ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንሓደ ዘፍርህ ማዕበል ምህዳእ

ንሓደ ዘፍርህ ማዕበል ምህዳእ

ምዕራፍ 44

ንሓደ ዘፍርህ ማዕበል ምህዳእ

ነቶም ኣብቲ ገምገም ባሕሪ ዝነበሩ ህዝቢ ምምሃርን ብድሕሪኡ ድማ ነቲ ምሳሌታት ንደቀ መዛሙርቱ ንበይኖም ምግላጽን እውን ሓዊስካ የሱስ ብዙሕ ዕዮታት ክዓዪ ኢዩ ውዒሉ። ኣማስይኡ ኸኣ “ናብ ማዕዶ ንሳገር” በለ።

ብወገን ምብራቓዊ ገማግም ባሕሪ ገሊላ ካብቲ ዴ ʹካ “ዓሰርተ” ከምኡውን ፖ ʹሊስ “ከተማ” ተባሂሉ ዝትርጐም ናይ ግሪኽ ቃላት እተሰየመ ዓሰርተ ዓዲ ዝበሃል ዞባ ኣሎ። ከተማታት ዓሰርተ ዓዲ ናይ ብዙሓት ኣይሁድ ዓዲ እኳ እንተነበረ ማእከል ናይ ግሪኽ ባህልታት እውን ኢዩ ነይሩ። እቲ የሱስ ኣብቲ ዞባ እቲ ዝገብሮ ዝነበረ ንጥፈታት ግን ኣዝዩ ውሱን ኢዩ ነይሩ። ጸኒሕና ከም እንርእዮ ኣብዛ ሕጂ ዝገብራ ዘሎ ምብጻሕ እውን ከይተረፈ ነዊሕ ከይጸንሕ ተኸልኪሉ ኢዩ።

የሱስ ናብ ማዕዶ ክኸዱ ምስ ሓተተ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ጃልባ ወሰድዎ። እንተዀነ ግን ይኸዱ ምህላዎም ኣስተብሃሉሎም። ካልኦት እውን ብኡንብኡ ኣብ ጃላቡኦም ደይቦም ምስኦም ከዱ። ብዙሕ ርሑቕ ኣይኰነን። ባሕሪ ገሊላ ስፍሓቱ 21 ኪሎ ሜተር ንውሓቱ ኸኣ እንተ በዝሐ 12 ኪሎ ሜተር ኢዩ።

የሱስ ደኺሙ ከም ዝነበረ ርዱእ ኢዩ። ስለዚ ምስ ነቐሉ ኣብ ድሕሪት ናይታ ጃልባ ኣብ መተርኣስ ተተርኣሰ: ብኡንብኡ ዓሚቝ ድቃስ ወሰዶ። ብዙሓት ካብቶም ሃዋርያቱ ብዙሕ ግዜ ኣብ ባሕሪ ገሊላ ዓሳ ዝገፉ ዝነበሩ ስለ ዝዀኑ ተመክሮ ዘለዎም ባሕረኛታት ኢዮም ነይሮም። ስለዚ ናይታ ጃልባ ሓላፍነት ወሰዱ።

እንተዀነ ግን እዚ ቀሊል ጕዕዞ ኣይነበረን። ሓድሓደ ግዜ ኣብቲ 213 ሜትሮ ትሕቲ ጽፍሒ ባሕሪ ዝርከብ ቀላይ ዘሎ ውዑይ ኣየርን ኣብቲ ጥቕኡ ዝነበረ ጎቦታት ዘሎ ዝሑል ኣየርን ብርቱዕ ንፋስ ስለ ዘምጽእ: ብሃንደበት ብርቱዕ ማዕበል ይፍጠር ነበረ። ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ድማ ብርቱዕ ማዕበል ኰነ። ብዙሕ ከይጸንሐ እታ ጃልባ ኽትጥሕል ክሳዕ እትደሊ ማዕበል ክጸፍዓን ማይ ክኣትዋን ጀመረ። የሱስ ግን ደቂሱ ነበረ!

እቶም ተመክሮ ዝነበሮም ባሕረኛታት ነታ ጃልባ ንምዝዋር ኣበርቲዖም ሰርሑ። ብዘይ ጥርጥር ቅድሚ እዚ ኣብ ዝነበረ እዋናት ከምኡ ዝበለ ማዕበላት ተዋጺኦምሉ ኢዮም። ኣብዚ ግዜ እዚ ግን ዝከኣሎም ኵሉ ኢዮም ገይሮም። ንህይወቶም ስለ ዝፈርሑ ኸኣ ንየሱስ ኣተንስእዎ። “መምህር: ክንጠፍእዶ ግድና የብልካን፧” “ጠፋእና: ኣድሕነና” በልዎ።

የሱስ ተንሲኡ ነቲ ንፋስ ‘ስቕ በል ህዳእ’ ኢሉ ገንሖ። እቲ ብርቱዕ ንፋስ ዝግ በለ እቲ ባሕሪ እውን ሃድአ። ናብ ደቀ መዛሙርቱ ምልስ ኢሉ ኸኣ “ስለምንታይ እዩ ኸምዚ ዝፈራህኩም፧ ከመይ: እምነትዶ የብልኩምን፧” በሎም።

ሽዑ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኣዝዮም ፈርሑ። ንሓድሕዶም ከኣ “እዚ ንፋስን ባሕርን ዚእዘዙሉስ መን ኰን እዩ፧” ተባሃሃሉ።

ኣየ ከመይ ዝበለ ሓይሊ ኰን ኢዩ የሱስ ዘርኣየ! ንጉስና ኣብ ልዕሊ ባህርያዊ ነገራት ሓይሊ ከም ዘለዎ ከምኡውን ኣብ እዋን መንግስታዊ ግዝኣቱ ምሉእ ብምሉእ ቈላሕትኡ ናብ ምድርና ምስ ገበረ ኵሎም ሰባት ካብ ዘፍርሕ ባህርያዊ ሓደጋታት ናጻ ኰይኖም ብርግኣት ክነብሩ ምዃኖም ምፍላጥ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ዘተኣማምን ኰን ኢዩ!

እቲ ማዕበል ዝግ ምስ በለ ድሕሪ ገለ ግዜ የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ናብቲ ምብራቓዊ ወገን ናይቲ ገምገም ባሕሪ ብደሓን በጽሑ። ምናልባት እተን ካልኦት ጀላቡ እውን ካብቲ ብርቱዕ ማዕበል ድሒነን ናብ ቤተን ብሰላም ተመሊሰን ይዀና ኢየን። ማርቆስ 4:⁠35⁠–​5:⁠1፣ ማቴዎስ 8:⁠18, 23⁠-​27፣ ሉቃስ 8:⁠22⁠-​26

▪ ዓሰርተ ዓዲ እንታይ ኢዩ: ኣበይከ ኢዩ ዝርከብ፧

▪ ነቲ ኣብ ባሕሪ ገሊላ ዝርአ ብርቱዕ ማዕበል ዘምጽኦ ባህርያዊ ነገራት እንታይ ኢዩ፧

▪ እቲ ናይ ምጅላብ ክእለቶም ከም ዘየድሕኖም ምስ ፈለጡ: እቶም ደቀ መዛሙርቲ እንታይ ኢዮም ገይሮም፧