃዋርያት ዘጨነቖም ኣየናይ የሱስ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ኢዩ፧

▪ እቶም ሃዋርያት ንየሱስ ኣበይ ይኸይድ ከም ዘሎ ዘይሓተትዎ ስለምንታይ ኢዮም፧

▪ እቶም ሃዋርያት ብፍላይ ዘይተረድእዎ እንታይ ኢዩ፧

▪ የሱስ ኵነታት ናይቶም ሃዋርያት ካብ ጓሂ ናብ ሓጐስ ከም ዝቕየር ብኸመይ ኣብርሃሎም፧

▪ የሱስ እቶም ሃዋርያት ድሕሪ ሓጺር እዋን እንታይ ክገብሩ ኢዮም ኢዩ ዝበለ፧

▪ የሱስ ንዓለም ብኸመይ ኢዩ ስዒርዋ፧

▪ የሱስ “ኣብ ልዕሊ ስጋ ዘበለ ምልኪ” እተዋህቦ በየናይ መገዲ ኢዩ፧

▪ ፍልጠት ኣምላኽን ወዱን ምቕሳም እንታይ ማለት ኢዩ፧

▪ የሱስ ስም ኣምላኽ ዝገለጾ በየናይ መገዲ ኢዩ፧

▪ “ሓቂ” እንታይ ኢዩ: ንሓደ ክርስትያን ‘ዝቕድሶኸ’ ብኸመይ ኢዩ፧

▪ ኣምላኽ: ወዱ: ከምኡውን ኵሎም ሓቀኛታት ኣምለኽቲ ሓደ ዝዀኑ ብኸመይ ኢዮም፧

▪ “ምስራት ዓለም” መዓስ ኢዩ፧