ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንሓደ ለምጻም ድንጋጽ ምርኣይ

ንሓደ ለምጻም ድንጋጽ ምርኣይ

ምዕራፍ 25

ንሓደ ለምጻም ድንጋጽ ምርኣይ

ሱስን እቶም ኣርባዕተ ደቀ መዛሙርቱን ነተን ኣብ ገሊላ ዝነበራ ከተማታት እናበጽሕወን ከለዉ ብዛዕባ እቲ ዝገብሮ ዝነበረ ዘደንቕ ነገራት ኣብ ምልእቲ እታ ኣውራጃ ተዘርግሐ። ወረ ናይቲ ዝገብሮ ነገራት ናብ ሓደ ለምጻም ዝነብረላ ከተማውን በጽሐ። እቲ ሓኪም ዝነበረ ሉቃስ “ለምጺ ዝመልኦ” ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ። እናበርትዐ ክኸይድ ከሎ እዚ ዘጨንቕ ሕማም እዚ ቀስ እናበለ ንእተፈላለየ ክፍሊ ኣካላት መልክዑ ኢዩ ዘበላሽዎ። ስለዚ እዚ ለምጻም እዚ ኣብ ዘሕዝን ኵነታት ኢዩ ነይሩ።

የሱስ ኣብታ ከተማ ምስ በጽሐ እቲ ለምጻም ናብኡ ቀረበ። ብመሰረት ሕጊ ኣምላኽ ሓደ ለምጻም ካልኦት ከይቀርብዎ እሞ እቲ ሕማም ከይተሓላለፎም ንምክልኻል ዓው ኢሉ “ርኹስ: ርኹስ” ክብል ነበሮ። ሕጂ ግን እዚ ለምጻም ኣብ ቅድሚ የሱስ ተደፊኡ “ጐይታይ: እንተ ትፈቱስ: ከተንጽሃኒ ትኽእል ኢኻ” ኢሉ ለመኖ።

እዚ ሰብኣይ ኣብ የሱስ ዝነበሮ እምነትሲ ኣየ ከመይ ዝበለ ኰን ኢዩ! ይኹን እምበር: እቲ ሕማሙ ኣበላሽይዎ ኢዩ ነይሩ። የሱስ እንታይ ክገብር ኢዩ፧ ንስኻ እንታይ ምገበርካ፧ ብድንጋጽ ተለዓዒሉ የሱስ ኢዱ ዘርግሐ እሞ: “ፈትየ አሎኹ: ንጻህ” ኢሉ ተንከዮ። ብኡንብኡ ኸኣ እቲ ለምጺ ሓደጎ።

ከምዚ ዝበለ ድንጋጽ ዘለዎ ሰብ ንጉስካ ክኸውን ትደሊዶ፧ እቲ የሱስ ነዚ ለምጻም እዚ ዝገበረሉ: እቲ “ንመሳኺንን ንድኻታትን ኪድንግጸሎም: ንነፍሲ ድኻታት ከኣ ኬድሕን እዩ” ዝብል ትንቢት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እዋን ግዝኣት መንግስቱ ክፍጽሞ ምዃኑ ከም እንተኣማመን ዝገብረና ኢዩ። እወ: ሽዑ የሱስ ነቲ ንዅሎም እተሃስዩ ናይ ምሕጋዝ ባህጊ ልቡ ክፍጽሞ ኢዩ።

ነቲ ለምጻም ቅድሚ ምሕዋዩ እውን ናይ የሱስ ኣገልግሎት ኣብ መንጎ እቶም ህዝቢ ዓቢ ሓጐስ ፈጢሩ ነይሩ ኢዩ። ናይ ኢሳይያስ ትንቢት ምእንቲ ክፍጸም ከኣ የሱስ ነቲ ዘሕወዮ ለምጻም “ኪድ ርእስኻ ንኻህን አርኢ: ስለ ዝነጻህካ ድማ ምስክር ምእንቲ ኪዀኖም: ከምቲ ሙሴ ዝአዘዞ: መስዋእቲ ሰውእ እምበር: ንሓደ እኳ ኣይትንገር” ኢሉ ኣዘዞ።

እቲ ሰብኣይ ግን ኣዝዩ ተሓጒሱ ስለ ዝነበረ እቲ ተኣምራት ንበይኑ ሒዝዎ ስቕ ክብል ኣይከኣለን። ከይዱ ነቲ ወረ ኣብ ኵሉ ክዝርግሖ ጀመረ: እዚ ኸኣ የሱስ ኣብ ከተማ ብግህዶ ምኻድ ክሳዕ ዝስእን ኣብቶም ህዝቢ ተገዳስነትን: ክፈልጡ ናይ ምድላይ ባህግን ኣለዓዓለ። በዚ ኸምዚ የሱስ ዋላ ሓደ ሰብ ናብ ዘይነብሮ ጽምው ዝበለ ቦታታት ከደ: ካብ ኵሉ ከባቢታት ከኣ ሰባት ንኽሰምዕዎን ካብ ሕማሞም ንኽሓውዩን መጹ። ሉቃስ 5:⁠12⁠-​16፣ ማርቆስ 1:⁠40⁠-​45፣ ማቴዎስ 8:2-4፣ ዘሌዋውያን 13:​45፣ 14:​10⁠-​13፣ መዝሙር 72:​13፣ ኢሳይያስ 42:1, 2

▪ ለምጺ እንታይ ሳዕቤን ክህልዎ ይኽእል: ሓደ ለምጻምከ እንታይ መጠንቀቕታ ኢዩ ክህብ ዝነበሮ፧

▪ ሓደ ለምጻም ንየሱስ ዝለመኖ ብኸመይ ኢዩ: ካብቲ የሱስ ዝሃቦ መልሲኸ እንታይ ኢና ክንማሃር እንኽእል፧

▪ እቲ ዝሓወየ ሰብኣይ ንየሱስ ካብ ምእዛዝ ዝሰነፈ ብኸመይ ኢዩ: ሳዕቤኑኸ እንታይ ነበረ፧