ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ቅፍርናሆም ምምላስ

ናብ ቅፍርናሆም ምምላስ

ምዕራፍ 26

ናብ ቅፍርናሆም ምምላስ

የሱስ ኣብ ቀረባን ኣብ ርሑቕን ፍሉጥ ኰነ: ብዙሓት ሰባት ናብቲ ንሱ ዘለዎ ብዙሕ ዘይፍለጥ ቦታታት እውን ይኸድዎ ነበሩ። ድሕሪ ገለ መዓልትታት ግን ናብታ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ገሊላ ዘላ ቅፍርናሆም ተመልሰ። ኣብታ ዓዲ ምህላዉ ኸኣ ኣብታ ኸተማ ብቕልጡፍ ተሰምዐ: ኣብታ ዝነበራ ቤት ድማ ብዙሓት መጹ። ፈሪሳውያንን ናይ ሕጊ መምህራንን ከኣ ካብ ርሑቕ ቦታታት: ካብ የሩሳሌም ከይተረፈ መጹ።

እቲ ህዝቢ ኣዝዩ ስለ ዝበዝሐ እቲ ማዕጾ መሕለፊ ኣይነበሮን: ኣብታ ቤት ከኣ ፈጺሙ ቦታ ኣይነበረን። እቲ መድረኽ ንሓደ ብሓቂ ጕሉሕ ዝዀነ ፍጻሜ እተዳለወ ኢዩ ነይሩ። እቲ ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ እተፈጸመ ነገር ብሓቂ ኣድላይነት ዝነበሮ ኢዩ: ከመይሲ የሱስ ነቲ ምኽንያት ስቓይ ደቅሰብ ንኸልግስን ነቶም ዝሓረዮም ጥዕና ንኽህብን ክእለት ከም ዘለዎ ንኽንግንዘብ ይሕግዘና ኢዩ።

የሱስ ነቶም ህዝቢ እናመሃሮም ከሎ ኣርባዕተ ሰባት ንሓደ ልሙስ ኣብ ዓራት ሒዞሞ መጹ። የሱስ ነቲ ዓርኮም ከሕውየሎም ደለዩ: ብሰንኪ እቶም ህዝቢ ግን ክኣትዉ ኣይከኣሉን። ኣየ ክንደይ ዘሕርቕ ኢዩ! ይኹን እምበር: ኢዶም ኣይሃቡን። ናብቲ ናሕሲ ደየቡ እሞ ነቲ ናሕሲ ብምፍራስ ነታ እቲ ልሙስ ሰብኣይ ዝነበራ ዓራት ኣብ ጥቓ የሱስ ኣውረድዋ።

የሱስ ኣቋሪጾምኒ ኢሉ ሓሪቑዶ፧ ፈጺሙ ኣይሓረቐን! ኣብ ክንድኡስ በታ እምነቶም ኣዝዩ ተተንከፈ። ነቲ ልሙስ ከኣ “ሓጢኣትካ ተሐዲጉልካ” በሎ። የሱስ ግን ብሓቂ ሓጢኣት ክሓድግ ይኽእል ድዩ፧ እቶም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ዝኽእል ኣይመሰሎምን። ስለዚ ብልቦም “ስለምንታይ እዚ ኸምዚ ዝበለ ጸርፊ ይዛረብ አሎ፧ ብዘይ ሓደ ኣምላኽከ መን እዩ ሓጢኣት ኪሐድግ ዚኽእል፧” ኢሎም ሓሰቡ።

ሓሳቦም ብምፍላጥ የሱስ “ንምንታይ እዚ ብልብኹም ትሐስቡ አሎኹም፧ ኣየናይ ይቐልል: ነዚ መጻጕዕ ሓጢኣትካ ተሐዲጉልካ ምባልዶ: ወይስ ተንስእ እሞ ዓራትካ ኣልዒልካ ኺድ: ምባል፧” በሎም

ብድሕርዚ እቲ ህዝቢ: እቶም ዝወቕስዎ ዝነበሩ እውን ሓዊስካ የሱስ ኣብ ምድሪ ሓጢኣት ንኽሓድግ ከምኡውን ብሓቂ ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ ምዃኑ ዝገልጽ ጕሉሕ መርኣያ ከም ዝርእዩ ገበሮም። ናብቲ ልሙስ ግልጽ ኢሉ ኸኣ “ተንስእ እሞ ዓራትካ ኣልዒልካ ናብ ቤትካ ኺድ” በሎ። ንሱ ኸኣ ብኡንብኡ ከምኡ ገበረ እሞ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ከኣ ዓራቱ ኣልዒሉ ከደ! እቶም ሰባት ብምግራም ንኣምላኽ ወደስዎ “ከምዚ ዝበለስ ከቶ አይረኤናን” ድማ በሉ!

የሱስ ምስ ሕማም ኣተሓሒዙ ሓጢኣት ከም ዝጠቐሰ ከምኡውን ሓጢኣት ምሕዳግ ምስ ኣካላዊ ጥዕና ምህላው ከም ዝተሓሓዝ ምጥቃሱስ ኣስተብሂልካዶ፧ መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ናይ መጀመርታ ኣቦና ኣዳም ከም ዝሓጥአ እሞ ኵላትና ሳዕቤን ናይቲ ሓጢኣት እቲ ማለት ሕማምን ሞትን ካብኡ ከም ዝወረስና ይገልጽ። ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ግን የሱስ ናይቶም ንኣምላኽ ዘፍቅሩን ዘገልግሉን ሰባት ሓጢኣት ክሓድግ ኢዩ: ድሕሪኡ ኸኣ ኵሉ ሕማም ከልግስ ኢዩ። ኣየ እዝስ ከመይ ዝበለ ጽቡቕ ነገር ክኸውን ኢዩ! ማርቆስ 2:⁠1⁠-​12፣ ሉቃስ 5:⁠17⁠-​26፣ ማቴዎስ 9:⁠1⁠-​8፣ ሮሜ 5:⁠12, 17⁠-​19

▪ እቲ ኵነታትን ቦታን ናይቲ ብሓቂ ጕሉሕ ዝዀነ ፍጻሜ ከመይ ነበረ፧

▪ እቲ ልሙስ ሰብኣይ ናብ የሱስ ብኸመይ በጽሐ፧

▪ ኵላትና ሓጥኣን ዝዀንና ስለምንታይ ኢና: ሓጢኣትና ክሕደገልና ከም ዝከኣልን ፍጹም ጥዕና ምርካብ ከም ዝከኣልን የሱስ ተስፋ ዝሃበ ብኸመይ ኢዩ፧