ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነቶም ከሰስቱ ዝሃቦ ምላሽ

ነቶም ከሰስቱ ዝሃቦ ምላሽ

ምዕራፍ 30

ነቶም ከሰስቱ ዝሃቦ ምላሽ

እቶም ናይ ኣይሁድ መራሕቲ ሃይማኖት መዓልቲ ሰንበት ብዘይ ምኽባሩ ምስ ከሰስዎ የሱስ “ኣቦይ ክሳዕ ሕጂ ይገብር: ኣነውን እገብር አሎኹ” ኢሉ መለሰሎም።

እቲ ፈሪሳውያን ዝበልዎ ብዘየገድስ ዕዮ የሱስ ብሕጊ ሰንበት ዝኽልከል ኣይነበረን። እቲ ናይ ምስባኽን ናይ ምሕዋይን ዕዮኡ ካብ ኣምላኽ እተዋህቦ መዝነት ኢዩ ነይሩ: ናይ ኣምላኽ ኣብነት ብምስዓብ ከኣ ­መዓልቲ⁠-​­መዓልቲ ኢዩ ዝፍጽሞ። ይኹን እምበር: እቲ ዝሃቦም ምላሽ ነቶም ኣይሁድ ዝያዳ ኣሕረቖም እሞ ክቐትልዎ ደለዩ። ስለምንታይ፧

ምኽንያቱ ሕጂ የሱስ መዓልቲ ሰንበት ብዘይምኽባሩ ጥራይ ዘይኰነስ ንገዛእ ርእሱ ከም ወዲ ኣምላኽ ገይሩ ስለ ዝረኣያ ከም ጸርፊ ገይሮም ኢዮም ርእዮሞ። ይኹን እምበር: የሱስ ኣይፈርሐን ወሲኹ ኸኣ ብዛዕባ እቲ ምስ ኣምላኽ ዘለዎ ጽቡቕ ርክብ ነገሮም። “ኣቦ ንወዱ የፍቅሮ እዩ እሞ: ንሱ ዚገብሮ ዘበለ ዅሉ ድማ የርእዮ” በሎም።

“ኣቦ ንምዉታት ከም ዜተንስኦም ህያዋንውን ከም ዚገብሮም: ወዲ ድማ ከምኡ ነቶም ዝደለዮም ህያዋን ይገብሮም እዩ” በሎም። አረ እቲ ወዲ ድሮ ብመንፈሳዊ መገዲ ምዉታት የተንስእ ኢዩ ነይሩ! የሱስ “እቲ ንቓለይ ዚሰምዖን በቲ ዝለአኸኒ ዚአምንን . . . ኻብ ሞት ናብ ህይወት ተሳገረ” በለ። ቀጺሉ ኸኣ “እቶም ምዉታት ድምጺ ወዲ ኣምላኽ ዚሰምዑላ ሰዓት ትመጽእ: ንሳ ኸኣ ሕጂ እያ: እቶም ዚሰምዕዎ ድማ ህያዋን ኪዀኑ እዮም” በለ።

የሱስ ክሳዕ ሽዑ ቃል ብቓሉ ካብ ምዉታት ንዋላ ሓደ ዘየተንስአ እኳ እንተነበረ: ነቶም ከሰስቱ ግን ከምኡ ዝበለ ቃል ብቓሉ ምትንሳእ ክህሉ ምዃኑ ነገሮም። “ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጹ ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ እያ . . . እሞ: በዚ ኣይትደነቑ” በሎም።

ክሳዕ እቲ ግዜ እቲ የሱስ ነቲ ኣብ ዕላማ ኣምላኽ ዘለዎ ቦታ ብኸምዚ ዝበለ ንጹርን ፍሉይን መገዲ ገይሩ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ገሊጽዎ ኣይፈልጥን ኢዩ። ከሰስቲ የሱስ ግን ብዛዕባ እዚ ነገራት እዚ ካብ ናቱ ምስክርነት ንላዕሊ ነይርዎም ኢዩ። “ንስኻትኩም ናብ ዮሃንስ ለአኽኩም: ንሱ ኸኣ ንሓቂ መስከረ” ብምባል ኣዘኻኸሮም።

ቅድሚ ክልተ ዓመት ዮሃንስ መጥምቕ ነዞም ናይ ኣይሁድ መራ​­ሕቲ ሃይማኖት ብዛዕባ እቲ ብድሕሪኡ ዝመጽእ ነጊርዎም ነበረ። የሱስ ከኣ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብቲ ተኣሲሩ ዘሎ ዮሃንስ ዝነበሮም ልዑል ኣረኣእያ ብምዝኽኻር “ንስኻትኩም ከኣ በቲ ብርሃኑ ቕሩብ ጊዜ ባህ ኪብለኩም ደሌኹም” በሎም። የሱስ ነዚ ነገራት እዚ ዘዘኻኸሮም ንኽሕግዞም: እወ: ንኸድሕኖም ተስፋ ብምግባር ኢዩ። እንተዀነ ግን: ኣብቲ ናይ ዮሃንስ ምስክርነት ኣይተወከለን።

“እዚ ኣነ ዝገብሮ ዘሎኹ ግብሪ: [እቲ ሽዑ ዝገበሮ ተኣምራት እውን ሓዊስካ] ንሱ ኣቦይ ከም ዝለአኸኒ ብዛዕባይ ይምስክር እዩ።” ብዘይካ እዚ የሱስ “እቲ ዝለአኸኒ ኣቦይ ከኣ: ንሱ ባዕሉ ብዛዕባይ መስከረ” ብምባል ቀጸለ። ንኣብነት ኣምላኽ ብዛዕባ የሱስ ኣብ ግዜ ጥምቀቱ “ፍትዊ ወደይ: እዚ እዩ” ብምባል መስከረ።

ብሓቂ ከሰስቲ የሱስ ንኽነጽግዎ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት ኣይነበሮምን። እተን ንምርምረን ኢና ዝብልወን ቅዱሳት ጽሑፋት ንርእሰን ብዛዕብኡ ኢየን ዝምስክራ! “ንሙሴ እንተ ትአምንዎስ: ንሱ ብዛዕባይ ጽሒፉ አሎ እሞ: ንኣይ ድማ ምአመንኩምኒ ኔርኩም። ነተን ጽሑፋቱ ኻብ ዘይትአምኑወን ግና: ከመይ ኢልኩም ድኣ ንቓለይ ክትኣምንዎ፧” ብምባል ደምደመ። ዮሃንስ 5:⁠17⁠-​47፣ 1:⁠19⁠-​27፣ ማቴዎስ 3:⁠17

▪ ዕዮ የሱስ ንመዓልቲ ሰንበት ዘይጥሕስ ዘይነበረ ስለምንታይ ኢዩ፧

▪ የሱስ እቲ ኣብ ዕላማ ኣምላኽ ዘለዎ ኣገዳሲ ግደ ብኸመይ ኢዩ ዝገልጾ፧

▪ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ንኸረጋግጽ የሱስ ናይ መን ምስክርነት ኢዩ ዝጠቐሰ፧