ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ ክትዕ ምኽንያት

ናይ ክትዕ ምኽንያት

ምዕራፍ 41

ናይ ክትዕ ምኽንያት

ኣብ ቤት ስምኦን ድሕሪ ምዝንግዑ ብዙሕ ከይጸንሐ: የሱስ ንኻልኣይ ግዜ ኣብ ገሊላ ዝገብሮ ናይ ስብከት መገሻ ጀመረ። ኣብቲ ዞባ እቲ ዝገበሮ ናይ መጀመርታ መገሻ በቶም ናይ መጀመርታ ደቀ መዛሙርቱ ማለት ጴጥሮስ: እንድርያስ: ያእቆብ: ከምኡውን ዮሃንስ ኢዩ ተሰንዩ። ሕጂ ግን እቶም 12 ሃዋርያትን ገለ ኣንስትን ኢዮም ኣሰንዮምዎ። እዚኣተን ከኣ ማርያም መግደላዊት: ሱሳና: ከምኡውን እታ ሰብኣያ ኣዛዝ ቤት ሄሮድስ ዝነበረ ዮሃና ኢየን ነይረን።

ናይ የሱስ ኣገልግሎት እናዓበየ ክኸይድ ከሎ: ብዛዕባ ንጥፈታቱ ዝለዓል ዝነበረ ክትዕ ከኣ እናበዝሐ ኸደ። ሓደ ዕዉርን ዓባስን ዝነበረ ኣጋንንቲ ዝሓደርዎ ሰብኣይ ናብ የሱስ ኣምጽእዎ። ካብ ቍጽጽር ጋኔን ናጻ ብምግባር ምዝራብን ምርኣይን ከም ዝኽእል ገይሩ የሱስ ምስ ኣሕወዮ: እቶም ህዝቢ ኣዝዮም ተመሰጡ። “እዝስ እቲ ወዲ ዳዊት ደዀን እዩ፧” ክብሉ ድማ ጀመሩ።

እቶም ኣብቲ የሱስ ዝነበሮ ቤት ተኣኪቦም ዝነበሩ ህዝቢ ኣዝዮም ብዙሓት ብምንባሮም ንሱን ደቀ መዛሙርቱን ክበልዑ እውን ኣይከኣሉን። ብዘይካ እቶም እቲ መብጽዓ እተገብረሉ “ወዲ ዳዊት” ኰን ይኸውን ኢሎም ዝሓስቡ ዝነበሩ ሰባት: ተቐባልነት ከም ዘይረክብ ክገብርዎ ኢሎም ካብ ርሑቕ: ካብ የሩሳሌም ዝመጹ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን እውን ነበሩ። ኣዝማድ የሱስ ድማ እቲ ብዛዕብኡ እተላዕለ ህውከት ሰሚዖም ክሕዝዎ መጹ። ስለምንታይ፧

እቶም ኣሕዋት የሱስ እውን እንተዀኑ ክሳብ ሽዑ ወዲ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ኣይኣመኑን ኢዮም ነይሮም። ኣብቲ ህዝቢ ከም ዝለዓል ዝገበሮ ናዕብን ረብሻን ከኣ ምስ ባህርይ ናይቲ ምስኦም ኣብ ናዝሬት ዝዓበየ የሱስ ዘይሰማማዕ ኢዩ። ስለዚ የሱስ ኣእምሮኡ ሓሚሙ ኢዩ ኢሎም ሓሰቡ። “ተጸሊሉ” ኢዩ ኢሎም ስለ ዝደምደሙ ሒዞም ክወስድዎ ደለዩ።

እቲ የሱስ ነቲ ጋኔን ዝሓዞ ሰብኣይ ከም ዘሕወዮ ዘርኢ መርትዖ ግን ግሁድ ኢዩ። ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን እዚ ሓቂ ከም ዝዀነ ክኽሕድዎ ከም ዘይክእሉ ይፈልጡ ነይሮም ኢዮም። ስለዚ የሱስ ተቐባልነት ከም ዘይረክብ ምእንቲ ክገብርዎ ነቶም ሰባት “እዚ ብዘይ ብብኤል-ዜቡል: እቲ ሓለቓ ኣጋንንቲ: ነጋንንቲ ኣየውጽኦምን: በሉ።”

ሓሳቦም ስለ ዝፈለጠ የሱስ ነቶም ጸሓፍትን ፈሪሳውያን ጸዊዑ ‘ንሓድሕዳ እተፋላለየት ኵላ መንግስቲ ትዓኑ: ንሓድሕዳ እተፋላለየት ኵላ ኸተማ ወይስ ቤት ድማ ኣይትነብርን እያ። ሰይጣን ንሰይጣን ካብ ዜውጽኦ: ንሓድሕዱ ተፋላለየ: እታ መንግስቱ ድኣኸ ኸመይ ኢላ ትቐውም፧’ በሎም።

ኣየ ከመይ ዝበለ ነቲ ዝነበሮም ኣተሓሳስባ ዘዕኑ ኣገላልጻ ኰን ኢዩ! ፈሪሳውያን ኣብ መንጎኦም እውን ኣጋንንቲ ዘውጽኡ ሰባት ከም ዘለዉ ስለ ዝዛረቡ “ኣነ ነጋንንቲ ብብኤል-ዜቡል ዘውጽኦም ካብ ኰንኩ: ደቅኹም ደኣ ብመን የውጽእዎም አለዉ፧” ብምባል ሓተቶም። ብኻልእ ኣዘራርባ እቲ ንየሱስ ዘቕረብዎ ክሲ ንዕኦም እውን ዝምልከት ኢዩ። ካብኡ የሱስ “ኣነ ነጋንንቲ ብመንፈስ ኣምላኽ ዘውጽኦም ካብ ኰንኩ ግና: እንሃ: መንግስቲ ኣምላኽ ናባኻትኩም መጸት” በሎም።

የሱስ ንኣጋንንቲ ከውጽእ ምኽኣሉ ካብ ሰይጣን ስለ ዝሕይል ምዃኑ ንኸብርህ ኢሉ “ቅድም ነቲ ሓያል ከይአሰረ: ናብ ቤት ሓያል አትዩ ኣቓሑኡ ኺብዝብዝ ዚኽእል መን አሎ፧ ድሕርዚ እዩ ቤቱ ዚብዝብዝ። ምሳይ ዘይኰነ መቓናቕንተይ እዩ: እቲ ምሳይ ኰይኑ ዘይእክብ ከኣ ይዘሩ” በሎም። እቶም ፈሪሳውያን ብግልጺ ኣንጻር የሱስ ኢዮም: ልኡኻት ሰይጣን ምዃኖም ከኣ የርእዩ። ንእስራኤላውያን ካብኡ ክርሕቑ ይብትንዎም ኣለዉ።

በዚ ምኽንያት ከኣ የሱስ ነዞም ኣዝዮም እኩያት ተጻረርቲ ከምዚ ብምባል ኣጠንቀቖም:- “ነቲ ንመንፈስ ዝጸረፈ ግና ኣይሕደገሉን። ነቲ ኣብ ወዲ ሰብ ገለ ዘረባ ዝበለ ይሕደገሉ እዩ: ነቲ ኣብ መንፈስ ቅዱስ ገለ ዘረባ ዝበለ ግና: ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዀነ: ኣብታ እትመጽእ ኰነ: ኣይሕደገሉን እዩ።” እቶም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ነቲ ብናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ እተፈጸመ ተኣምራታዊ ተግባር: ናይ ሰይጣን ኢዩ ብምባሎም ዘይሕደግ ሓጢኣት ኢዮም ፈጺሞም። ማቴዎስ 12:⁠22⁠-​32፣ ማርቆስ 3:⁠19⁠-​30፣ ዮሃንስ 7:⁠5

▪ እቲ የሱስ ኣብ ገሊላ ንኻልኣይ ግዜ ዝገበሮ መገሻ: ካብቲ ቐዳማይ ዝፍለ ብኸመይ ኢዩ፧

▪ ንየሱስ ኣዝማዱ ክሕዝዎ ዝፈተኑ ስለምንታይ ኢዮም፧

▪ ፈሪሳውያን ናይ የሱስ ተኣምራታት ተቐባልነት ከም ዘይረክብ ክገብርዎ ዝፈተኑ ብኸመይ ኢዮም: የሱስከ ከም እተጋገዩ ብኸመይ ኣረጋገጸሎም፧

▪ እቶም ፈሪሳውያን ናይ እንታይ ገበነኛታት ኢዮም ኰይኖም: ስለምንታይከ፧