ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንኒቆዲሞስ ምምሃር

ንኒቆዲሞስ ምምሃር

ምዕራፍ 17

ንኒቆዲሞስ ምምሃር

የሱስ ናይ 30 ከ.ኣ.ዘ. በዓል ፋስጋ ከብዕል ከሎ ብሉጽ ምልክታት ወይ ተኣምራታት ገበረ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ብዙሓት ሰባት ብእኡ ኣመኑ። እቲ ናይ ሳንሄድሪን: ናይ ኣይሁድ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣባል ዝነበረ ኒቆዲሞስ እተባህለ ሰብኣይ እውን በዚ ተገ​ረመ እሞ ዝያዳ ክፈልጥ ደለየ። ስለዚ ለይቲ ብጸልማት ናብ የሱስ ከደ: ከምኡ ዝገበረ ኸኣ እንተ ተራእየ ስሙ ኣብቶም ናይ ኣይሁድ መራሕቲ ከይበላሾ ፈሪሑ ክኸውን ይኽእል።

“ረቢ: ብጀካ እቲ ኣምላኽ ምስኡ ዝዀነ ሰብ: ነዚ ንስኻ እትገብሮ ዘሎኻ ተኣምራት ኪገ​ብሮ ዚኽእል የልቦን እሞ: ንስኻ መምህር ኴንካ ኻብ ኣም​ላኽ ከም ዝመጻእካ: ንፈልጥ አሎና” በሎ። የሱስ ከኣ ንኒቆዲሞስ ሓደ ሰብ “እንደገና እንተ ዘይተወልደ” (NW  ) መንግስተ ሰማያት ክኣቱ ኣይክእልን ኢዩ ኢሉ መለሰሉ።

ይኹን እምበር: ሓደ ሰብ እንደገና ክውለድ ዝኽ​እል ብኸመይ ኢዩ፧ ኒቆዲሞስ ከኣ ሰብ “መሊሱ ናብ ከርሲ ኣዲኡ አትዩስ ኪውለድዶ ይከአሎ እዩ፧” ኢሉ ሓተተ።

እንደገና ምው​ላድ ማለት ከምኡ ማለት ኣይኰነን። የሱስ “ካብ ማይን መንፈስን እንተ ዘይተወልደ: ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪአቱ ዚኽእል የልቦን” ኢሉ ገለጸሉ። የሱስ ክጥመቕ ከሎ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሊኡ ወረደ ስለዚ ንሱ “ካብ ማይን መንፈስን” ተወሊዱ ነይሩ ማለት ኢዩ። በቲ ሽዑ ካብ ሰማይ እተሰምዐ ‘እዚ ብእኡ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ ኢዩ’ ዝብል ድምጺ ኸኣ ኣምላኽ ናብ መንግስተ ሰማይ ንምእታው ተስፋ ዘለዎ: መንፈሳዊ ወዲ ከም ዝወለደ ኣፍለጠ። ጸኒሑ ኸኣ ካልኦት እተጠመቑ እውን ኣብ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. መንፈስ ቅዱስ ክቕበሉ ነበሮም: በዚ ኸምዚ ኸኣ ከም መንፈሳውያን ደቂ ኣምላኽ እንደገና ተወልዱ።

ግደ ናይቲ ፍሉይ ዝዀነ ሰብኣዊ ወዲ ኣምላኽ ግን ኣድላዪ ኢዩ። የሱስ “ብእኡ ዚአምን ኵሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር: ከይጠፍእሲ: ከምቲ ሙሴ አብ በረኻ ተመን ዝሰቐለ: ከምኡ ድማ ወዲ ሰብ ኪስቀል ይግባእ እዩ” ብምባል ንኒቆዲሞስ ነገሮ። እወ: ከምቲ ኵሎም እቶም ተመን ዝነኸሶም እስራኤላውያን ምእንቲ ክድሕኑ ናብቲ ብኣስራዚ እተሰርሐ ተመን ክጥምቱ ዝነበሮም: ከምኡውን ኵሎም ሰባት ካብቲ ናይ ሙማት ኵነታቶም ንኽድሕኑ ብወዲ ኣምላኽ ክኣምኑ ኣለዎም።

ነቲ ናይ ኣምላኽ ፍቕራዊ ግደ ብምጕላሕ የሱስ ቀጺሉ ንኒቆዲሞስ “ኣምላኽ: በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር: ከይጠፍእሲ: ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ: ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ” ኢሉ ነገሮ። በዚ ኸምዚ: ኣገልግሎቱ ምስ ጀመረ ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ጥራይ እቲ የሆዋ ኣምላኽ ሰባት ንምድሓን ዝለኣኾ ንሱ ምዃኑ ኣብ የሩሳሌም ግልጺ ገበረ።

የሱስ ቀጺሉ ንኒቆዲሞስ “ኣምላኽ ንወዱ: ዓለም ብእኡ ኽትድሕን እምበር: ንዓለም ኪፈርዳስ ኣይለአኾን” ኢሉ ኣረድኦ: እዚ ማለት ከኣ ንዓሌት ሰብ ንጥፍኣት ብምፍራድ: ክኹንን ኣይመጸን ማለት ኢዩ። ኣብ ክንድኡ ግን ከምቲ የሱስ ዝበሎ “ዓለም ብእኡ ኽትድሕን” ኢሉ ኢዩ ልኢኽዎ።

ኒቆዲሞስ ፈሪሑ ጸልማት ተጐልቢቡ ኢዩ ናብ የሱስ ዝመጸ። ስለዚ የሱስ “እቲ ፍርዲ እዚ እዩ፤ [እቲ የሱስ ኣብ ህይወቱን ትምህርቱን ዘርኣዮ] ብርሃን ናብ ዓለም መጸ: ሰብ ግና: ግብሮም ክፉእ እዩ እሞ: ካብ ብርሃንሲ ጸልማት ፈተዉ። ክፉእ ዚገብር ዘበለ ብርሃን ይጸልእ እዩ እሞ: እቲ ግብሩ ምእንቲ ኸይዝለፍ: ናብ ብርሃን ኣይመጽእን። እቲ ሓቂ ዚገብር ግና: ብኣምላኽ እተገብረ እዩ እሞ: ግብሩ ምእንቲ ኺግለጽ: ናብ ብርሃን እዩ ዚመጽእ” ብምባል ዘረብኡ ምዕጻው ኣገዳሲ ኢዩ። ዮሃንስ 2:⁠23⁠–​3:⁠21፣ ማቴዎስ 3:⁠16, 17፣ ግብሪ ሃዋርያት 2:⁠1⁠-​4፣ ዘሁልቍ 21:⁠9

▪ ኒቆዲሞስ ናብ የሱስ ንኽኸይድ ዘለዓዓሎ እንታይ ኢዩ: ብለይቲ ዝኸደኸ ስለምንታይ ኢዩ፧

▪ “እንደገና ምውላድ” እንታይ ማለት ኢዩ፧

▪ የሱስ ኣብ ምድሓንና ዘለዎ ግደ ብኸመይ ኢዩ ዘብርሆ፧

▪ የሱስ ንዓለም ክፈርዳ ኣይመጸን ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧