ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ መጀመርታ ተኣምራት የሱስ

ናይ መጀመርታ ተኣምራት የሱስ

ምዕራፍ 15

ናይ መጀመርታ ተኣምራት የሱስ

እንድርያስ: ጴጥሮስ: ዮሃንስ: ፊልጶስ: ናትናኤል: ምናልባትውን ያእቆብ ናይ መጀመርታ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ካብ ዝዀኑ ሓደ ወይ ክልተ መዓልቲ ኢዮም ገይሮም። ሕጂ ናብቲ ናይ ኵሎም ዓዲ ዝዀነ ኣውራጃ ገሊላ ገጾም ኢዮም ዝኸዱ ዘለዉ። ክበጽሕዎ ደልዮም ዘለዉ ቦታ እታ ካብ ናዝሬት: የሱስ ዝዓበየላ ቦታ: ብዙሕ ዘይትርሕቕ ኣብ ኵድዅዶታት እትርከብ ቃና ዓዲ ናትናኤል ኢያ። ኣብ ቃና ኣብ ሓደ መርዓ ተዓዲሞም ነበሩ።

ኣደ የሱስ እውን ናብቲ መርዓ መጺኣ ነበረት። ንስድራቤት እቶም ዝምርዓዉ ዘለዉ ፈታዊቶም ከም ምዃና መጠን ማርያም ነቶም ኣጋይሽ ዘድልዮም ነገር ኣብ ምቕራብ ግደ ዝነበራ ኢያ እትመስል። ስለዚ ዝጐደለ ነገር ከም ዘሎ ኣስተብሃለት እሞ “ወይኒ እምበር የብሎምን” ኢላ ንየሱስ ነገረቶ።

ማርያም ወይኒ ብምውድኡ የሱስ ገለ ነገር ክገብር ሓሳብ ምስ ኣቕረበትሉ መጀመርታ ሸለል ኢሉዎ ነይሩ። “ምሳኺኸ እንታይ አሎኒ፧” ብምባል ሓተታ። ብኣምላኽ እተሾመ ንጉስ ከም ምዃኑ መጠን ንጥፈታቱ ክገብር ከሎ ብስድራቤቱ ወይ ብኣዕሩኽቱ ክምራሕ የብሉን። ስለዚ ማርያም ነቶም ተዓጠቕቲ “ንሱ ዚብለኩም ኵሉ ግበሩ” ብምባል ነቲ ነገር ብጥበብ ኣብ ኢድ ወዳ ገደፈቶ።

ነፍሲ ወከፉ 40 ሊትሮ ክሕዝ ዝኽእል ሽዱሽተ ዓበ​ይቲ ኣጋንእ እምኒ ነበረ። የሱስ ከኣ ነቶም ተዓጠቕቲ “ነዚ ኣጋንእ ማይ ምልእዎ” በሎም። እቶም ተዓጠቕቲ ኸኣ ክሳዕ ኣፉ መልእዎ። ብድ​ሕርዚ የሱስ “ሕጂ ቕድሕዎ እሞ ነቦ ዳስ ውሰዱሉ” በሎም።

እቲ ኣቦ ዳስ እቲ ወይኒ ብተኣምራት ከም ዝመጸ ከይፈለጠ ብጽባቐ ናይቲ ወይኒ ተገረመ። ነቲ መር​ዓዊ ጸዊዑ ኸኣ “ኵሉ ሰብ ቅድም ጽቡቕ ወይኒ: ምስ ሰኸሩ ኸኣ እቲ ሕምቕ ዝበለ ደኣ የቕርብ። ንስኻ ግና እቲ ጽቡቕ ወይኒ ኽሳዕ ሕጂ ኣጽናሕካዮ” በሎ።

እዚ እቲ የሱስ ዝገበሮ ናይ መጀመርታ ተኣምራት ኢዩ: እዚ ምስ ርኣዩ ኸኣ እምነት ናይቶም ሓደ​ስቲ ደቀ መዛሙርቱ ጸንዐት። ብድሕርዚ: ምስ ኣዲ​ኡን ኣሕዋቱን: ናብ ከተማ ቅፍርናሆም ጥቓ ባሕሪ ገሊላ ተጓዕዙ። ዮሃንስ 2:⁠1⁠-​12

▪ እቲ ኣብ ቃና እተገብረ መርዓ ኣበየናይ እዋን ኣገልግሎት የሱስ ኢዩ ነይሩ፧

▪ የሱስ ናይ ኣዲኡ ሓሳብ እተቓወሞ ስለምንታይ ኢዩ፧

▪ የሱስ እንታይ ተኣምራት ኢዩ ዝፈጸመ: ኣብ ካልኦትከ እንታይ ሳዕቤን ነበሮ፧