ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንርስቲ ዝምልከት ሕቶ

ንርስቲ ዝምልከት ሕቶ

ምዕራፍ 77

ንርስቲ ዝምልከት ሕቶ

እቶም ህዝቢ የሱስ ኣብ ቤት እቲ ፈሪሳዊ ምዕዳሙ ከም ዝፈልጡ ርዱእ ኢዩ። ስለዚ ኣብ ደገ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት የሱስ ክወጽእ ይጽበዩ ነበሩ። ከምቶም ንየሱስ ዝቃወምዎን ገለ ጌጋ ክዛረብ እሞ ክሕዝዎ ዝጽበዩን ዝነበሩ ፈሪሳውያን ዘይኰነስ: እቶም ህዝቢ ብምምሳው ኢዮም ዝሰምዕዎ።

የሱስ መጀመርታ ናብቶም ደቀ መዛሙርቱ ግልጽ ኢሉ “ኻብ ማይ ብሑቝ ፈሪሳውያን: ንሱ ድማ ግብዝና: ርእስኹም ሐልዉ” በሎም። እናበልዑ ከለዉ ከም እተራእየ ብምሉኡ ሃይማኖታዊ ስርዓት ፈሪሳውያን ግብዝና ዝመልኦ ኢዩ። ክፍኣት ናይ ፈሪሳውያን በቲ ኣምስሉ ዝዀነ ሃይማኖታውነቶም እኳ እንተ ተሓብአ: ኣብ መወዳእትኡ ግን ክቕላዕ ኢዩ። የሱስ “ስዉር ዘይቅላዕ: ሕቡእውን ዘይፍለጥ የልቦን” በሎም።

ካብኡ ቀጺሉ እቲ ነቶም 12 ናብ ገሊላ ከይዶም ክሰብኩ ክልእኮም ከሎ ዝሃቦም መተባብዒ ደገሞ። ከምዚ በሎም:- “ስጋ ንዚቐትሉ: ድሕርቲ ኻብኡ ንንየው ዚገብርዎ ንዜብሎም ኣይትፍርህዎም።” ኣምላኽ ንሓንቲ ዑፍ እውን እንተዀነት ኣይርስዕን ኢዩ: ስለዚ የሱስ ንሰዓብቱ ኣምላኽ ከም ዘይርስዖም ኣረጋገጸሎም። ከምዚ በለ:- “ናብ ኣባይቲ ጸሎትን ናብ መኳንንትን ገዛእትን እንተ ወሰዱኹም: በታ ሰዓት እቲኣ እንታይ ምዝራብ ከም ዚግባእ: መንፈስ ቅዱስ ኪምህረኩም እዩ።”

ሓደ ኻብቶም ህዝቢ “መምህር: ንሓወይ ርስተይ ኪመቕለኒ በለለይ” ኢሉ ለመኖ። ምስሕሓብ ምእንቲ ከይፍጠር ሕጊ ሙሴ እቲ ቦኽሪ ክልተ ኢድ ከም ዝወስድ ይዛረብ። እዚ ሰብኣይ ግን ካብቲ ብሕጊ ዝግብኦ ንላዕሊ ከም ዝደለየ ርዱእ ኢዩ።

የሱስ ከኣ “ኣታ ሰብኣይ: ኣባኻትኩምከ ዳኛን መማቐልን ገይሩ መን ሸይሙኒ፧” ብምባል ኣብቲ ጕዳይ ኢዱ ከየእቱ ኣበየ። ካብኡ ኸኣ “ህይወት ሰብ ብብዝሒ ገንዘብ ኣይኰነትን እሞ: ተጠንቀቑ: ካብ ኵሉ ስስዔ ኸኣ ርእስኹም ሐልዉ” ብምባል መዓዶም። እወ: ሓደ ሰብ ዘለዎ ሃብቲ ብዘየገድስ ይመውት: ንዅሉ ኸኣ ብድሕሪኡ ይሓድጎ። ነዚ ሓቂ እዚ ንምጕላሕ ከምኡውን ምስ ኣምላኽ ጽቡቕ ርክብ ኣብ ዘይምግባር ዘሎ ዕሽነት ንምርኣይ የሱስ ሓንቲ ምሳሌ ተጠቕመ። ከምዚ ኢሉ ኸኣ ይገልጽ:-

“ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ግርሁኡ ቐደወሉ። ብልቡ ኸኣ፤ እኽለይ ዝእክበላ ስፍራ የብለይን: እንታይ ደኣ ኽገብር እየ፧ ኢሉ ሐሰበ። ንሱ ድማ፤ ከምዚ እገብር፤ ንማዕከነይ ኣፍሪሰ: ኣግፊሔ እሰርሖ: ኣብኡ ኸኣ ኵሉ እኽለይን ሃብተይን እእክብ። ንነፍሰይውን፤ ኣቲ ነፍሰይ: ብዙሕ እተደለበ ሃብቲ ንብዙሕ ዓመታት ዚአኽለኪ አሎኪ እሞ ዕረፊ: ብልዒ: ስተዪ: ተሐጐሲ: እብላ: በለ። ኣምላኽ ግና፤ ኣታ ዓሻ: ንነፍስኻ ኻባኻ ኺወስድዋ: በዛ ለይቲ እዚኣ ይደልይዋ አለዉ። እዚ ዝደለብካዮ ደኣ ንመን ኪኸውን እዩ፧ በሎ።”

ኣብ መደምደምታ ኸኣ “እቲ ንርእሱ መዝገብ ዚእክብ: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታም ዘይኰነ ኸምኡ እዩ” በሎም። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ሃብቲ ብናይ ምድላብ ዕሽነት ዘይጻወዱ እኳ እንተዀኑ: ብምኽንያት መዓልታዊ ሓልዮት ናብራ ግን ንየሆዋ ብምሉእ ልቦም ንኸየገልግሉ ብቐሊሉ ክዝንብሉ ይኽእሉ ኢዮም። ስለዚ የሱስ ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ነቲ ቅድሚ ዓመትን መንፈቕን ሂብዎ ዝነበረ ሰናይ ምኽሪ ንምድጋም ተጠቕመሉ። ናብ ደቀ መዛሙርቱ ግልጽ ኢሉ ከምዚ በለ:-

“ንህይወትኩም ብትበልዕዎ ወይስ ንስጋኹም ብትኽደንዎ ኣይትጨነቑ: እብለኩም አሎኹ። ናብ ኳዃትማ ኣስተብህሉ፤ ኣምላኽ ይቕልቦም እምበር: ኣይዘርኡ ኣይዐጽዱ: ማዕከን ወይ ቆፎ የብሎምን። . . . ዕምባባታት ከመይ ኢሎም ከም ዚዐብዩ ኣስተብህሉ፤ ኣይጽዕሩን ኣይፈትሉን እዮም። ሰሎሞን እኳ በቲ ዅሉ ኽብረቱ ኸም ሓደ ኻባታቶም ኣይተኸድነን: እብለኩም አሎኹ። . . .

“ንስኻትኩም ከኣ እትበልዕዎን እትሰትይዎን ኣይትድለዩን ኣይትጨነቑን። ነዚ ዅሉስ ኣህዛብ ዓለም ይደልይዎ እዮም እሞ: እዚ ዅሉ ኸም ዜድልየኩምሲ: ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ። መንግስቲ ኣምላኽ ደኣ ድለዩ: እዚ ዅሉ ድማ ኪውሰኸልኩም እዩ።”

ብፍላይ ኣብ እዋን ቍጠባዊ ጸገም እዘን ናይ የሱስ ቃላት ኣጸቢቕካ ኣብ ግምት ክኣትዋ ይግብአን። እቲ ብዛዕባ ንዋታዊ ነገራት ካብ መጠን ንላዕሊ ብምጭናቑ ንመንፈሳዊ ንጥፈታቱ ሸለል ዝብል ሰብ: ኣምላኽ ንኣገልገልቱ ከዳልወሎም ክእለት ከም ዘለዎ እምነት የጕድል ኣሎ ማለት ኢዩ። ሉቃስ 12:​1-31 ዘዳግም 21:​17

▪ እቲ ሰብኣይ ብዛዕባ ርስቱ ዝሓተተ ስለምንታይ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል: የሱስከ እንታይ ምኽሪ ኢዩ ዝሃበ፧

▪ የሱስ እንታይ ምሳሌ ኢዩ ዝሃበ: እንታይ ኢዩኸ ዘመልክት፧

▪ የሱስ እንታይ ምኽሪ ኢዩ ዝደገመ: ግቡእ ዝኸውንከ ስለምንታይ ኢዩ፧