ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንሓደ ብዕዉሩ እተወልደ ሰብኣይ ምሕዋይ

ንሓደ ብዕዉሩ እተወልደ ሰብኣይ ምሕዋይ

ምዕራፍ 70

ንሓደ ብዕዉሩ እተወልደ ሰብኣይ ምሕዋይ

እቶም ኣይሁድ ንየሱስ እምኒ ክድርብዩሉ ምስ ደለዩ ካብ የሩሳሌም ኣይወጸን። ጸኒሑ ኣብ መዓልቲ ሰንበት ንሱን ደቀ መዛሙርቱን ኣብታ ኸተማ ክዛወሩ ከለዉ: ሓደ ብዕዉሩ እተወልደ ሰብኣይ ረኣዩ። እቶም ደቀ መዛሙርቱ ድማ “መምህር: ዕዉር ኰይኑ ዚውለድሲ መን እዩ ዝበደለ: ንሱዶ ወይስ ወለዱ፧” ኢሎም ሐተትዎ።

ምናልባት ከምቲ ገሊኦም ራቢታት ዝብልዎ እቶም ደቀ መዛሙርቲ እውን ሓደ ሰብ ኣብ ማህጸን ኣዲኡ ኰይኑ ክሓጥእ ይኽእል ኢዩ ኢሎም ይኣምኑ ነይሮም ይዀኑ። የሱስ ግን “ግብሪ ኣምላኽ ኣብኡ ምእንቲ ኺገሀድ ደኣ እዩ እምበር: ንሱ ኣይበደለ: ወለዱ ኣይበደሉ” በሎም። እቲ ሰብኣይ ዝዓወረ ንሱ ወይ ከኣ ወለዱ ፍልይ ዝበለ ጌጋ ወይ ሓጢኣት ስለ ዝፈጸሙ ኣይኰነን። እቲ ናይ መጀመርታ ሰብኣይ ኣዳም ብምሕጥኡ ኵሎም ሰባት ዘይፍጹማት ኰኑ: ስለዚ ኸኣ ከም ዕዉር ኴንካ ምውላድ ዝኣመሰለ ጕድለት ዘለዎም ኰኑ። ናይዚ ሰብኣይ እዚ ጕድለት ከኣ የሱስ ተግባር ኣምላኽ ንኸርኢ ኣጋጣሚ ከፈተሉ።

የሱስ እዚ ተግባራት እዚ ክገብር ህጹጽ ከም ዝዀነ ኣጕልሐ። “መዓልቲ ኸላ: ግብሪ እቲ ዝለአኸኒ ኽገብር ይግብኣኒ እዩ: ሓደ እኳ ኺዐየላ ዘይከአሎ ለይቲ ትመጽእ አላ። ኣነ ኣብ ዓለም ከሎኹ: ብርሃን ዓለም እየ” በሎም። ድሕሪ ሓጺር ግዜ ሞት ንየሱስ ኣብቲ ዋላ ሓንቲ ክገብረሉ ዘይክእል ናይ መቓብር ጸልማት ከእትዎ ኢዩ። ክሳዕ ሽዑ ግን: ንዓለም ምንጪ ብርሃን ኢዩ።

እዚ ነገራት እዚ ድሕሪ ምዝራቡ የሱስ ኣብ መሬት ጡፍ በለ እሞ በቲ ጥፍጣፍ ገይሩ ጭቃ ኣዳለወ። ነቲ ጭቃ ኣብ ኣዒንቲ እቲ ዕዉር ለኽዩ “ኣብቲ ቐላይ ሰሊሆም . . . ኬድካ ተሐጸብ” በሎ። እቲ ሰብኣይ ተኣዘዘ። ከይዱ ምስ ተሓጽበ ኸኣ ክርኢ ከኣለ! ክምለስ ከሎ ኣብ ህይወቱ ንመጀመርታ ግዜ ብምርኣዩ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ተሓጒሱ!

ጐረባብቱን: ካልኦት ዝፈልጥዎን ኣዝዮም ተገረሙ። “እዝስ እቲ ተቐሚጡ ዚልምን ዝነበረ ደይኰነን፧” ኢሎም ሓተቱ። ገሊኦም “ንሱ እዩ” ኢሎም መለሱ። ካልኦት ግን ክኣምኑ ኣይከኣሉን እሞ: “ኣይኰነን: ንእኡ ደኣ እዩ ዚመስል” በሉ። እቲ ሰብኣይ ግን “ኣነባ እየ” በለ።

እቶም ሰባት “ከመይ ኢለን ደኣ ኣዒንትኻ ተኸፍታ፧” ኢሎም ሓተትዎ።

“እቲ የሱስ ዚብሀል ሰብኣይ: ጸብሪ ገይሩ ኣዒንተይ ለኽዩ፤ ኪድ እሞ ናብ ሰሊሆም ተሐጸብ: በለኒ። ከድኩ እሞ ተሐጺበ ርኤኹ” ኢሉ መለሰሎም።

“እቲ ሰብኣይ እቲኸ ኣበይ አሎ፧” ኢሎም ሓተትዎ።

ንሱ ኸኣ “ኣይፈልጥን” በሎም።

እቶም ህዝቢ ነቲ ዕዉር ዝነበረ ሰብኣይ ናብቶም ሃይማኖታውያን መራሕቶም: ናብ ፈሪሳውያን ወሰድዎ። ንሳቶም እውን ከመይ ገይሩ ክርኢ ከም ዝኸኣለ ሓተትዎ። እቲ ሰብኣይ ከኣ “ጸብሪ ኣብ ኣዒንተይ ገበረለይ: ተሐጸብኩ እሞ ርኤኹ” ኢሉ ገለጸሎም።

ብርግጽ እቶም ፈሪሳውያን ምስቲ ዝሓወየ ለማኒ ክሕጐሱ ኢዩ ዝግብኦም! ኣብ ክንዲ ዝሕጐሱ ግን ንየሱስ ኰነንዎ። “እዚ ሰብኣይ እዚ . . . ካብ ኣምላኽ ኣይኰነን” በሉ። ከምኡ ዝበሉ ስለምንታይ ኢዮም፧ ‘ሰንበት ስለ ዘየኽበረ’ ኢዮም ከምኡ ዝበሉ። ይኹን እምበር: ካልኦት ፈሪሳውያን ከኣ “ሓጥእ ሰብ ደኣ ኸመይ ገይሩ ኸምዚ ዝበለ ተኣምራት ኪገብር ይኽእል፧” ብምባል ተገረሙ። ኣብ መንጎኦም ከኣ ምፍልላይ ኰነ።

ስለዚ ነቲ ሰብኣይ “ንስኻኸ: ኣዒንትኻ ኸፊቱልካ እዩ እሞ: ብዛዕባኡ እንታይ ትብል፧” በልዎ።

ንሱ ኸኣ “ነብዪ እዩ” ኢሉ መለሰሎም።

እቶም ፈሪሳውያን ነዚ ክኣምንዎ ኣይደለዩን። ስለዚ እቲ ሰብኣይን የሱስን ነቶም ህዝቢ ምእንቲ ከዐሽዉ ገለ ምስጢራዊ ስምምዕ ገይሮም ኢዮም ኢሎም ሓሰቡ። ስለዚ ነቲ ጕዳይ መፍትሒ ንምርካብ: ንስድራቤት እቲ ለማኒ ምእንቲ ክሓትዎም ጸውዑዎም። ዮሃንስ 8:⁠59፣ 9:1-18

▪ እቲ ሰብኣይ ዕዉር ምዃኑ መን ኢዩ ተሓታቲ: ዘይሕተትከ መን ኢዩ፧

▪ እቲ ዋላ ሓደ ሰብ ክሰርሓሉ ዘይክእል ለይቲ እንታይ ኢዩ፧

▪ እቲ ሰብኣይ ምስ ሓወየ እቶም ዝፈልጥዎ እንታይ ምላሽ ሃቡ፧

▪ ብዛዕባ ምሕዋይ ናይቲ ሰብኣይ ኣብ መንጎ ፈሪሳውያን ምፍልላይ ዝዀነ ብኸመይ ኢዩ፧