ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ ዝኽሪ ድራር

ናይ ዝኽሪ ድራር

ምዕራፍ 114

ናይ ዝኽሪ ድራር

የሱስ እግሪ ሃዋርያቱ ምስ ሓጸበ: ነቲ ኣብ መዝሙር 41:⁠9 ዘሎ “እቲ እንጌራይ ዚበልዕ: ሸዀናኡ ኣባይ ኣልዐለ” ዝብል ጥቕሲ ጠቐሰ። ብመንፈሱ ተጨኒቑ ኸኣ ‘ካባኻትኩም ሓደ ኸትሕዘኒ ኢዩ’ በሎም።

እቶም ሃዋርያት ሓዘኑ እሞ በብሓደ ኸኣ ንየሱስ “ኣነዶ ዀን እኸውን፧” በልዎ። ይሁዳ ኣስቆሮታዊ እውን ከይተረፈ ምስኦም ሓቢሩ ሓተቶ። እቲ ኣብ ጥቓ የሱስ ኮፍ ኢሉ ዘሎ ዮሃንስ ኣብ ኣፍ ልቢ የሱስ ተጸጊዑ “ጐይታይ: መን እዩ ንሱ፧” ኢሉ ሓተቶ።

የሱስ ከኣ “ካብቶም ዓሰርተው ክልተስ ሓደ: ምሳይ ኣብ ጻሕሊ ዚጠልቕ” ኢዩ በሎም። “ወዲ ሰብሲ: ከምቲ ብዛዕባኡ እተጻሕፈ: ይኸይድ። እቲ: ወዲ ሰብ ብእኡ ዚተሐዝ ሰብኣይ ግና ወይለኡ። እቲ ሰብኣይ እትስ እንተ ዘይውለድ: ምሔሾ ነይሩ” በለ። ብድሕርዚ ሰይጣን ነቲ እተኸፍተሉ መገዲ ብምጥቃም እንደገና ኣብ ልቢ ናይቲ እኩይ ዝዀነ ይሁዳ ኣተወ። ጸኒሑ ኣብታ ምሸት እቲኣ የሱስ ንይሁዳ “ወዲ ጥፍኣት” ኢሉ ምጽውዑ ግቡእ ኢዩ ነይሩ።

የሱስ ንይሁዳ “ነቲ እትገብሮ ቐልጢፍካ ግበሮ” በሎ። የሱስ እንታይ ማለቱ ከም ዝነበረ ዋላ ሓደ ካብቶም ካልኦት ሃዋርያት ኣይተረድኦን። ገሊኦም ማሕፉዳ ምስ ይሁዳ ስለ ዝነበረ የሱስ “ንበዓል እንደልዮ ዐድግ” ወይ ከኣ ኬድካ ንድኻታት ሃብ ዝበሎ መሰሎም።

ይሁዳ ምስ ወጸ: የሱስ ምስቶም እሙናት ሃዋርያቱ ኰይኑ ሓድሽ በዓል ወይ ከኣ ዝኽሪ ክገብር ጀመረ። እንጌራ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ ቈሪሱ ሃቦም እሞ: “ውሰዱ ብልዑ” በሎም። “እዚ ምእንታኹም ዚውሀብ ዘሎ ስጋይ እዩ: እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ” በሎም።

ነፍሲ ወከፎም እንጌራ ምስ በልዐ ኸኣ የሱስ ጽዋእ ወይኒ ኣልዓለ። እዛ ጽዋእ እዚኣ ኣብቲ ናይ ፋስጋ ምሸት እትቐርብ ራብዐይቲ ምዃና ንጹር ኢዩ። ኣመስጊኑ ኸኣ ሃቦም እሞ ስተዩ በሎም: ቀጺሉ ኸኣ “እዚኣ እቲ ምእንታኹም ብዚፈስስ ዘሎ ደመይ እተገብረ ሓድሽ ኪዳን እያ” በሎም።

ስለዚ እዚ ብሓቂ ዝኽሪ ሞት የሱስ ኢዩ። ከምቲ የሱስ ዝበሎ ኸኣ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣብ 14 ኒሳን ንዝኽሩ ይብዓል። ነቶም ዘብዕሉ ሰባት እቲ የሱስን ሰማያዊ ኣቡኡን ንደቅሰብ ካብ ኵነኔ ሞት ሓራ ንምውጻእ ዝገበርዎ ነገር የዘኻኽሮም። ነቶም ሰዓብቲ ክርስቶስ ዝዀኑ ኣይሁድ እቲ በዓል ንፋስጋ ክትክእ ኢዩ።

እቲ በቲ ዝፈሰሰ ደም ክርስቶስ እተገብረ ሓድሽ ኪዳን ነቲ ናይ ቅድም ሕጊ ኺዳን ክትክኦ ኢዩ። የሱስ ማእከላዩ ኰይኑ ኣብ መንጎ ክልተ ወገን ዝግበር ኢዩ: በቲ ሓደ ወገን የሆዋ ኣምላኽ በቲ ኻልእ ከኣ እቶም 144,000 ዝቝጽሮም ብመንፈስ ቅዱስ እተወልዱ ክርስትያናት ኢዮም። እቲ ኪዳን ካብ ሓጢኣት ሓራ ከም ዝወጹ ኣብ ርእሲ ምግባሩ: ነገስታትን ካህናትን ዝዀኑ ሰማያውያን ህዝቢ ንምቛም እውን ዘፍቅድ ኢዩ። ማቴዎስ 26:⁠21-29፣ ማርቆስ 14:⁠18-25፣ ሉቃስ 22:⁠19-23፣ ዮሃንስ 13:⁠18-30፣ 17:⁠12፣ 1 ቈረንቶስ 5:⁠7

▪ የሱስ ብዛዕባ ሓደ ብጻዩ ዝነበረ ሰብ እንታይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትንቢት ኢዩ ዝጠቐሰ: እንታይ ኢሉኸ ኢዩ ዝተርጐሞ፧

▪ እቶም ሃዋርያት ኣጸቢቖም ዝሓዘኑ ስለምንታይ ኢዮም: ነፍሲ ወከፎምከ እንታይ ኢሉ ኢዩ ዝሓተተ፧

▪ የሱስ ንይሁዳ እንታይ ክገብር ኢዩ ነጊርዎ: እቶም ካልኦት ሃዋርያት ግን ነቲ መምርሒ ከመይ ገይሮም ኢዮም ዝተርጐምዎ፧

▪ ይሁዳ ምስ ከደ የሱስ እንታይ በዓል ኢዩ ዝጀመረ: ንምንታይ ዕላማ ኢዩኸ ዘገልግል፧

▪ እቶም ክልተ ወገን ናይቲ ሓድሽ ኪዳን መን ኢዮም: እቲ ኪዳንከ እንታይ ኢዩ ዝፍጽም፧