ነቶም ዝጠፍኡ ምድላይ
ምዕራፍ 85
ነቶም ዝጠፍኡ ምድላይ
የሱስ ነቶም ንኣምላኽ ብትሕትና ዘገልግሉ ሰባት ክደልዮምን ክረኽቦምን ኢዩ ዝህንጠ። ስለዚ ንዅሉ ሰብ: ነቶም ፍሉጣት ሓጢኣተኛታት እውን ከይተረፈ ብዛዕባ እታ መንግስቲ እናነገረ ይደልዮም ነበረ። ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት ንኽሰምዕዎ ናብኡ ቀረቡ።
ፈሪሳውያንን ጸሓፍትን እዚ ብምዕዛቦም: የሱስ ምስቶም ንሳቶም ዘይበቕዑ ገይሮም ዝርእይዎም ሰባት ብምሕባሩ ወቐስዎ። “እዝስ ንሓጥኣን ደኣ ይቕበል ምሳታቶምውን ይበልዕ” ብምባል ኣጕረምረሙ። እዚ ምስቲ ክብረቶም ዘይመዓራረ ኢዩ ነይሩ! ፈሪሳውያንን ጸሓፍትን ነቲ ተራ ህዝቢ ከም ኣብ ትሕቲ ኣእጋሮም ዘሎ ርስሓት ኢዮም ዝቘጽርዎ። ንኸምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ዘለዎም ንዕቀት ንምርኣይ: እቲ “ሓመድ ሓፋሽ” ዝትርጕሙ ‛ኣም ሃ· ’ኣʹረትስ ዝብል ናይ እብራይስጢ መግለጺ ኢዮም ዝጥቀሙ ነይሮም።
በቲ ሓደ ሸነኽ የሱስ ንዅሉ ሰብ ብኽብሪ: ብሕያውነት: ከምኡውን ብድንጋጽ ኢዩ ዝርኢ ነይሩ። ስለዚ ኸኣ ብዙሓት ካብዞም ትሑታት: እቶም ብሓጢኣቶም ፍሉጣት ዝዀኑ ሰባት እውን ሓዊስካ ንየሱስ ክሰምዑ ህንጡያት ኢዮም ነይሮም። የሱስ ነቶም ፈሪሳውያን ዘይበቕዑ ኢሎም ዝሓስብዎም ዝነበሩ ሰባት ንምሕጋዝ ብምጽዓሩ ወቐስዎ። ብዛዕባ እዚ ወቐሳ እዚኸ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧
የሱስ ምሳሌ ብምጥቃም ነቲ ተቓውምኦም መለሰሉ። የሱስ ከኣ ፈሪሳውያን ጻድቃን ከም ዝዀኑ እሞ ኣብ ደምበ ኣምላኽ ሃዲኦም ከም ዘለዉ: እቶም ፍንፉናት ‛ኣም ሃ· ’ኣ ʹረትስ ከኣ ተባሪሮም ከም ዝጠፍኡ ኣምሲሉ ብናይ ፈሪሳውያን ኣረኣእያ ገይሩ ተዛረበ። ክሓቶም ከሎ ኸኣ ስምዓዮ: ከምዚ በሎም:-
“ካባኻትኩምከ ሚእቲ ኣባጊዕ ዘለዋኦ እሞ ካባታተን ሓንቲ እንተ ጠፍኣቶስ: ነተን ተስዓን ትሽዓተን ኣብ በረኻ ዘይሐድግ: ክሳዕ ዚረኽባውን ነታ ዝጠፍኤት ኪደሊ ዘይከይድ እንታዋይ ሰብኣይ እዩ፧ ምስ ረኸባ ኸኣ: እናተሐጐሰ ኣብ መንኩቡ ይሕንግራ። ናብ ቤቱ ምስ ተመልሰ ድማ: ነዕሩኹን ንጐረባብቱን ብሓደ ጸዊዑ፤ ነታ ዝጠፍኣትኒ በጊዔይ ረኺበያ እሞ: ምሳይ ተሐጐሱ ይብሎም።”
ካብኡ የሱስ ትርጕም ናይታ ዝነገሮም ዛንታ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ከምኡ ኸኣ ንስሓ ኻብ ዘይደልዩ ተስዓን ትሽዓተን ጻድቃንሲ: ብሓደ ዚንሳሕ ሓጥእ ኣብ ሰማይ ሓጐስ ኪኸውን እዩ። እብለኩም አሎኹ።”
ፈሪሳውያን ነገዛእ ርእሶም ንስሓ ዘየድልዮም ጻድቃን ገይሮም ኢዮም ዝርእይዋ ነይሮም። ቅድሚ ክልተ ዓመት ይኸውን ገለ ካብኣቶም የሱስ ምስ ግብሪ ዘኽፍሉን ሓጢኣተኛታትን ብምብልዑ ምስ ወቐስዎ “ኣነ ሓጥኣን እምበር: ጻድቃን ክጽውዕ ኣይመጻእኩን” በሎም። እዞም ነስሓ ከም ዘድልዮም ዘይርድኡ ዝነበሩ ርእሶም ዘጽድቑ ፈሪሳውያን ኣብ ሰማይ ዋላ ሓንቲ ሓጐስ ኣየምጽኡን ኢዮም። ናይ ሓቂ ዝናስሑ ሓጢኣተኛታት ግና ኣብ ሰማይ ሓጐስ የምጽኡ ኢዮም።
ምምላስ ናይ ጠፊኡ ዝነበረ ሓጥእ ዓቢ ሓጐስ ኢዩ ዘምጽእ ዝብል ነጥቢ ንምጕላሕ የሱስ ካልእ ምሳሌ ነገረ። ከምዚ ይብል:- “ኣየነይቲ ሰበይቲ እያ: ዓሰርተ ድሪም ዘለዋ: ሓንቲ ድሪም እንተ ጠፍኣታ: መብራህቲ ዘይተብርህ ቤታውን ዘይትዅስትር: ክሳዕ እትረኽባ ኸኣ ኣጸቢቓ ዘይትደሊ፧ ምስ ረኸበታ ድማ፤ እታ ዝጠፍኣትኒ ድሪመይ ረኺበያ እሞ: ምሳይ ተሐጐሳ: ኢላ ነዳኖታታን ንጐረባብታን ትጽውዔን” በለ።
ካብኡ የሱስ ተመሳሳሊ ትርጕም ከም ዘለዎ ይዛረብ። ቀጺሉ ከምዚ ይብል:- “ከምኡ ድማ ብሓደ ዚንሳሕ ሓጥእ ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ ኣምላኽ ሓጐስ ይኸውን እዩ: እብለኩም አሎኹ።”
መላእኽቲ እቲ ጠፊኡ ዝነበረ ሓጥእ ብምምላሱ ዘርእይዎ ፍቕራዊ ሓልዮት ኣየ ክሳዕ ክንደይ ዘገርም ኰን ኢዩ! ብፍላይ ከኣ እዞም ሓደ ግዜ ዝንዓቑ ዝነበሩ ትሑት ደረጃ ዝነበሮም ‛ኣም ሃ· ’ኣ ʹረትስ ቀስ እናበሉ ኣባላት ናይ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ንምዃን ስለ ዝበቕዑ ኣዝዩ ዘገርም ኢዩ። ናይዚ ውጽኢት ከኣ ኣብ ሰማይ ካብ ናይ መላእኽቲ እውን ዝልዕል ቦታ ክሕዙ ኢዮም! እንተዀነ ግን: እቶም ሓጢኣተኛታት ሰባት ከም ደንገጽትን መሓርትን ሰማያውያን ነገስታትን ካህናትን ኰይኖም ንኸገልግሉ ዘብቅዖም ኵነታት ኣብ ህይወቶም ኣጋጢምዎምን ተዋጺኦምሉን ምዃኖም እቶም መላእኽቲ ይፈልጡ ስለ ዝዀኑ ኣብ ክንዲ ዝቐንኡ ወይ ሸለል እተባህሉ ኰይኑ ዝስምዖም ብትሕትና የማስዉሉ። ሉቃስ 15:1-10፣ ማቴዎስ 9:13፣ 1 ቈረንቶስ 6:2, 3፣ ራእይ 20:6
▪ የሱስ ምስቶም ፍሉጣት ሓጢኣተኛታት ዝሓብር ስለምንታይ ኢዩ: እቶም ፈሪሳውያንከ እንታይ ኢሎም ኢዮም ዝወቐስዎ፧
▪ ፈሪሳውያን ነቶም ተራ ህዝቢ ብኸመይ ኢዮም ዝርእይዎም፧
▪ የሱስ እንታይ ምሳሌታት ኢዩ እተጠቕመ: ካብኡኸ እንታይ ኢና እንማሃር፧
▪ ናይቶም መላእኽቲ ምሕጓስ ዘገርም ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧