ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንሓንቲ ሳምራዊት ሰበይቲ ምምሃር

ንሓንቲ ሳምራዊት ሰበይቲ ምምሃር

ምዕራፍ 19

ንሓንቲ ሳምራዊት ሰበይቲ ምምሃር

ካብ ይሁዳ ናብ ገሊላ ክኸዱ ከለዉ የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ብኣውራጃ ሰማርያ ኣቢሎም ሓለፉ። በቲ ጕዕዞ ደኺሞም ስለ ዝነበሩ ዳርጋ ፍርቂ መዓልቲ ኣቢሉ ክኸውን ከሎ ኣብ ሓደ ጥቓ ከተማ ሲካር ዘሎ ዔላ ኣዕረፉ። እዚ ዔላ እዚ ቅድሚ ብዙሕ ክፍለ⁠-​ዘበናት ያእቆብ ዝዀዓቶ ኢዩ: ክሳዕ ሎሚ ኸኣ ኣብ ጥቓ ዘመናዊት ከተማ ናብለስ ኣሎ።

የሱስ ኣብዚ ኣዕሪፉ ከሎ: ደቀ መዛሙርቱ መግቢ ክዕድጉ ናብ ከተማ ኣተዉ። ሓንቲ ሳምራዊት ሰበይቲ ማይ ክትቀድሕ ኢላ ምስ መጸት የሱስ “ማይ ኰታ ኣስትይኒ” በላ።

ኣይሁድን ሳምራውያንን ሱር ዝሰደደ ኣቐዲምካ ብሕማቕ ናይ ምርእኣይ መንፈስ ስለ ዝነበሮም ብሓፈሽኡ ኣይቀራረቡን ኢዮም። ስለዚ እዛ ሰበይቲ ብምግራም “ንስኻ ኣይሁዳዊ ኽነስኻስ: ካባይ ሳምራዊት ሰበይቲ ደኣ ኸመይ ኢልካ ማይ ክትሰቲ ትልምን አሎኻ፧” ኢላ ሓተተቶ።

የሱስ ድማ ‘እቲ ኣስትይኒ ዝብለኪ ዘሎ መን ምዃኑ እንተ ትፈልጥስ: ንስኺ ግዳ ምለመንክዮ ኔርኪ: ንሱ ኸኣ ማይ ህይወት ምሃበኪ ነይሩ’ ኢሉ መለሰላ።

ንሳ ኸኣ “ጐይታይ: መቕድሒ የብልካን: እዚ ዔላ ኸኣ ዓሚቝ እዩ: እቲ ማይ ህይወት ደኣ ኻበይ ትረኽቦ፧ ንስኻዶ ኻብቲ ነዚ ዔላ እዚ ዝሀበና: ንሱውን ምስ ደቁን ማሉን ካብኡ ዝሰተየ ኣቦና ያእቆብ: ትዐቢ ኢኻ፧” በለቶ።

የሱስ ድማ “ካብዚ ማይ እዚ ዚሰቲ ዘበለ መሊሱ ኺጸምእ እዩ። እቲ ኻብቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ዚሰቲ ግና: እቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ኣብኡ ንዘለኣለም ህይወት ዚፍልፍል ዓይኒ ማይ ኪኸውን እዩ እምበር: ንዘለኣለም ኣይጸምእን እዩ” በላ።

እታ ሰበይቲ “ጐይታይ: ከይጸምእ እሞ ክቐድሕ ድማ ናብዚ ኸይወርድሲ: ካብቲ ማይ እቲ ሀበኒ” በለቶ።

ካብኡ የሱስ “ኪዲ: ሰብአይኪ ጸዊዕኪ ናብዚ ንዒ” በላ።

ንሳ ኸኣ “ሰብኣይ የብለይን” በለቶ።

የሱስ ከኣ እቲ ዘረብኣ ሓቂ ከም ዝዀነ ኣረጋገጸላ። “ሰብኣይ የብለይን ብምባልክስ ቅኑዕ ተዛረብኪ። ሓሙሽተ ሰብኣይ ነይሮምኺ እዮም እሞ: እዚ ሕጂ ምሳኺ ዘሎውን ኣይሰብኣይክን እዩ” በላ።

እታ ሰበይቲ እናተገረመት “ጐይታይ: ንስኻ ነብዪ ምዃንካ እርኢ አሎኹ” በለቶ። መንፈሳዊ ተገዳስነት ከም ዘለዋ ብምግላጽ ከኣ ሳምራውያን “ኣብዚ ኸረን [ኣብቲ ጥቕኦም ዝነበረ ጌሪዚም] እዚ ሰገዱ። ንስኻትኩም [ኣይሁድ] ግና፤ እታ ኺሰግዱላ ዚግባእ ስፍራ ኣብ የሩሳሌም እያ: ኢኹም እትብሉ” በለት።

ይኹን እምበር: የሱስ እቲ ኣገዳሲ ነገርሲ ናይ ኣምልኾ ቦታ ከም ዘይኰነ ገለጸላ። “ኣምላኽ መንፈስ እዩ: እቶም ዚሰግዱሉ ድማ ብመንፈስን ብሓቅን ኪሰግዱሉ ይግብኦም። ኣቦ ኸምዚ ዝበሉ ሰገድቲ እዩ ዚደሊ እሞ: እቶም ናይ ሓቂ ሰገድቲ ነቦ ብመንፈስን ብሓቅን ዚሰግዱሉ ሰዓት ክትመጽእ እያ” በላ።

እታ ሰበይቲ ኣዝያ ተመሰጠት። “ክርስቶስ ዚብልዎ መሲህ ከም ዚመጽእ: እፈልጥ አሎኹ። ንሱ ምስ መጸ ኸኣ: ኵሉ ኺነግረና እዩ” በለቶ።

የሱስ ከኣ “ኣነ ዝዛረበኪ ዘሎኹ ንሱ እየ” በላ። ሕስብ እሞ ኣብሎ! ምናልባት ምስተን ብምኽንያት ኣነባብርኣ ዝጸልኣኣ ዝነበራ ኣንስቲ ናይቲ ዓዲ ምእንቲ ከይትራኸብ ኢላ ፍርቂ መዓልቲ ማይ እትቐድሕ ሰበይቲ: የሱስ ብዘገርም መገዲ ሕያውነት ኣርኣያ። የሱስ እቲ ንዋላ ሓደ ነጊርዎ ዘይፈልጥ መንነቱ ብቐጥታ ነገራ። እንታይ ሳዕቤንከ ነበሮ፧

ብዙሓት ሳምራውያን ይኣምኑ

እቶም ደቀ መዛሙርቱ ካብ ሲካር መግቢ ሒዞም ምስ ተመልሱ የሱስ ኣብታ ዝገደፍዎ ኣብ ዔላ ያእቆብ ምስ ሓንቲ ሳምራዊት ሰበይቲ ክዛረብ ረኸብዎ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ምስ መጹ ንሳ ዕትሮኣ ገዲፋ ናብ ከተማ ከደት።

በቲ የሱስ ዝነገራ ነገራት ተገሪማ ስለ ዝነበረት ነቶም ኣብታ ከተማ ዝነበሩ ሰብ “ዝገበርክዎ ዘበለ ዝነገረኒ ሰብኣይ ንዑ ርአዩ” በለቶም። እቲ ንምፍላጥ ዘለዎም ድሌት ንምልዕዓል ኢላ ኸኣ “እንድዒ: ክርስቶስ ኰን ይኸውን፧” በለቶም። እቲ ዘረብኣ ከምቲ ዝሓሰበቶ ኣስላጢ ኰነ: እቶም ሰባት ከኣ ባዕላቶም እቲ ዝዀነ ንኽርእዩ ከዱ።

ኣብ መንጕኡ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ነቲ ካብ ከተማ ዘምጽኡሉ መግቢ ክበልዖ ግዲ በልዎ። ንሱ ግና “ንስኻትኩም ዘይትፈልጥዎ ዝበልዖ ብልዒ አሎኒ” በሎም።

እቶም ደቀ መዛሙርቱ ንሓድሕዶም “ሰብ ደዀን ገለ ዚብላዕ ኣምጺኡሉ ዀይኑ፧” ተበሃሀሉ። የሱስ ከኣ “ብልዔይሲ ፍቓድ እቲ ዝለአኸኒ ኽገብር ዕዮኡውን ክፍጽም እዩ። ንስኻትኩምዶ፤ ቀውዒ ኽሳዕ ዚመጽእ ኣርባዕተ ወርሒ አሎ: ትብሉ ኣይኰንኩምን፧” በሎም። ናብቲ መንፈሳዊ ቀውዒ ብምምልካት ከኣ “ኣዒንትኹም ቋሕ ኣብሉ እሞ ምድሪ ድሮ ንዓጺድ ከም ዝጻዕደወት ርአዩ: እብለኩም አሎኹ። . . . እቲ ዚዐጽድ ውዕለቱ ይቕበል: እቲ ዘራእን እቲ ዓጻድን ብሓንሳእ ምእንቲ ኺሕጐሱ ኸኣ: ንዘለኣለም ህይወት ፍረ ይእክብ” በሎም።

የሱስ ምናልባት ናይቲ ምስታ ሳምራዊት ሰበይቲ ምዝራቡ ዓቢ ውጽኢት​—⁠ብዙሓት በቲ ንሳ ዝመስከረትሎም ይኣምኑ ምህላዎም​—⁠ድሮ ክርእዮ ይኽእል ነይሩ ኢዩ። ነቶም ኣብቲ ከተማ ዝነበሩ ሰባት “ዝገበርክዎ ዘበለ ዝነገረኒ” ኢላ ነገረቶም። ስለዚ እቶም ሰብ ሲካር ናብቲ የሱስ ዝነበሮ ዔላ መጹ: ምስኦም ክቕኒ እሞ ዝያዳ ክምህሮም ሓተትዎ። የሱስ ዕድሚኦም ተቐቢሉ ኣብኡ ክልተ መዓልቲ ገበረ።

እቶም ሳምራውያን ንየሱስ ምስ ሰምዕዎ ብዙሓት መሊሶም ኣመኑ። ሽዑ ነታ ሰበይቲ “ደጊምሲ ባዕላትና ደኣ ንሱ ብሓቂ ክርስቶስ መድሓን ዓለም ምዃኑ ሰሚዕናን ፈሊጥናን እምበር: ኣይብዘረባኽን ኢና እንአምን ዘሎና” በልዋ። ሰማዕቲ ዝያዳ ንኽምርምሩ ናይ ምፍላጥ ድሌቶም ኣለዓዒልና ብዛዕባ ክርስቶስ ከመይ ገይርና ክንሰብኽ ከም ዘለና እታ ሳምራዊት ሰበይቲ ጽቡቕ ኣብነት ኢያ ገዲፋትልና!

ኣርባዕተ ወርሒ ቅድሚ ቀውዒ ምዃኑ ዘክር: ናይ ስገም ምእካብ ምዃኑ ኸኣ ኣየጠራጥርን ኢዩ: እዚ ኣብ ጳለስጢና ኣብ ግዜ ጽድያ ኢዩ ዝኸውን ዘሎ። ስለዚ ሕጂ ምናልባት ሕዳር ወይ ታሕሳስ ኢዩ ነይሩ። እዚ ማለት ከኣ ድሕሪ በዓል ፋስጋ ናይ 30 ከ.ኣ.ዘ. የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ሸሞንተ ወርሒ ኣቢሉ ኣብ ይሁዳ ይምህሩን የጠምቑን ነይሮም ማለት ኢዩ። ካብኡ ናብ ዓዶም ናብ ገሊላ ገጾም ከዱ። ኣብኡ እንታይ ኰን ይጸንሖም ይኸውን፧ ዮሃንስ 4:⁠3⁠-​43

▪ እታ ሳምራዊት ሰበይቲ የሱስ ምስኣ ብምዝራቡ እተገረመት ስለምንታይ ኢያ፧

▪ የሱስ ብዛዕባ ማይ ህይወትን ኣምልኾ ኣበይ ክኸውን ከም ዝግባእን እንታይ መሃራ፧

▪ የሱስ መን ምዃኑ ብኸመይ ኢዩ ንዓኣ ዝገለጸላ: እቲ ምግላጹ ኣዝዩ ዘገርምከ ስለምንታይ ኢዩ፧

▪ እታ ሳምራዊት ሰበይቲ እንታይ ኢላ ኢያ ዝመስከረት: ውጽኢቱኸ እንታይ ነበረ፧

▪ ናይ የሱስ መግቢ ምስ ቀውዒ እተተሓሓዘ ብኸመይ ኢዩ፧

▪ ብድሕሪ በዓል ፋስጋ ናይ 30 ከ.ኣ.ዘ. የሱስ ኣብ ይሁዳ ክንደይ ከም ዝገበረ ብኸመይ ክንውስኖ ንኽእል፧