ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንሰብ ዘርክሶ ነገር እንታይ ኢዩ፧

ንሰብ ዘርክሶ ነገር እንታይ ኢዩ፧

ምዕራፍ 56

ንሰብ ዘርክሶ ነገር እንታይ ኢዩ፧

ንየሱስ ዘጋጥሞ ዝነበረ ምጽራር እናበርትዐ ከደ። ብዙሓት ደቀ መዛሙርቱ ይገድፍዎ ምንባሮም ጥራይ ዘይኰነስ እቶም ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ኣይሁድ እውን ልክዕ ከምቲ ብ31 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ እዋን በዓል ፋስጋ ዝገበርዎ ሕጂ እውን ክቐትልዎ ይደልዩ ነበሩ።

ናይ 32 ከ.ኣ.ዘ. በዓል ፋስጋ ኢዩ ነይሩ። የሱስ ነቲ ኣምላኽ ዝደልዮ ብቕዓት ንኸማልእ ኢሉ ክኸውን ይኽእል: በዓል ፋስጋ ከብዕል ናብ የሩሳሌም ከደ። ይኹን እምበር: ነዚ ተጠንቂቑ ኢዩ ዝገብሮ ምኽንያቱ ህይወቱ ኣብ ሓደጋ ኢያ ዘላ። ብድሕሪኡ ናብ ገሊላ ተመልሰ።

ፈሪሳውያንን ጸሓፍትን ካብ የሩሳሌም ክመጽዎ ከለዉ የሱስ ኣብ ቅፍርናሆም ኢዩ ነይሩ ዝኸውን። ሃይማኖታዊ ሕጊ ኣፍሪሱ ኢሎም ንኽኸስዎ መርትዖታት ኢዮም ዝደልዩ ነይሮም። “ደቀ መዛሙርትኻ እንጌራ ኺበልዑ ኸለዉ: ኢዶም ኣይሕጸቡን እዮም እሞ: ስለምንታይ ስርዓት ዓበይቲ የፍርሱ አለዉ፧” ኢሎም ሓተትዎ። እዚ ኣምላኽ ዝደልዮ ብቕዓት ኣይነበረን: ፈሪሳውያን ግን ነዚ ክሳዕ ኵርናዕ ኢድካ ምሕጻብ እውን ዘጠቓልል ባህላዊ ልምዲ እዚ ዘይምግባር ከቢድ ሓጢኣት ገይሮም ርኣይዎ።

የሱስ ብዛዕባ እቲ ዘቕረብዎ ክሲ ኣብ ክንዲ ዝምልሰሎም: ብረሲእነትን ብገዛእ ፍቓዶምን ሕጊ ኣምላኽ ከም ዘፍርሱ ሓበሮም። “ስለምንታይ ግዳ ንስኻትኩም ምእንቲ ስርዓትኩም ትእዛዝ ኣምላኽ ተፍርሱ አሎኹም፧ ኣምላኽ: ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር: ድማ: ነቦኡ ዀነ ወይስ ነዲኡ ሕሱም ቃል ዜውስእ ሞት ይሙት: በለ። ንስኻትኩም ግና: ነቦኡ ዀነ ወይስ ነዲኡ: እቲ ኻባይ እትጥቀመሉ መባእ ጌረዮ እየ: ዚብል ግዲ ምኽባር ኣቦኡን ኣዲኡን የብሉን: ትብሉ” በሎም።

ፈሪሳውያን ገንዘብ: ንብረት: ወይ ዝዀነ ይኹን ንኣምላኽ ከም ህያብ እተዋህበ ነገር ናይ ቤት መቕደስ ኢዩ ንኻልእ ነገር ከኣ ክውዕል የብሉን ኢሎም ኢዮም ዝምህሩ። ይኹን እምበር: እቲ እተወፈየ ህያብ በቲ ዝወፈዮ ሰብ ኢዩ ዝትሓዝ። በዚ መገዲ እዚ: ሓደ ውሉድ ገንዘቡ ወይ ንብረቱ “ቝርባን”​—⁠ንኣምላኽ ወይ ንቤት መቕደስ እተወፈየ ህያብ​—⁠ገይረዮ እየ ብምባሉ ጥራይ: ነቶም ምናልባት ኣብ ከቢድ ጸገም ክህልዉ ዝኽእሉ ብዕድመ ዝደፍኡ ወለዱ ንምሕጋዝ ዘለዎ ሓላፍነት ናጻ ይኸውን ነበረ።

በቲ ፈሪሳውያን ዘርኣይዎ እኩይ ዝዀነ ምጥዋይ ናይ ሕጊ ኣምላኽ ብምሕራቑ የሱስ ከምዚ በሎም:⁠- “ምእንቲ ስርዓትኩም ነቲ ቓል ኣምላኽ ከንቱ ገበርኩምዎ። ኣቱም ግቡዛት: ኢሳይያስ ብዛዕባኻትኩም ጽቡቕ ተነበየ: ከምዚ ኢሉ፤ እዚ ህዝቢ እዚ ብኸናፍሩ የኽብረኒ: ልቡ ግና ኻባይ ርሑቕ እዩ። ትምህርቲ ትእዛዛት ሰብ እናመሀሩ: ንኸንቱ የምልኹኒ።”

ፈሪሳውያን ንየሱስ ምእንቲ ክሓትዎ እቶም ህዝቢ ምናልባት ንድሕሪት ርሕቕ ኢሎምሎም ይዀኑ ኢዮም። ካብኡ ፈሪሳውያን ነቲ ናይ የሱስ ብርቱዕ ወቐሳ ዝኸውን መልሲ ስለ ዘይነበሮም: የሱስ ነቶም ህዝቢ ናብኡ ክቐርቡ ጸውዖም። “ስምዑ: አስተውዕሉ: ንሰብ እቲ ኻብ ኣፍ ዚወጽእ እዩ ዜርክሶ እምበር: እቲ ናብ ኣፍ ዚአቱስ ንሰብ ኣየርክሶን” በሎም።

ደሓር ናብ ቤት ምስ ኣተዉ እቶም ደቀ መዛሙርቱ “ፈሪሳውያን ዘረባኻ ሰሚዖም ከም እተዐንቀፉስ ፈሊጥካዶ፧” በልዎ።

የሱስ ከኣ “ናይ ሰማይ ኣቦይ ዘይተኸሎ ዘበለ ዅሉ ተኽሊ ብሱሩ ኺምንቈስ እዩ” ኢሉ መለሰሎም። “ሕደግዎም: ዕዉራትን መራሕቲ ዕዉራትን እዮም። ንዕዉርስ ዕዉር እንተመርሖ: ክልቲኦም ኣብ ጕድጓድ ይወድቁ።”

ጴጥሮስ ንዅሎም እቶም ደቀ መዛሙርቲ ወኪሉ ንሰብ እንታይ ከም ዘርክሶ ክገልጸሎም ምስ ሓተቶ የሱስ ተገረመ። የሱስ ከኣ ከምዚ ኢሉ መለሰ:⁠- “ንስኻትኩምውንዶ ኽሳዕ ሕጂ ኣየስተውዐልኩምን፧ ብኣፍ ዚአቱ ዘበለ ናብ ከብዲ ኸም ዚወርድ እሞ ንግዳም ከም ዚወጽእዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እቲ ኻብ ኣፍ ዚወጽእ ግና ካብ ልቢ እዩ ዚመጽእ እሞ: ንሱ እዩ ንሰብ ዜርክሶ። ካብ ልቢ ኽፉእ ሓሳብ: ቅትለት: ዝሙት: ምንዝር: ስርቂ: ምስክር ሓሶት: ጸርፊ ይወጽእ እዩ እሞ: እዚ እዩ ንሰብ ዜርክሶ እምበር: ብዘይተሐጽበ ኣእዳው ምብላዕሲ ንሰብ ኣየርክሶን።”

ኣብዚ እቲ ተራ ዝዀነ ጽርየት ከም ዘየድሊ ኣይኰነን የሱስ ዘርኢ ዘሎ። ሓደ ሰብ ቅድሚ መግቢ ምድላዉ ወይ ምብልዑ ክሕጸብ ኣየድልዮን ኢዩ ኣይኰነን ዝብል ዘሎ። ኣብ ክንድኡስ ንግብዝና ናይቶም ነቲ ጻድቕ ዝዀነ ሕግታት ኣምላኽ ቅንዕና ብዘይብሉ መገዲ ናብ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ባህልታት ክጠውይዎ ዝደልዩ ሃይማኖታውያን መራሕቲ ኢዩ ዝዅንን ዘሎ። እወ: ንሰብ ዘርክሶ እኩይ ተግባራት ኢዩ: እዚ ኸኣ ካብ ልቢ ናይ ሓደ ሰብ ከም ዝምንጭ ኣርኣየ። ዮሃንስ 7:⁠1፣ ዘዳግም 16:⁠16፣ ማቴዎስ 15:⁠1⁠-​20፣ ማርቆስ 7:⁠1⁠-​23፣ ዘጸኣት 20:⁠12፣ 21:⁠17፣ ኢሳይያስ 29:⁠13

▪ ሕጂኸ የሱስ እንታይ ምጽራር ኢዩ ዘጋጥሞ፧

▪ ፈሪሳውያን እንታይ ወቐሳ ኢዮም ዘቕርቡ: የሱስ ከም ዝበሎ ግን ፈሪሳውያን ብገዛእ ፍቓዶም ሕጊ ኣምላኽ ዘፍርሱ ብኸመይ ኢዮም፧

▪ እቲ ንሰብ ዘርክሶ እንታይ ከም ዝዀነ ኢዩ የሱስ ዝገለጸ፧