ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነቶም ጥቑዓት ምድንጋጽ

ነቶም ጥቑዓት ምድንጋጽ

ምዕራፍ 57

ነቶም ጥቑዓት ምድንጋጽ

የሱስ ንፈሪሳውያን ብምኽንያት እቲ ንዕኦም ከገልግል ዝገበርዎ ልምድታት ድሕሪ ምዅናኑ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ከደ። ኣቐድም ኣቢሉ ምስኦም ከይዱ ከዕርፍ ምስ ሓሰበ: እቶም ህዝቢ ስለ ዝመጽዎ ከም እተቛረጸ ትዝክር ትኸውን። ሕጂ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብቲ ብወገን ሰሜን ብዙሕ ኪሎ ሜትራት ርሒቑ ዝርከብ ምድሪ ጢሮስን ሲዶናን ከደ። የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ዀይኑ ካብ ዶባት እስራኤል ወጺኡ ዝኸደሉ እንኮ ጕዕዞ እዚ ኢዩ።

ዘዕርፍሉ ቤት ምስ ረኸበ: ዋላ ሓደ ሰብ ኣበይ ከም ዘለዉ ክፈልጥ ከም ዘይደሊ ገለጸ። ይኹን እምበር: ኣብዚ ካብ እስራኤል ወጻኢ ዝዀነ ቦታ እውን ክሕባእ ኣይከኣለን። ሓንቲ ኣብ ናይ ሶርያ ከንኣን እተወልደት ግሪኻዊት ሰበይቲ “ጐይታይ ወዲ ዳዊት: ንጓለይ ጋኔን ብኽፉእ ሒዝዋ አሎ እሞ: ምሐረኒ” እናበለት ክትልምኖ ጀመረት። የሱስ ግን ሓንቲ ቃል እውን ትኹን ኣይመለሰላን።

ኣብ መወዳእትኡ: እቶም ደቀ መዛሙርቱ “ደድሕሬና ትጠርዕ አላ እሞ ኣፋንዋ” በልዎ። “ብዘይ ናብተን ጥፉኣት ኣባጊዕ ቤት እስራኤል ኣይተልአኽኩን” ብምባል ስለምንታይ ስቕ ከም ዝበለ ገለጸሎም።

ይኹን እምበር: እታ ሰበይቲ ተስፋ ኣይቈረጸትን። ናብ የሱስ ቀሪባ ሰገደትሉ። “ጐይታይ: ርድኣኒ” ኢላ ለመነቶ።

ልቢ የሱስ በቲ ናይታ ሰበይቲ ልባዊ ምሕጽንታ ተተንከፈ! ይኹን እምበር: ቀዳማይ ሓላፍነቱ ነቶም ህዝቢ ኣምላኽ ዝዀኑ እስራኤላውያን ምግልጋል ምዃኑ እንደገና ነገራ። እምነታ ንምፍታን ኢሉ: እቲ ኣይሁድ ብዛዕባ ካልኦት ህዝብታት ዘለዎም ኣቐዲምካ ብሕማቕ ናይ ምፍራድ ኣረኣእያ ተጠቒሙ “እንጌራ ውሉድ ኣልዒልካ ነኽላባት [“ንኣሽቱ ኣኽላባት:” NW ] ምሃብ አይግባእን እዩ” በላ።

ብርግጽ የሱስ በቲ ድንጋጽ ዝነበሮ ናይ ድምጹ ቃናን: ናይ ገጹ መግለጺታትን ገይሩ ነቶም ኣይሁድ ዘይኰኑ ሰባት ዘለዎ ለዋህ ስምዒት ገሊጹ ኢዩ። ‘[‘ንኣሽቱ: ’ NW ] ኣኽላባት’ ወይ ከኣ ኰራኵር ኢሉ ብምጽውዑ እቲ ንኣህዛብ ምስ ኣኽላባት ምውድዳሩ ኣቕለሎ። እታ ሰበይቲ ኣብ ክንዲ ትዅሪ ነቲ የሱስ እተጠቕመሉ ናይ ኣይሁድ ኣቐዲምካ ብሕማቕ ምፍራድ ብምርዳእ “እወ ጐይታይ: ኣኽላባት [“ንኣሽቱ ኣኽላባት:” NW ] ድማ ካብ መኣዲ ጐይተቶም ዝወደቐ ርፍራፍ ይበልዑ እዮም” ኢላ ናይ ትሕትና ሓሳባት ኣቕረበት።

የሱስ “ኣቲ ሰበይቲ: እምነትኪ ዓባይ እያ: ከም ዝደሌኽዮ ይኹነልኪ” ኢሉ መለሰላ። ከምኡ ኸኣ ኰነ! ናብ ቤታ ምስ ተመልሰት ጓላ ምሉእ ብምሉእ ሓውያ ኣብ ዓራት ደቂሳ ጸንሓታ።

የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ካብቲ ኣብ ገምገም ዝርከብ ምድሪ ሲዶና: ናብቲ ምንጪ ናይ ርባ ዮርዳኖስ ዝርከቦ ቦታ ከዱ። ንዮርዳኖስ ካብ ባሕሪ ገሊላ ቍሩብ ልዕል ኢሉ ብዝርከብ ቦታ ኣቢሎም ከም ዝሰገርዎ ርዱእ ኢዩ: ካብቲ ባሕሪ ብወገን ምብራቕ ናብ ዘሎ ምድሪ ዓሰርተ ዓዲ ኸኣ ኣተዉ። ኣብኡ ኣብ ሓንቲ ጎቦ ደየቡ: እቶም ህዝቢ ግን ንየሱስ ረኸብዎ እሞ ሓንካሳት: ቈራያት: ዕዉራት: ዓባሳት: ብዙሓት ካልኦት ሕሙማትን መጻጕዓትን ኣምጽኡሉ። ኣብ እግሪ የሱስ ኣንበርዎም እሞ ንሱ ኸኣ ኣሕወዮም። እቶም ህዝቢ ዓባሳት ክዛረቡ: ሓንካሳት ክኸዱ: ዕዉራት ክርእዩ ምዕዛቦም ተገረሙ፣ ንኣምላኽ እስራኤል ከኣ ወደስዎ።

የሱስ ናብ ሓደ ጸማም ክዛረብ ከኣ ዘይክእል ሰብኣይ ፍሉይ ቈላሕታ ገበረ። ጸማማት ብሕልፊ ኣብ ማእከል ብዙሕ ህዝቢ ይሓፍሩ ኢዮም። የሱስ ናይዚ ሰብኣይ እዚ ፍሉይ ፍርሂ ኣስተብሂሉሉ ክኸውን ኣለዎ። ስለዚ የሱስ ብድንጋጽ ካብቶም ህዝቢ ፈልዩ ንበይኑ ወሰዶ። ንበይኖም ምስ ኰኑ ኸኣ የሱስ እንታይ ከም ዝገብረሉ ነገሮ። ኣጻብዑ ኣብ እዝኒ ናይቲ ሰብኣይ ኣእተወ: ጡፍ ኢሉ ኸኣ መልሓሱ ተንከዮ። ካብኡ ናብ ሰማይ እናጠመተ ኣዕሚቑ ኣተንፈሰ እሞ “ተኸፈት” በሎ። ሽዑ እቲ ሰብኣይ ክሰምዕ ጀመረ: ከይተሸገረ ኸኣ ክዛረብ ከኣለ።

የሱስ እዚ ዅሉ ምሕዋይ ምስ ገበረ: እቶም ህዝቢ ኣማሰዉ። “ንሱ ንዅሉ ጽቡቕ ገበሮ: ጸማማት ከም ዚሰምዑ: ዓባሳት ከም ዚዛረቡ ገበረ” በሉ። ማቴዎስ 15:​21⁠-​31፣ ማርቆስ 7:⁠24⁠-​37

▪ የሱስ ንጓል እታ ግሪኻዊት ሰበይቲ ብኡንብኡ ዘየሕወያ ስለምንታይ ኢዩ፧

▪ ብድሕሪኡ የሱስ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ናበይ ወሰዶም፧

▪ የሱስ ነቲ ክዛረብ ዘይክእል ዝነበረ ዓባስ ሰብኣይ ብኸመይ ኢዩ ዝደንገጸሉ፧