ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንኣምልኾ የሆዋ ምቕናእ

ንኣምልኾ የሆዋ ምቕናእ

ምዕራፍ 16

ንኣምልኾ የሆዋ ምቕናእ

እቶም ንየሱስ በዲኡ ኣሕዋቱ​⁠ካልኦት ደቂ ማርያም​—⁠ያእቆብ: ዮሴፍ: ስምኦን: ከምኡውን ይሁዳ ኢዮም። እዚኣቶም ብምሉኦም ምስ የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ናብታ ጥቓ ባሕሪ ገሊላ ዘላ ቅፍርናሆም ቅድሚ ምኻዶም: ነታ ስድራቤት ዘድልያ ነገር ምእንቲ ክጥርንፉ ብዓዶም ብናዝሬት ኣቢሎም ሓሊፎም ይዀኑ ኢዮም።

የሱስ ግን ኣብ ቃና: ኣብ ናዝሬት: ወይ ከኣ ኣብ ገሊኡ ኵድዅዶታት ናይ ገሊላ ኣብ ክንዲ ዘገልግል ናብ ቅፍርናሆም ዝኸደ ስለምንታይ ኢዩ፧ ቅፍርናሆም ኣብ ዝጥዕም ቦታ እትርከብ ከምኡውን ዝዓበየት ከተማ ብምንባራ ሓደ ምኽንያት ክኸውን ይኽእል። እቶም የሱስ ዝረኸቦም ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ መብዛሕትኦም ኣብ ቅፍርናሆም ወይ ኣብ ጥቕኡ ኢዮም ዝነብሩ ነይሮም: ስለዚ ካብ የሱስ ምልምማድ ንኽረኽቡ ዓዶም ምሕዳግ ኣየድልዮምን።

ከምቲ ባዕሉ እውን ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ ዝመስከሮ: የሱስ ኣብቲ ኣብ ቅፍርናሆም ዝጸንሓሉ ግዜ: ብዙሕ ግብርታት ገበረ። ብዙሕ ከይጸንሑ ግን የሱስን ብጾቱን እንደገና ጉዕዞ ጀመሩ። ግዜ ጽድያ ኢዩ ነይሩ: ስለዚ ናይ 30 ከ.ኣ.ዘ. በዓል ፋስጋ ንምብዓል ናብ የሩሳሌም ገጾም ኢዮም ዝኸዱ ነይሮም። ኣብኡ ከለዉ ኸኣ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ምናልባት ቅድሚኡ ኣብ የሱስ ርእዮሞ ዘይፈልጡ ነገር ረኣዩ።

ብመሰረት ሕጊ ኣምላኽ: እስራኤላውያን ናይ እንስሳታት መስዋእቲ ክገብሩ ነበሮም። ስለዚ እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሸቃጦ ነዚ ምእንቲ ከጠዓዕሙ እንስሳታት ወይ ኣዕዋፍ ይሸጡ ነበሩ። እንተዀነ ግን: ኣብ ውሽጢ እቲ ቤት መቕደስ ኰይኖም ኢዮም ዝሸጡ ነይሮም: ብዙሕ ከም ዝኸፍሉ ብምግባር ከኣ ንሰባት የታልሉ ነበሩ።

የሱስ ተቘጢዑ ብገመድ መግረፊ ሰሪሑ ነቶም ሸቀጥቲ ኣውጽኦም። ንገንዘብ ናይቶም ሸረፍቲ ፋሕ ኣበሎ: ንጣዋልኦም ከኣ ገልበጦ። ነቶም ሸየጥቲ ረገቢት ከኣ “እዚ ኻብዚ ኣልዕልዎ: ንቤት ኣቦይ ቤት ዕዳጋ ኣይትግበርዎ” በሎም።

ደቀ መዛሙርቲ የሱስ እዚ ምስ ረኣዩ ነቲ “ቅንኣት ቤትካ በልዓኒ” ዝብል ብዛዕባ ወዲ ኣምላኽ ዘሎ ትንቢት ዘከርዎ። እቶም ኣይሁድ ግን “እዚ እትገብር ካብ ኰንካስ: እንታይ ትእምርቱኸ ኸተርእየና ኢኻ፧” ኢሎም ሓተትዎ። የሱስ ከኣ “ነዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ ኣፍርስዋ: ኣነ ኸኣ ብሰለስተ መዓልቲ ኸልዕላ እየ” ኢሉ መለሰሎም።

ኣይሁድ ቃል ብቓሉ ብዛዕባ ቤት መቕደስ ዝዛረብ ዘሎ መሰሎም እሞ “እዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ በርብዓን ሹድሽተን ዓመት እያ እተሀንጸት: ንስኻዶ ብሰለስተ መዓልቲ ኸተልዕላ ኢኻ፧” ኢሎም ሓተትዎ። ይኹን እምበር: የሱስ ብዛዕባ ናይ ኣካላቱ ቤት መቕደስ ኢዩ ዝዛረብ ነይሩ። ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ከኣ ደቀ መዛሙርቱ ካብ ምዉታት ምስ ተንስአ ነዚ ዘረባ እዚ ዘከርዎ። ዮሃንስ 2:⁠12⁠-​22፣ ማቴዎስ 13:⁠55፣ ሉቃስ 4:⁠23

▪ ብድሕሪ እቲ ኣብ ቃና ዝነበረ መርዓ: የሱስ ናበይ ኢዩ እተጓዕዘ፧

▪ የሱስ እተቘጥዐ ስለምንታይ ኢዩ: እንታይከ ኢዩ ዝገበረ፧

▪ ደቀ መዛሙርቱ እቲ ዝገበሮ ምስ ረኣዩ እንታይ ኢዮም ዝዘከሩ፧

▪ የሱስ ብዛዕባ እታ “ቤተ መቕደስ” እንታይ በለ: እንታይ ማለቱ ኢዩኸ ነይሩ፧