ንየሱስ ንምቕታል እተገብረ ተወሳኺ ፈተነ
ምዕራፍ 81
ንየሱስ ንምቕታል እተገብረ ተወሳኺ ፈተነ
ክረምቲ ስለ ዝነበረ የሱስ በቲ ገበላ ሰሎሞን ዝብሃል ጽላል ዘለዎ ኣቢሉ ብእግሩ ይመላለስ ነበረ። ኣብ ጎኒ እቲ ቤት መቕደስ ኢዩ ነይሩ። ኣብዚ ቦታ እዚ ኣይሁድ ኣኽበብዎ እሞ “ክሳዕ መኣዝከ ኢኻ ላሕ እተብለና፧ ንስኻ ክርስቶስ እንተ ዄንካ: ኣግሂድካ ንገረና” በልዎ።
የሱስ ከኣ “ነጊረኩም ኣይአመንኩምን” ኢሉ መለሰሎም። የሱስ ከምቲ ነታ ኣብ ዒላ ዝነበረት ሳምራዊት ሰበይቲ ዝነገራ ክርስቶስ ምዃኑ ብቐጥታ ኣይነገሮምን። እንተዀነ ግን: ካብ ሰማይ ከም ዝዀነ ከምኡውን ቅድሚ ኣብርሃም ከም ዝነበረ ከረድኦም ከሎ ብሓቂ መንነቱ ገሊጹሎም ኢዩ።
የሱስ ግን ሰባት ንሱ ክርስቶስ ከም ዝዀነ: ነቲ ንጥፈታቱ ምስቲ ክርስቶስ ክፍጽሞ ኢዩ ተባሂሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቐዲሙ ብትንቢት እተነግረ ብምርእኣይ ባዕላቶም ኣብ ውሳነ ክበጽሑ ኢዩ ዝደልዮም። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢዩ ኣቐድም ኣቢሉ ንደቀ መዛሙርቱ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ንዋላ ሓደ ከይነግሩ ዝኣዘዞም። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢዩ ነዞም ቍጡዓት ኣይሁድ “እዚ ብስም ኣቦይ ዝገብሮ ዘሎኹ ግብርታት ይምስክረለይ አሎ። ንስኻትኩም ግና . . . ኣይትአምኑን ኢኹም” ዝበሎም።
ስለምንታይ ኢዮም ዘይኣምኑ፧ የሱስ እቲ ክርስቶስ ምዃኑ መርትዖ ስለ ዝሰኣኑ ድዩ፧ ኣይኰነን: ኣብ ክንድኡስ የሱስ እቲ ምኽንያት ክጠቅስ ከሎ ከምዚ ይብል:- ‘ንስኻትኩም ግና ካብተን ኣባጊዔይ ኣይኰንኩምን። እተን ኣባጊዔይ ግና ድምጸይ ይሰምዓ: ኣነ ኸኣ ኤለልየን: ንሳተንውን ይስዕባኒ። ኣነ ኸኣ ህይወት ዘለኣለም እህበን: ንዘለኣለም ድማ ኣይጠፍኣን ኢየን: ካብ ኢደይውን ዝምንዝዔን የልቦን። እቲ ንኣታተን ዝሃበኒ ኣቦይ ካብ ኵሉ ይዓቢ ኢዩ: ካብ ኢድ ኣቦይ ሓደ እኳ ኺምንዝዐን ዝኽእል የልቦን።’
ብድሕርዚ የሱስ ብዛዕባ እቲ ምስ ኣቡኡ ዘለዎ ጥብቂ ርክብ ከምዚ ብምባል ገለጸ:- “ኣነን ኣቦን ሓደ ኢና።” የሱስ ኣብ ምድሪ ኣቡኡ ኸኣ ኣብ ሰማይ ብምንባሩ ቃል ብቓሉ ወይ ከኣ ብኣካል ንሱን ኣቡኡን ሓደ ኢዮም ማለቱ ከም ዘይኰነ ብሩህ ኢዩ። ኣብ ክንድኡስ ሓደ ዕላማ ዘለዎም: ሕብረት ዘለዎም ኢዮም ማለቱ ኢዩ።
ብናይ የሱስ ቃላት ሓሪቖም እቶም ኣይሁድ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ በዓል ዳስ ዝገበርዎ ንኽቐትልዎ ኣእማን ኣልዓሉ። ነቶም ክቐትልዎ ዝደልዩ ዝነበሩ ሰባት ብትብዓት “ካብ ኣቦይ ብዙሕ ሰናይ ግብርታት ኣርኤኹኹም። ስለ ኣየናዩ ግብሪ ኢኹም ብዳርባ እምኒ ኽትቀትሉኒ እትደልዩ ዘሎኹም፧” በሎም።
ንሳቶም ከኣ “ስለቲ ምጽራፍካን ሰብ ክነስኻ ነፍስኻ ኣምላኽ ስለ ምግባርካን እምበር: ስለቲ ጽቡቕ ግብርታትካስ ኣይኰንናን ብእምኒ እንቐትለካ” በልዎ። የሱስ ኣምላኽ ኢየ ኢሉ ዘይፈልጥ ክነሱ ከምዚ ዝበልዎ ስለምንታይ ኢዮም፧
ከምኡ ዝበልዎ የሱስ እቲ ንሳቶም ናይ ኣምላኽ ጥራይ ኢዩ ዝብልዎ ሓይልታት ስለ ዝገብር ከም ዝዀነ ርዱእ ኢዩ። ንኣብነት ብዛዕባ እተን “ኣባጊዕ” ክዛረብ ከሎ “ህይወት ዘለኣለም እህበን” በለ: እዚ ኸኣ ዋላ ሓደ ሰብ ክገብሮ ዘይክእል ነገር ኢዩ። እንተዀነ ግን: እቶም ኣይሁድ የሱስ ካብ ኣቡኡ ስልጣን ከም እተዋህቦ ኣፍልጦ ክህብሉ ኣይደለዩን።
የሱስ ካብ ኣምላኽ ይንእስ ምዃኑ ከምዚ ኢሉ ብምሕታት ኣርኣየ:- “ኣብ ሕግኹም [ኣብ መዝሙር 82:6]፤ ኣነ፤ ኣማልኽቲ ኢኹም: በልኩ: ዚብልዶ ኣይተጻሕፈን እዩ፧ ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝመጸሎም ኣማልኽቲ ኻብ ዚብሎም . . . ነቲ ኣቦ ዝቐደሶ ናብ ዓለምውን ዝለአኾ ግዳ: ወዲ ኣምላኽ እየ ስለ ዝበልኩኹም: ከመይ ኢልኩም፤ ትጻረፍ አሎኻ: ትብሉኒ አሎኹም፧”
ቅዱሳት ጽሑፋት ነቶም ዘይቅኑዓት ሰብኣውያን ፈረድቲ “ኣማልኽቲ” ኢሉ ስለ ዝጽውዖም የሱስ “ወዲ ኣምላኽ እየ” ብምባሉስ እዞም ኣይሁድ እንታይ ጌጋ ረኸቡሉ፧ የሱስ ወሲኹ “ግብሪ ኣቦይ እንተ ዘይገበርኩ: ኣይትእመኑኒ። እንተ ገበርኩ ግና: ኣቦ ኣባይ ምህላዉ: ኣነውን ኣብ ኣቦ ምህላወይ ምእንቲ ኽትፈልጡን ከተስተብህሉንሲ: ንኣይ እኳ እንተ ዘይአመንኩምኒ: ነቲ ግብረይ እመንዎ” በለ።
የሱስ ከምዚ ምስ በለ እቶም ኣይሁድ ክሕዝዎ ፈተኑ። ንሱ ግን ከምቲ ኣቐዲሙ ኣብ በዓል ዳስ ዝገበሮ ሃደመ። ካብ የሩሳሌም ወጺኡ ኣብቲ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ዮሃንስ ከጠምቐሉ ዝጀመረ ስግር ርባ ዮርዳኖስ ከደ። እዚ ቦታ እዚ ካብቲ ደቡባዊ ገማግም ባሕሪ ገሊላ ብዙሕ ኣይርሕቕን ኢዩ። ካብ የሩሳሌም ናይ ክልተ መዓልቲ ጕዕዞ ኢዩ ዝኸውን።
ብዙሓት ሰባት ኣብዚ ቦታ እዚ ናብ የሱስ መጹ “ዮሃንስ ሓንቲ ተኣምራት እኳ ኣይገበረን: እቲ ዮሃንስ ብዛዕባኡ እተዛረቦ ዘበለ ዅሉ ግና ሓቂ ዀነ” ክብሉ ጀመሩ። በዚ ኸምዚ ብዙሓት ብየሱስ ኣመኑ። ዮሃንስ 10:22-42፣ 4:26፣ 8:23, 58፣ ማቴዎስ 16:20
▪ የሱስ ሰባት ክርስቶስ ምዃኑ ብምንታይ ከለልይዎ ኢዩ ዝደለየ፧
▪ የሱስን ኣቡኡን ሓደ ዝዀኑ ብኸመይ ኢዮም፧
▪ ኣይሁድ: የሱስ ንገዛእ ርእሱ ኣምላኽ ይገብራ ኣሎ ዝበሉ ስለምንታይ ኢዮም፧
▪ የሱስ ካብ መዝሙር ምጥቃሱ ምስ ኣምላኽ ማዕረ ኢየ ይብል ከም ዘይነበረ ብኸመይ ኢዩ ዘርኢ፧