ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ይሁዳ ናይ ምሕረት መልእኽቲ ምብጻሕ

ናብ ይሁዳ ናይ ምሕረት መልእኽቲ ምብጻሕ

ምዕራፍ 89

ናብ ይሁዳ ናይ ምሕረት መልእኽቲ ምብጻሕ

ቅድሚ ገለ ሰሙናት ኣብ የሩሳሌም ኣብ እዋን በዓል ምሕዳስ እቶም ኣይሁድ ንየሱስ ክቐትልዎ ፈተኑ። ስለዚ ኸኣ ናብ ሰሜን ገጹ: ካብ ባሕሪ ገሊላ ብዙሕ ናብ ዘይርሕቕ ቦታ ኸደ።

ቅድሚ ቀረባ ግዜ ኸኣ ናብ ደቡብ ንየሩሳሌም ገጹ ኣቕንዐ: ኣብቲ መገዲ ኸኣ ኣብ ዓድታት ናይታ ብወገን ምብራቕ ርባ ዮርዳኖስ እትርከብ ኣውራጃ ጴርያ ሰበኸ። ናይቲ ሃብታም ሰብኣይን ኣልኣዛርን ምሳሌ ድሕሪ ምንጋሩ: ነቶም ደቀ መዛሙርቱ እቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ገሊላ ኸለዉ ዝማሃሮም ነገራት ምምሃሮም ቀጸለ።

ንኣብነት ሓደ ሰብ ካብቶም “ናእሽቱ” ንሓደ ካብ ዝዕንቅፍ “መጥሓን ኣድጊ ኣብ ክሳዱ ተአሲሩ ናብ ባሕሪ ኺድርበ ምሔሾ” በሎም። “[ሓውካ] ኣብ መዓልቲ ሾብዓተ ሳዕ እንተ በደለካ: ተጥዒሰ እናበለ ኸኣ ኣብ መዓልቲ ሾብዓተ ሳዕ ናባኻ እንተ ተመልሰ: ሕደገሉ” ኢሉ ብምግላጽ ይቕረ ምባል ዘለዎ ኣድላይነት ኣጕልሐ።

እቶም ደቀ መዛሙርቲ “እምነት ወስኸና” ኢሎም ምስ ሓተትዎ: የሱስ “ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትአክል እምነት እንተ ትህልወኩምሲ: ነዚ ሳግላ፤ ተመንቊስካ ኣብ ባሕሪ ተተኸል: ምበልኩምዎ እሞ ምተአዘዘኩም ነይሩ” በሎም። ስለዚ ንእሽቶ እምነት እውን ከይተረፈት ዓቢ ነገራት ክትገብር ትኽእል ኢያ።

ካብኡ ቀጺሉ ኸኣ የሱስ ኣገልጋሊ ናይቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ከመይ ዝበለ ግቡእ ኣረኣእያ ክህልዎ ከም ዘለዎ ዘብርህ ኣብ መዓልታዊ ናብራ ዘጋጥም ነገር ነገሮም። “ካባኻትኩምከ ዚሐርስ ወይስ ዚጓሲ ባርያ ዘለዎ እሞ ካብ ወፍሪ ምስ አተወ፤ ቀልጢፍካ ሕለፍ: ክትድረር ተቐመጥ: ዚብሎ መን አሎ፧ ክድረር ኣዳልወለይ: ክሳዕ ዝበልዕን ዝሰትን ከኣ ተዐጢቕካ ኣገልግለኒ: ድሕርቲ ንስኻውን ብላዕን ስተን: ደይኰነን ዚብሎ፧ ወይስ ነቲ ባርያ እቲኸ እቲ እተአዘዞ ስለ ዝገበረስ ይንእዶዶ፧ ኣይመስለንን። ከምኡ ድማ ንስኻትኩም እተአዘዝኩምዎ ዅሉ ምስ ገበርኩም፤ ንሕና ዘይንጠቅም ባሮት ኢና: እቲ ኽንገብሮ ዚግብኣና ኢና ዝገበርና: በሉ።” ስለዚ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንዕኡ ብምግልጋሎም ሰናይ ዝገብሩሉ ዘለዉ ኰይኑ ክስምዖም የብሉን። ኣብ ክንድኡስ ከም እሙናት ኣባላት ስድራቤቱ መጠን ንዕኡ ንምግልጋል ዘለዎም መሰል ኢዮም ኵሉ ግዜ ክዝክሩ ዘለዎም።

የሱስ እዚ ምሳሌ እዚ ተዛሪቡ ድሕሪ ምውድኡ ብዙሕ ከይጸንሐ ሓደ ልኡኽ መጸ። እተን ኣብ ቢታንያ ናይ ይሁዳ ዝነበራ ማርያምን ማርታን እተባህላ ኣሕዋት ኣልኣዛር ኢየን ልኢኸንኦ። እቲ ልኡኽ ከኣ “እቲ እተፍቅሮስ እንሆ: ሐሚሙ አሎ” በሎ።

የሱስ ከኣ “እዚ ሕማም እዚ ወዲ ኣምላኽ ብእኡ ምእንቲ ኪኸብር: ንኽብሪ ኣምላኽ እዩ እምበር: ንሞት ኣይኰነን” በለ። የሱስ ክልተ መዓልቲ ኣብቲ ዝነበሮ ድሕሪ ምጽንሑ ንደቀ መዛሙርቱ “ደጊም ንዑናይ: ናብ ምድሪ ይሁዳ ንኺድ” በሎም። ንሳቶም ግን “መምህር: ብኣምሆ ኣይሁድ ብዳርባ እምኒ ኪቐትሉኻ ይደልዩ ነይሮምሲ: መሊስካዶ ናብኡ ትኸይድ፧” ኢሎም ኣዘከርዎ።

የሱስ ከኣ “መዓልትስ ዓሰርተው ክልተ ሰዓት ደይኰነትን፧” ብምባል ሓተቶም። “እቲ ብመዓልቲ ዚኸይድ: ብርሃን እዛ ዓለም እዚኣ ዚርኢ ስለ ዝዀነ: ኣይዕንቀፍን። እቲ ብለይቲ ዚኸይድ ግና: ብርሃን ስለ ዜብሉ: ይዕንቀፍ እዩ” በሎም።

የሱስ “መዓልቲ” ወይ ከኣ እተን ምድራዊ ኣገልግሎት ክገብረለን ኢሉ ኣምላኽ ዝሃቦ ግዜ ገና ኣይተወድኣን ዘለዋ ማለቱ ኢዩ ነይሩ። ክሳዕ ዝውድኣ ኸኣ ክጐድኦ ዝኽእል ዋላ ሓደ ከም ዘየለ ይዛረብ ምንባሩ ግሁድ ኢዩ። እተን ተሪፈንኦ ዘለዋ “መዓልቲ” ምሉእ ብምሉእ ክጥቀመለን ኢዩ ዝደሊ: ምኽንያቱ ብድሕሪኡ እቶም ጸላእቱ ምስ ቀተልዎ “ለይቲ” ክመጽእ ኢዩ።

የሱስ ወሲኹ “ኣልኣዛር ፈታዊና ደቂሱ አሎ። ኣነ ግና ካብ ድቃሱ ምእንቲ ኸተንስኦ: ክኸይድ እየ” በሎም።

እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኣልኣዛር ቃል ብቓሉ ዝደቀሰ ስለ ዝመሰሎምን እዚ ኸኣ ጽቡቕ ምልክት ምሕዋይ ገይሮም ስለ ዝሓሰብዎን “ጐይታይ: ደቂሱ እንተ ዀይኑስ: ኪጥዒ እዩ” በልዎ።

ካብኡ የሱስ ብግህዶ “ኣልኣዛር ሞይቱ: ኣነ ኣብኡ ብዘይ ምንባረይ: ምእንቲ ኽትአምኑስ: ብዛዕባኹም እሕጐስ አሎኹ። ግናኸ ንዑናይ: ናብኡ ንኺድ” በሎም።

ቶማስ: የሱስ ኣብ ይሁዳ ክቕተል ከም ዝኽእል ብምግንዛብ ምእንቲ ክድግፍዎ ነቶም ብጾቱ ደቀ መዛሙርቲ “ንሕናውንከ ምስኡ ኽንመውት ንኺድ” በሎም። ስለዚ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እኳ እንተዀነ: እዚ ናይ ምሕረት መልእኽቲ ናብ ይሁዳ ንምብጻሕ ንየሱስ ኣሰነይዎ። ሉቃስ 13:⁠22፣ 17:⁠1-10፣ ዮሃንስ 10:⁠22, 31, 40-42፣ 11:⁠1-16

▪ ኣብዚ ቀረባ ግዜ የሱስ ኣበይ ኢዩ ሰቢኹ፧

▪ የሱስ እንታይ ትምህርቲ ኢዩ ደጊሙ ዝማሃረ: እንታይ ኣብ መዓልታዊ ናብራ ዘጋጥም ኵነታት ኢዩ ዝገለጸ: እንታይ ንምብራህከ ኢዩ እተጠቕመሉ፧

▪ የሱስ እንታይ መልእኽቲ ኢዩ ዝሰምዐ: “መዓልቲ” ከምኡውን “ለይቲ” ክብል ከሎ እንታይ ማለቱ ኢዩ፧

▪ ቶማስ “ንሕናውንከ ምስኡ ኽንመውት ንኺድ” ክብል ከሎ እንታይ ማለቱ ኢዩ፧