ናይ ፈሪሳውያን እናፈለጥካ ምኽሓድ
ምዕራፍ 71
ናይ ፈሪሳውያን እናፈለጥካ ምኽሓድ
ወለዲ ናይቲ ሓደ ግዜ ዕዉር ለማኒ ዝነበረ ኣብ ቅድሚ ፈሪሳውያን ምስ ተጸውዑ ፈርሑ። ዝዀነ ይኹን ብየሱስ ዝኣምን ሰብ ካብቲ ቤት ጸሎት ክስጐግ ተወሲኑ ከም ዝነበረ ይፈልጡ ኢዮም። ከምዚ ዝበለ ካብቲ ማሕበረሰብ ምፍላይ ከኣ ብፍላይ ድኻ ንዝዀነ ስድራቤት ከቢድ ሽግር ኢዩ ዘምጽእ። ስለዚ እቶም ወለዲ ተጠንቂቖም ኢዮም ዘለዉ።
እቶም ፈሪሳውያን “እዚዶ እቲ ብዕዉሩ ተወሊዱ እትብልዎ ወድኹም እዩ፧ ሕጂ ደኣ ኸመይ ኢሉ ይርኢ አሎ፧” ኢሎም ሓተትዎም።
እቶም ወለዲ ኸኣ “እዚ ወድና ምዃኑ ብዕዉሩውን ከም እተወልደ: ንፈልጥ” ብምባል ኣረጋገጹሎም። “ሕጂ ግና ከመይ ኢሉ ኸም ዝረአየ ኣይንፈልጥን: መንሲ ኣዒንቱ ኸም ዝኸፈተሉ: ኣይንፈልጥን ኢና” ኢሎም መለሱ። ብርግጽ ወዶም ኵሉ እቲ ዝዀነ ነገር ነጊርዎም ክኸውን ኣለዎ: እንተዀነ ግን እቶም ወለዲ ብጥበብ “ንእኡ ሕተትዎ: ንሱ በጽሒ እዩ: ብናይ ርእሱ ባዕሉ ይዛረብ” በልዎም።
ስለዚ እቶም ፈሪሳውያን እንደገና ነቲ ሰብኣይ ጸውዕዎ። ንየሱስ ገበነኛ ዝገብሮ መርትዖታት ከም ዝኣከቡ ብምምልካት ከፈራርህዎ ፈተኑ። “እዚ ሰብኣይ እዚ ሓጥእ ምዃኑ ንሕና ንፈልጥ ኢና: ንኣምላኽ ክብሪ ሀብ” በልዎ።
እቲ ሓደ ግዜ ዕዉር ዝነበረ ሰብኣይ “ኣነስ ሓጥእ ምዃኑ [“ወይ ዘይምዃኑ:” NW ] ኣይፈልጥን” ብምባል ነቲ ክሶም ኣይከሓዶን። ወሲኹ ግን “ዕዉር ከም ዝነበርኩን ሕጂ እርኢ ኸም ዘሎኹን: እዛ ሓንቲ ነገር እዚኣ እየ ዝፈልጥ” በሎም።
ነቲ ምስክርነቱ ኣበር ምእንቲ ክረኽቡሉ እቶም ፈሪሳውያን እንደገና “እንታይከ ገበረልካ፧ ከመይ ገይሩስ ኣዒንትኻ ኸፈተልካ፧” ኢሎም ሓተትዎ።
እቲ ሰብኣይ ከኣ “ቅድሚ ሕጂ ነጊረኩም ኣይሰማዕኩምን። ንምንታይ ከም ብሓድሽ ክትሰምዑ ትደልዩ አሎኹም፧” በሎም። ብምሕጫጭ ከኣ “ንስኻትኩምውንዶ ደቀ መዛሙርቱ ኽትኰኑ ትደልዩ አሎኹም፧” ኢሉ ሓተቶም።
እዚ መልሲ እዚ ነቶም ፈሪሳውያን ኣቘጥዖም። “ንስኻ ወደ መዝሙሩ ኢኻ: ንሕና ግና ደቀ መዛሙርቲ ሙሴ ኢና። ንሕናስ: ኣምላኽ ንሙሴ ኸም እተዛረቦ: ንፈልጥ አሎና። እዚ ግና ካበይ ምዃኑ ኣይንፈልጥን ኢና” በልዎ።
ብምግራም እቲ ትሑት ለማኒ “ካበይ ምዃኑ ዘይምፍላጥኩም ዜገርም እዩ: ንኣይ ግና ኣዒንተይ ከፊቱለይ” በሎም። ካብዚ ኣብ እንታይ መደምደምታ ኢዩ ክብጻሕ ዝግባእ፧ እቲ ለማኒ ነቲ “ንኣምላኽ ዚፈርህ ፍቓዱውን ዚገብር እንተሎ: ንእኡ ይሰምዖ እምበር: ኣምላኽ ንሓጥኣን ከም ዘይሰምዖም: ንፈልጥ ኢና። ንብዕዉሩ እተወልደ ሰብ ሓደ እኳ ኣዒንቱ ኸም ዝኸፈተሉ: ካብ ጥንቲ ከቶ ኣይተሰምዔን” ዝብል ተቐባልነት ዘለዎ ሓሳባት ጠቐሰሎም። ስለዚ እቲ መደምደምታ ርዱእ ኢዩ: “እዚ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዘይከውንሲ: ገለ ኺገብር እኳ ኣይምተኻእሎን ነይሩ” ዝብል ኢዩ።
እቶም ፈሪሳውያን ንኸምዚ ዝበለ ትኽ ዝበለን ንጹርን ኣተሓሳስባ ዝኸውን መልሲ የብሎምን። ነቲ ሓቂ ኽጋጠምዎ ኣይከኣሉን: ስለዚ ነቲ ሰብኣይ “ንስኻ ዅለንትናኻ ብሓጢኣት እተወለድካ ኢኻ: ንስኻዶ ንኣና ትምህረና አሎኻ፧” ኢሎም መለሱሉ። ሽዑ ነቲ ሰብኣይ ናብ ደገ ኣውጽእዎ: ካብቲ ቤት ጸሎት ከም ዝስጐግ ከኣ ፍሉጥ ኢዩ።
የሱስ ብዛዕባ እቲ ነቲ ሰብኣይ ዝገበርዎ ምስ ፈለጠ ነቲ ሰብኣይ ረኸቦ እሞ “ብወዲ ኣምላኽዶ ትአምን ኢኻ፧” በሎ።
እቲ ሓደ ግዜ ዕዉር ዝነበረ ሰብኣይ ከኣ “ጐይታይ: ብእኡ ኽአምንሲ መን እዩ ንሱ፧” ኢሉ ሓተቶ።
የሱስ ከኣ “እዚ ምሳኻ ዚዛረብ ዘሎ ንሱ እዩ” በሎ።
እቲ ሰብኣይ ብኡንብኡ ኣብ ቅድሚ የሱስ ሰገደ እሞ “ጐይታይ: እአምን” በለ።
ካብኡ የሱስ “ኣነ እቶም ዘይርእዩ ምእንቲ ኺርእዩ: እቶም ዚርእዩ ኸኣ ኪዖሩ: እየ ናብዛ ዓለም እዚኣ ንፍርዲ ዝመጻእኩ” በለ።
ሽዑ እቶም ዝሰምዑ ዝነበሩ ፈሪሳውያን “ንሕናኸ ዕዉራት ምዃንና ዲና፧” ኢሎም ሓተትዎ። ኣእምሮኦም ዕዉር ምዃኑ ኣፍልጦ እንተ ዝህቡሉ: ንየሱስ ምጽራሮም ሕድገት ምተገብረሎም: ከመይሲ የሱስ “ዕዉራት እንተ ትዀኑስ: ሓጢኣት ኣይምዀነኩምን ነይሩ” ኢሉ መለሰሎም። እንተዀነ ግን: ትሪ ልቢ ስለ ዘለዎም: ዕዉራት ከም ዘይኰኑ መንፈሳዊ ምንቕቓሕ ከም ዘየድልዮም ይዛረቡ። ስለዚ የሱስ ከምዚ ብምባል ርእይትኡ ገለጸ:- “ሕጂ ግና፤ ንርኢ አሎና: ትብሉ አሎኹም: ስለዚ ሓጢኣትኩም ጸኒዑ ይነብር።” ዮሃንስ 9:19-41
▪ ወለዲ ናይቲ ሓደ ግዜ ዕዉር ዝነበረ ለማኒ ኣብ ቅድሚ ፈሪሳውያን ምስ ተጸውዑ ዝፈርሑ ስለምንታይ ኢዮም: ተጠንቂቖም ዝመለሱኸ ብኸመይ ኢዮም፧
▪ ፈሪሳውያን ነቲ ሓደ ግዜ ዕዉር ዝነበረ ሰብኣይ ከፋራርሕዎ ዝፈተኑ ብኸመይ ኢዮም፧
▪ እንታይ ተቐባልነት ዘለዎ ኣዘራርባ ናይቲ ሰብኣይ ኢዩ ነቶም ፈሪሳውያን ዘቘጥዖም፧
▪ ፈሪሳውያን ንየሱስ ምጽራሮም መመኽነይታ ዘይህልዎም ስለምንታይ ኢዩ፧