ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንማርታ እተዋህበ ምኽርን ናይ ጸሎት ትምህርትን

ንማርታ እተዋህበ ምኽርን ናይ ጸሎት ትምህርትን

ምዕራፍ 74

ንማርታ እተዋህበ ምኽርን ናይ ጸሎት ትምህርትን

የሱስ ኣብ ይሁዳ ኰይኑ ከገልግል ከሎ: ናብ ቢታንያ ኣተወ። ማርታ: ማርያም ከምኡውን ሓወን ኣልኣዛር ኣብዚ ኢዮም ዝነብሩ። ምናልባት የሱስ ንሰለስቲኦም ኣቐዲሙ ኣብ ኣገልግሎቱ ረኺብዎም ክኸውን ይኽእል ኢዩ: ስለዚ ድሮ ናይ ቀረባ ዓርኮም ነይሩ ይኸውን። ዝዀነ ዀይኑ ሕጂ የሱስ ናብ ቤት ማርታ ኸደ ንሳ ኸኣ ብጽቡቕ ተቐበለቶ።

ማርታ ብዝከኣላ መጠን ንየሱስ እቲ ዝበለጸ ክትገብረሉ ኢያ ትደሊ። እቲ መብጽዓ እተገብረሉ መሲሕ ኣብ ገዛኻ ክመጸካ ብሓቂ ዓቢ ክብሪ ኢዩ! ስለዚ ማርታ የሱስ ኣብኡ ክሳዕ ዘሎ ባህ ምእንቲ ክብሎን ክጥዕሞን ብሉጽ መግቢ ንምድላውን ካልእ ብዙሕ ነገራት ንምግባርን ላዕልን ታሕትን ትብል ነበረት።

በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ ማርያም ሓፍቲ ማርታ ኣብ እግሪ የሱስ ኮፍ ኢላ ትሰምዖ ነበረት። ቁሩብ ጸኒሓ ማርታ ናብ የሱስ ቀሪባ “ጐይታይ: ሓብተይ ሐዲጋትኒ በይነይ ከገልግልዶ ግዲ የብልካን ኢኻ፧ እምብኣርከ ኽትድግፈኒ ንገራ” በለቶ።

የሱስ ግን ንማርያም ኣይተዛረባን። ኣብ ክንድኡስ ንማርታ ስጋዊ ነገራት ንምቕራብ ብዙሕ ብምሽቓላ መኸራ። ብሕያውነት ከኣ “ማርታ: ማርታ: ብብዙሕ ነገር ትጭነቕን ትጕህይን አሎኺ። እቲ ዜድሊ ግና ሓደ ጥራይ እዩ” ብምባል ብሕያውነት መዓዳ። የሱስ ብዙሕ ዓይነት መግቢ ኣብ ምድላው ብዙሕ ግዜ ምጥፋእ ኣየድልን ኢዩ ዝብል ዘሎ። ሒደት ወይ ከኣ ሓደ ዓይነት መግቢ ጥራይ እውን እኹል ኢዩ።

ናይ ማርታ ድራኸ ሰናይ ኢዩ፣ ተቐባሊት ጋሻ ክትከውን ኢያ ደልያ። እንተዀነ ግን: ኣብ ስጋዊ ነገራት ኣትኵሮ ብምግባራ እቲ ወዲ ኣምላኽ ዝህቦ ዘሎ ትምህርቲ ናይ ምርካብ ኣጋጣሚ ይሓልፋ ኣሎ! ስለዚ የሱስ “ማርያምሲ ኻብኣ ዘይውሰድ ጽቡቕ ግደ ሐርያ አላ” በላ።

ጸኒሑ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ሓደ ወደ መዝሙር “ጐይታይ: ከምቲ ዮሃንስ ንደቀ መዛሙርቱ ዝመሀሮም: ምጽላይ ምሀረና” በሎ። ቅድሚ ሓደ ዓመትን መንፈቕን የሱስ ኣብቲ ናይ ከረን ስብከቱ እቲ ናይ ኣብነት ጸሎት ክነግሮም ከሎ እዚ ወደ መዝሙር እዚ ኣይነበረን ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ስለዚ የሱስ እቲ ትምህርቱ እንደገና ደገሞ: ኣድላይነት ናይ ቀጻሊ ጸሎት ንምጕላሕ ግን ምሳሌ ሃበ።

የሱስ ከምዚ ክብል ጀመረ:- ‘መን እዩ ኻባኻትኩም ዓርኪ ዘለዎ: ፈረቓ ለይቲ ናብኡ ኸይዱ፤ ዓርከይ: ፈታዊ ኻብ መገዲ መጺኡንስ: ዝቕርበሉ ስኢነ እሞ: ሰለስተ እንጌራ ኣለቅሓኒ: እንተ በሎ: እቲ ኸኣ ካብ ውሽጢ መሊሱ፤ ኣይተድክመኒ: ሕጂ ማዕጾ ተሸጒሩ: ደቀይ ከኣ ምሳይ ኣብ ዓራት እዮም ዘለዉ: ተንሲኤ ኽህበካ ኣይዀነለይን ዝብሎ፧ ዓርኩ ስለ ዝዀነ ኺህቦ እኳ እንተ ዘይተንስኤ: ምእንቲ ድቃስ ከይኸልኦ ኢሉ ይትንስእ እሞ ዝደለዮ ይህቦ።’

የሱስ ከምዚ ዝበለ ምምስሳል ክገብር ከሎ: የሆዋ ኣምላኽ ከምቲ ኣብዚ ዛንታ ዘሎ ፈታዊ ነቲ ዝቐርቦ ልመና ክምልስ ፍቓደኛ ኣይከውንን ኢዩ ማለቱ ኣይኰነን። ኣብ ክንድኡስ ሓደ ፍቓደኛ ዘይኰነ ፈታዊ ነቲ ቀጻሊ ልመና ዝምልሰሉ ካብ ኰነ: እቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ኸኣ ክሳዕ ክንደይ ዝበለጸ ከም ዝምልሰልና ኢዩ ዘብርህ ዘሎ! ስለዚ የሱስ “ኣነ ኸኣ፤ ዚልምን ዘበለ ይቕበል: ዚደሊ ይረክብ: ማዕጾ ዃሕኳሕ ንዘበለውን ይኽፈተሉ እዩ እሞ: ለምኑ ኺውሀበኩም: ድለዩ ኽትረኽቡ ኢኹም: ማዕጾውን ኳሕኳሕ ኣብሉ: ኪኽፈተልኩም እዩ: እብለኩም አሎኹ” በሎም።

ካብኡ የሱስ ንዘይፍጹማት ሓጢኣተኛታት ኣቦታት ከም መወከሲ ብምውሳድ ከምዚ በሎም:- ‘ካባኻትኩምከ እንታዋይ ኣቦ እዩ: ዓሳ እንተ ለመኖ: ኣብ ክንዲ ዓሳስ ተመን ዚህቦ፧ ወይስ እንቋቝሖ እንተ ለመኖ: ዕንቅርቢትዶ ይህቦ፧ እምብኣርሲ ንስኻትኩም እኳ ኽፉኣት ክነስኹም: ንደቅኹም ጽቡቕ ህያብ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም: እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦ ግዳ ንዚልምንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ መንፈስ ቅዱስ ዘይህቦም፧’ ብሓቂ: የሱስ ብቐጻሊ ንምጽላይ ዝኸውን ዘነቓቕሕ መተባብዒ ሃበ። ሉቃስ 10:⁠38–11:⁠13

▪ ማርታ ንየሱስ ክሳዕ ክንድዚ ዓቢ ምድላው ክትገብረሉ ዝደለየት ስለምንታይ ኢዩ፧

▪ ማርያም እንታይ ገበረት: የሱስ ኣብ ክንዲ ንማርታ ንዓኣ ዝነኣደ ስለምንታይ ኢዩ፧

▪ የሱስ እቲ ናይ ጸሎት ትምህርቲ ንኽደግሞ ዘለዓዓሎ እንታይ ኢዩ፧

▪ ብቐጻሊ ምጽላይ ከም ዘድሊ የሱስ ብኸመይ ኣብርሀ፧