ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንመወዳእታ ግዜ እተራእየሉ እዋናት: ከምኡውን ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ.

ንመወዳእታ ግዜ እተራእየሉ እዋናት: ከምኡውን ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ.

ምዕራፍ 131

ንመወዳእታ ግዜ እተራእየሉ እዋናት: ከምኡውን ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ.

ድሕሪ ገለ ግዜ የሱስ ምስቶም 11 ሃዋርያቱ ኣብ ሓደ ከረን ናይ ገሊላ ክራኸብ መደበ። ካልኦት ሃዋርያት እውን ብዛዕባ እቲ ኣኼባ እቲ ተነግሩ: 500 ዝዀኑ ሰባት ድማ ተኣከቡ። የሱስ ምስ ተራእዮምን ክምህሮም ምስ ጀመረን ኣየ ከመይ ዝበለ ዘሐጕስ ዓቢ ኣኼባ ኰን ኢዩ ዝነበረ!

ገለ ካብቲ የሱስ ነቶም ብዙሓት ህዝቢ ዝገለጸሎም ከኣ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ስልጣን ከም እተዋህቦ ኢዩ። “ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም: ዝአዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም: ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም። እንሆ ድማ: ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ” ኢሉ ኣተባብዖም።

ሕስብ እሞ ኣብሎ! ሰብኡት: ኣንስቲ: ከምኡውን ቈልዑ ኵሎም ኣብቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ንኽካፈሉ ሓደ ዓይነት መልእኽቲ ኢዩ ተዋሂብዎም። ተቓወምቲ ነቲ ናይ ምስባኽን ምምሃርን ዕዮ ደው ከብልዎ ክጽዕሩ ኢዮም: የሱስ ግን “እንሆ ድማ: ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ” ብምባል ኣጸናንዖም። የሱስ ብመንፈስ ቅዱስ ኣቢሉ ነቲ ኣገልግሎት ክፍጽምዎ ንኽሕግዞም ምስቶም ሰዓብቱ ኢዩ ዝኸውን።

የሱስ ድሕሪ ትንሳኤኡ ብጠቕላልኡ ን40 መዓልቲ ዝኸውን ህያው ከም ዝዀነ ገዛእ ርእሱ ነቶም ሃዋርያቱ ኣርኣዮም። ኣብቲ እተራእየሉ ግዜ ኸኣ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ መሪሕነት ሃቦም: ከም ደቀ መዛሙርቱ መጠን ዘለዎም ሓላፍነታት ከኣ ኣጕልሐ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ነቲ በዲኡ ሓዉ ዝነበረ ያእቆብ እውን ተራእዮ እሞ ነዚ ሓደ ግዜ ዘይኣምን ዝነበረ ሰብ ንሱ ብሓቂ እቲ ክርስቶስ ምዃኑ ከም ዝኣምን ገበሮ።

እቶም ሃዋርያት ገና ኣብ ገሊላ ከለዉ: የሱስ ናብ የሩሳሌም ክምለሱ ብርግጽ ነጊርዎም ኢዩ። ኣብኡ ምስኦም ምስ ተራኸበ ‘ዮሃንስ ብማይ ኢዩ ዘጥመቐ: ንስኻትኩም ግና ድሕሪ ቑሩብ መዓልቲ ብመንፈስ ቅዱስ ክትጥመቑ ኢኹም እሞ: ነቲ ኻባይ ዝሰማዕኩምዎ ተስፋ ኣቦ ተጸበዩ: ካብ የሩሳሌም ኣይትውጽኡ’ በሎም።

ብድሕርዚ የሱስ እንደገና ምስቶም ሃዋርያቱ ተራኸበ እሞ ካብ ከተማ ወጺኡ ክሳዕ እታ ብምብራቓዊ ቍልቍለት ናይ ደብረ ዘይቲ እትርከብ ቢታንያ መርሖም። እቲ ዝገርም ግን: ድሕሪ ሓጺር ግዜ ንሰማይ ከም ዝኸይድ እኳ እንተ ነገሮም ገና መንግስቱ ኣብ ምድሪ ከም እትቐውም ገይሮም ኢዮም ዝኣምኑ ነይሮም። ስለዚ ኸኣ “ጐይታይ: በዚ ወርሓት እዚዶ ንእስራኤል መንግስቲ ኸተቕንዕ ኢኻ፧” ኢሎም ሓተትዎ።

የሱስ ነቲ ጌጋ ዝዀነ ምርድኦም ከዐሪ ኣብ ክንዲ ዝፍትን “ኣቦ ብስልጣኑ ዝመደቦ ዘመኑን ጊዜኡን ክትፈልጡ ናታትኩም ኣይኰነን” ኢሉ ጥራይ መለሰሎም። ብድሕርዚ ነቲ ክገብርዎ ዘለዎም ዕዮ ብምጕላሕ “መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ዚወርድ ግና: ሓይሊ ኽትቅበሉ: ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ኵላ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምስክር ክትኰኑኒ ኢኹም” በሎም።

እናረኣይዎ ከለዉ ኸኣ ናብ ሰማይ ገጹ ከደ: ደበና ኸኣ ካብ ኣዒንቶም ከወሎ። ነቲ ስጋዊ ኣካሉ ድሕሪ ምግዳፉ ኸኣ ከም መንፈሳዊ ኣካል ኰይኑ ናብ ሰማይ ዓረገ። እቶም 11 ናብ ሰማይ ገጾም እናጠመቱ ደው ኢሎም ከለዉ ኸኣ ጻዕዳ ክዳውንቲ እተኸድኑ 2 ሰብኡት ተራእይዎም። እዞም ስጋ ዝለበሱ መላእኽቲ ኸኣ “ኣቱም ሰብ ገሊላ: ስለምንታይ ናብ ሰማይ እናጠመትኩም ደው ኢልኩም ዘሎኹም፧ እዚ ኻባኻትኩም ናብ ሰማይ ዝዐረገ የሱስ: ከምቲ ናብ ሰማይ ኪዐርግ ከሎ ዝርኤኹምዎ ኸምኡ ገይሩ ኸኣ ኪመጽእ እዩ” በሉዎም።

የሱስ ካብ ምድሪ ክኸይድ ከሎ ህዝቢ ከይረኣዮ: እቶም እሙናት ሰዓብቱ ጥራይ እናረኣይዎ ኢዩ ከይዱ። ስለዚ ክምለስ ከሎ ኸኣ ብተመሳሳሊ መገዲ ኢዩ: ህዝቢ ኣይክርእዮን ኢዩ ከም እተመልሰን ብመንግስታዊ ስልጣኑ ዝህልወሉ ግዜ ከም ዝጀመረን ከኣ እቶም እሙናት ሰዓብቱ ጥራይ ከስተውዕልዎ ኢዮም።

ሕጂ ኸኣ እቶም ሃዋርያቱ ካብ ደብረ ዘይቲ ወሪዶም: ንስንጭሮ ቄድሮን ሰጊሮም እንደገና ናብ የሩሳሌም ኣተዉ። ንየሱስ ብምእዛዝ ከኣ ኣብኡ ጸንሑ። ድሕሪ ዓሰርተ መዓልቲ ኣብቲ ኣይሁድ ዘብዕልዎ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. እቶም 120 ደቀ መዛሙርቲ ኣብቲ ኣብ ደርቢ ዝነበረ ኣደራሽ ተኣኪቦም ከለዉ ከም ደሃይ ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ዝበለ ድምጺ ነታ ቤት መልኣ። ከም ልሳን ሓዊ ዝመስል ከኣ ተራእየ: ኣብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፍ እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ኸኣ ተቐመጠ: እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ብእተፈላለየ ቋንቋታት ክዛረቡ ጀመሩ። እዚ ኸኣ ምፍሳስ ናይቲ የሱስ እተመባጽዓሉ መንፈስ ቅዱስ ኢዩ! ማቴዎስ 28:⁠16-20፣ ሉቃስ 24:⁠49-52፣ 1 ቈረንቶስ 15:⁠5-7፣ ግብሪ ሃዋርያት 1:⁠3-15፣ 2:⁠1-4

▪ የሱስ ኣብ ጎቦ ገሊላ ክፋነዎም ከሎ እቲ መምርሒ ንመን ኢዩ ዝሃቦ: እዚ መምርሒታት እዚኸ እንታይ ኢዩ፧

▪ የሱስ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ እንታይ መጸናንዒ ኢዩ ሂብዎም: ምስኦም ዝኸውንከ ብኸመይ ኢዩ፧

▪ የሱስ ድሕሪ ትንሳኤኡ ንኽንደይ ዝኣክል ግዜ ኢዩ ንደቀ መዛሙርቱ እተራእዮም: እንታይከ ኢዩ ዝማሃሮም፧

▪ የሱስ ቅድሚ ሙማቱ ወደ መዝሙሩ ዘይነበረ እሞ የሱስ እተራእዮ መን ኢዩ፧

▪ የሱስ እንታይ ክልተ ናይ መወዳእታ ኣኼባታት ኢዩ ምስ ሃዋርያቱ ዝገበረ: ኣብዘን ኣጋጣሚታት እዚኣተንከ እንታይ ኢዩ ዘጋጠመ፧

▪ የሱስ ከምቲ ዝኸዶ ኣገባብ ገይሩ ዝምለስ ብኸመይ ኢዩ፧

▪ ኣብ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. እንታይ ኣጋጠመ፧