ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ ኣቦነት ሕቶ

ናይ ኣቦነት ሕቶ

ምዕራፍ 69

ናይ ኣቦነት ሕቶ

ኣብ እዋን እቲ በዓል: እቲ የሱስ ምስቶም ናይ ኣይሁድ መራሕቲ ዝገብሮ ዝነበረ ምይይጥ እናበርትዐ ኸደ። “ንስኻትኩም ዘርኢ ኣብርሃም ምዃንኩምሲ እፈልጥ አሎኹ። ቃለይ ኣባኻትኩም ስለ ዘይአተወ ግና: ክትቀትሉኒ ትደልዩ አሎኹም። ኣነ ኣብ ኣቦይ ዝርኤኽዎ እዛረብ አሎኹ: ንስኻትኩም ከኣ ኣብ ኣቦኹም ዝርኤኹምዎ ትገብሩ አሎኹም” በሎም።

ኣቡኦም መን ምዃኑ እኳ እንተ ዘይነገሮም: ካብ ኣቡኡ እተፈልየ ምዃኑ ግልጺ ኢዩ ገይርዎ። እቶም ናይ ኣይሁድ መራሕቲ: የሱስ ኣብ ኣእምሮኡ ብዛዕባ መን ይሓስብ ከም ዘሎ ከይፈለጡ “ኣቦናስ ኣብርሃም እዩ” ኢሎም መለሱ። ከምታ ናይቲ ዓርኪ ኣምላኽ ዝነበረ ኣብርሃም ዝበለት እምነት ዘላቶም ኰይኑ ኢዩ ዝስምዖም ነይሩ።

ይኹን እምበር: “ውሉድ ኣብርሃም እንተ ትዀኑስ: ግብሪ ኣብርሃም ምገበርኩም ኔርኩም” ኢሉ ብምምላስ ኣሰንበዶም። ብሓቂ ውሉድ ነቡኡ ኢዩ ዝመስል። “ሕጂ ግና ንኣይ: ካብ ኣምላኽ ዝሰማዕክዎ ሓቂ ንዝነገርኩኹም ሰብኣይ: ክትቀትሉኒ ትደልዩ አሎኹም: ኣብርሃም ከምዚ ኣይገበረን” በሎም። ደጊሙ ኸኣ “ንስኻትኩምሲ ግብሪ ኣቦኹም ደኣ ትገብሩ አሎኹም” በሎም።

ገና ግን የሱስ ብዛዕባ መን ይዛረቦም ከም ዘሎ ኣይተረድኦምን። ቀንዲ ደቂ ኣብርሃም ምዃኖም ንምርግጋጽ ከኣ “ንሕናስ ካብ ምንዝርና ኣይተወለድናን” በሉ። ከም ኣብርሃም ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ምዃኖም ከኣ “ሓደ ኣቦ አሎና: ንሱ ኸኣ ኣምላኽ እዩ” ብምባል ኣትሪሮም ተዛረቡ።

እንተዀነ ግን ኣምላኽ ብሓቂ ኣቡኦም ድዩ፧ የሱስ ከኣ “ኣነ ኻብ ኣምላኽ እየ ዝወጻእኩን ዝመጻእኩን እሞ: ንሱ ደኣ ልኢኹኒ እዩ እምበር: ባዕለይ ኣይመጻእኩን: ስለዚ ኣቦኹም ኣምላኽ እንተ ዚኸውንሲ: ንኣይ መፈቀርኩምኒ ኔርኩም። ስለምንታይከ ኢኹም ዘረባይ ዘይተስተውዕሉ፧” ኢሉ መለሰሎም።

የሱስ ነዞም ሃይማኖታውያን መራሕቲ እዚኣቶም ንዕኡ ብምንጻጎም ዝስዕቦም ከረድኦም ፈቲኑ ኢዩ። ሕጂ ግን ብቐጥታ “ንስኻትኩም ካብቲ ኣቦኹም ድያብሎስ ኢኹም: እታ ትምኒት ኣቦኹም ክትገብሩውን ትደልዩ አሎኹም” በሎም። ድያብሎስ እንታይ ዓይነት ኣቦ ኢዩ፧ የሱስ ቀታል ነፍሲ ምዃኑ ተዛረበ: ብተወሳኺውን “ሓሳዊ እዩ እሞ: ንሓሶትውን ኣቦኣ እዩ” በለ። ስለዚ ኸኣ የሱስ “እቲ ኻብ ኣምላኽ ዝዀነ ንቓል ኣምላኽ ይሰምዕ እዩ። ንስኻትኩም ግና ካብ ኣምላኽ ኣይኰንኩምን እሞ: ስለዚ ኢኹም ዘይትሰምዑ” ብምባል ደምደመ።

ብናይ የሱስ ምዅናን ስለ ዝሓረቑ እቶም ኣይሁድ “ሳምራዊ ምዃንካ ጋኔንውን ከም ዘሎካስ: ጽቡቕዶ ንብል አየሎናን፧” በልዎ። ሳምራውያን ብኣይሁድ ዝጽልኡ ሰባት ብምዃኖም እታ “ሳምራዊ” እትብል ስያመ ምውራድን ጸርፍን ንምግላጽ ኢያ ኣትያ ዘላ።

የሱስ ነቲ ሳምራዊ ኢኻ ኢሎም ብምጽራፍ ዘዋረድዎ ሸለል ብምባል “ኣነስ ነቦይ ደኣ ኤኽብሮ አሎኹ እምበር: ጋኔንሲ የብለይን። ንስኻትኩም ከኣ ተሕስሩኒ አሎኹም” በሎም። ቀጺሉ ኸኣ የሱስ ‘ቃለይ ዚሕሉ እንተሎ: ንዘለአለም ሞት ኣይርእን’ ብምባል ዘደንጹ መብጽዓ ሃበ። የሱስ ኵሎም እቶም ዝስዕብዎ ቃል ብቓሉ ፈጺሞም ኣይክሞቱን ኢዮም ማለቱ ከም ዘይኰነ እተረጋገጸ ኢዩ። ኣብ ክንድኡ ግን ብናይ ዘለኣለም ጥፍኣት ወይ ከኣ በቲ ትንሳኤ ዘይብሉ “ካልኣይ ሞት” ፈጺሞም ኣይእሰሩን ኢዮም ማለቱ ኢዩ።

ይኹን እምበር: እቶም ኣይሁድ ነቲ ናይ የሱስ ቃላት ቃል ብቓሉ ወሰድዎ። ስለዚ ኸኣ “ጋኔን ከም ዘሎካ: ሕጂ ፈለጥና። ኣብርሃም እኳ ሞይቱ ነብያትውን። ንስኻ ግና፤ ቃለይ ዚሕሉ ንዘለአለም ሞት ኣይጥዕምን እዩ: ትብል አሎኻ። ካብቲ ዝሞተ ኣቦና ኣብርሃምዶ ንስኻ ትዐቢ፧ ነብያትውን ሞይቶም። ንርእስኻ መን ትገብራ አሎኻ፧” በልዎ።

ኣብ ብምሉኡ እቲ ምይይጥ የሱስ ንሱ እቲ መብጽዓ እተገብረሉ መሲሕ ምዃኑ ከም ዘመልከተሎም ርዱእ ኢዩ። ነቲ ብዛዕባ መንነቱ ዘቕረቡሉ ሕቶ ብቐጥታ ኣብ ክንዲ ዝምልስ ግን “ኣነ ርእሰይ እንተ ኣኽበርኩ: ክብረተይ ፍረ የብሉን። ዜኽብረንስ እቲ ንስኻትኩም ኣምላኽና እትብልዎ ኣቦይ እዩ። ንስኻትኩም ኣይትፈልጥዎን ኢኹም: ኣነ ግና እፈልጦ እየ። ኣይፈልጦን እንተ ዝብል ከኣ: ከማኻትኩም ሓሳዊ ምዀንኩ ነይረ” በሎም።

ቀጺሉ ኸኣ ነቲ እሙን ዝነበረ ኣብርሃም ብምምልካት “ኣቦኹም ኣብርሃም መዓልተይ ኪርኢ ተሐጐሰ: ረአያ እሞ ባህ በሎ” በሎም። እወ: ኣብርሃም ብናይ እምነት ኣዒንቱ እቲ መብጽዓ እተገብረሉ መሲሕ ክመጽእ ኣማዕድዩ ጠመተ። እቶም ኣይሁድ ከኣ ብዘይምእማኖም “ገና ሓምሳ ዓመት እኳ ዘይገበርካስ: ንኣብርሃምዶ ርኢኻዮ ኢኻ፧” በልዎ።

የሱስ ከኣ “ኣነ: ኣብርሃም ከይተወለደ: ከም ዘሎኹ: ብሓቂ: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ” በሎም። ርግጽ ኢዩ የሱስ ብዛዕባ እቲ ሰብ ኰይኑ ቅድሚ ምምጽኡ ከም መንፈሳዊ ኣካል ኣብ ሰማይ ዝነበረሉ ግዜ ኢዩ ዝዛረብ ነይሩ።

የሱስ ቅድሚ ኣብርሃም ነይረ ብምባሉ ሓሪቖም እቶም ኣይሁድ እምኒ ክድርብዩሉ ኣልዓሉ። ንሱ ግን ተሓብአ: ካብ ቤት መቕደስ እውን ከይተጐድአ ወጸ። ዮሃንስ 8:⁠37-59፣ ራእይ 3:⁠14፣ 21:⁠8

▪ የሱስ ንሱን እቶም ጸላእቱን እተፈላለዩ ኣቦታት ከም ዘለውዎም ዘርኣየ ብኸመይ ኢዩ፧

▪ እቶም ኣይሁድ ንየሱስ ሳምራዊ ምባሎም እንታይ ማለቶም ኢዩ ነይሩ፧

▪ የሱስ ሰዓብቱ ፈጺሞም ኣይክሞቱን ኢዮም ክብል ከሎ እንታይ ማለቱ ኢዩ፧