ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንየሱስ ኣብ መጻወድያ ከእትውዎ ኣይከኣሉን

ንየሱስ ኣብ መጻወድያ ከእትውዎ ኣይከኣሉን

ምዕራፍ 108

ንየሱስ ኣብ መጻወድያ ከእትውዎ ኣይከኣሉን

የሱስ ኣብቲ ቤት መቕደስ ይምህር ስለ ዝነበረን ንእከይ ናይቶም ሃይማኖታውያን ጸላእቱ ዝቐልዕ ሰለስተ ምሳሌታት ስለ ዝነገረን: እቶም ፈሪሳውያን ተቘጥዑ እሞ ዘእስሮ ነገር ከም ዝዛረብ ብምግባር ኣብ መጻወድያ ከእትውዎ ተማኸሩ። ሓንቲ ውዲት ምሂዞም ከኣ ጌጋ ክገብር እሞ ክሕዝዎ ብምባል ደቀ መዛሙርቶምን ሰዓብቲ ሄሮድስን ሰደዱ።

እዞም እተላእኩ ሰባት ከኣ “መምህር: ሓቀኛ ምዃንካ: መገዲ እግዚኣብሄርውን ብሓቂ ኸም እትምህር: ንፈልጥ አሎና: ገጽ ሰብ ርኢኻ ኣይተዳሉን ኢኻ እሞ: ነዝን ነትን እኳ ኣይትብልን ኢኻ። እንታይ ይመስለካ: ንቄሳር ግብሪ ምሃብሲ ተፈቒዱ ድዩ ወይስ ኣይፋሉን፧ እስኪ ንገረና” በልዎ።

የሱስ በቲ ናይ ሓሶት ናእድኦም ኣይተዓሸወን። ‘ግብሪ ምሃብ ኣይግቡእን ወይ ከኣ ቅኑዕ ኣይኰነን’ እንተደኣ ኢሉ ኣንጻር ሮሜ ብምኻዱ ገበነኛ ክኸውን ምዃኑ: ‘እወ: ግብሪ ምሃብ ግቡእ ኢዩ’ እንተደኣ ኢሉ ኸኣ እቶም ንግዝኣት ሮሜ ዝጽየፉ ኣይሁድ ክጸልእዎ ምዃኖም ተገንዘበ። ስለዚ የሱስ “ኣቱም ግቡዛት: ስለምንታይ ትፍትኑኒ አሎኹም፧ እቲ ወርቂ ግብሪ ኣርእዩኒ” በሎም።

ሓንቲ ምስ ኣምጽኡሉ ኸኣ “እዚ መልክዑን ጽሕፈቱን ናይ መን እዩ፧” ኢሉ ሓተቶም።

ንሳቶም ከኣ “ናይ ቄሳር” ኢሎም መለሱሉ።

“እምብኣርሲ ናይ ቄሳር ንቄሳር: ናይ ኣምላኽውን ንኣምላኽ ሀቡ: በሎም።” እዞም ሰባት እቲ ክእለት ዘለዎ መልሲ ናይ የሱስ ምስ ሰምዑ ተገረሙ። ሓዲጎሞ ኸኣ ከዱ።

እቶም ፈሪሳውያን ንየሱስ ዋላ ሓንቲ ክረኽቡሉ ከም ዘይከኣሉ ምስ ረኣዩ: እቶም ትንሳኤ የለን ዝብሉ ሰዱቃውያን ገለ እንተ ረኸቡሉ ኢሎም ናብኡ ቀረቡ እሞ: “መምህር: ሙሴ: ሰብኣይ ውሉድ ከይሐደገ እንተ ሞተ: ነታ ሰበይቱ እቲ ሓዉ ይውረሳ: ነቲ ሓዉ ኸኣ ዘርኢ የቝመሉ: በለ። ኣባናኸስ ሾብዓተ ኣሕዋት ነበሩ። እቲ ዓብዪ ሰበይቲ ምስ ኣእተወ: ሞተ: ውሉድ ኣይነበሮን እሞ: ነታ ሰበይቱ ንሓዉ ሐደጋ። ከምኡ ኸኣ እቲ ኻልኣይ: እቲ ሳልሳይውን: ክሳዕ እቲ ሳብዓይ። ድሕሪ ዅሎም ድማ እታ ሰበይቲ ሞተት። ኵሎም ኣእትዮምዋ ነይሮም እዮም እሞ: ብትንሳኤ ኻብዞም ሾብዓተ እዚኣቶም: ሰበይቲ መኖም ክትከውን እያ፧” ኢሎም ሓተትዎ።

የሱስ ከኣ “መጻሕፍቲ ዀነ ወይስ ሓይሊ ኣምላኽ ሰኣን ምፍላጥኩም ደይኰንኩምን እትስሕቱ ዘሎኹም፧ ካብ ምዉታት ምስ ተንስኡስ: ከም መላእኽቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማያት እዮም ዚዀኑ እምበር: ኣየእትዉን ኣየተኣታትዉን እዮም። ብዛዕባ ምዉታት ከም ዚትንስኡኸ: ኣብ መጽሓፍ ሙሴ: ኣምላኽ ኣብቲ ኣሻዅ ቈጥቋጥ፤ ኣነ ኣምላኽ ኣብርሃምን ኣምላኽ ይስሃቅን ኣምላኽ ያእቆብን እየ: ኢሉ ኸም ዝበለዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም፧ ንሱ ናይ ህያዋን ኣምላኽ እምበር: ናይ ምዉታት ኣምላኽ ኣይኰነን። ንስኻትኩም ኣዚኹም ትስሕቱ አሎኹም” በሎም።

እቶም ህዝቢ ኸኣ በቲ መልሱ እንደገና ተገረሙ። ገለ ካብቶም ጸሓፍቲ እውን ከይተረፉ “መምህር: ጽቡቕ ተዛሪብካ” በልዎ።

ፈሪሳውያን የሱስ ነቶም ሰዱቃውያን እውን ኣፎም ከም ዘትሓዞም ምስ ረኣዩ: ብሓደ ተኣኪቦም ናብኡ መጹ። መሊሶም ንኽፍትንዎ ኸኣ ካብቶም ምስኦም ዝነበሩ ጸሓፍቲ ሓደ “መምህር: እታ ዓባይ ትእዛዝ ኣብ ሕጊ ኣየነይቲ እያ፧” ኢሉ ሓተቶ።

የሱስ ከኣ “እታ ቐዳመይቲ እዚኣ እያ፤ እስራኤል: ስማዕ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽና: ንሱ በይኑ እዩ እግዚኣብሄር። ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓሳብካን ብዅሉ ሓይልኻን ኣፍቅሮ። . . . እታ ኻልአይታ እትመስላ ድማ፤ ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ እያ። ካብ እዚኣተን እትዐቢ ኻልእ ትእዛዝ የልቦን” በሎም። ወሲኹ ኸኣ “ኣብዘን ክልተ ትእዛዛት እዚኣተን ብዘሎ ሕግን ነብያትን ተሰቒሉ አሎ” በሎ።

እቲ ጸሓፊ “መምህር: ብሓቂ ጽቡቕ ተዛረብካ: ኣምላኽ ሓደ እዩ: ብጀካኡ ድማ ካልእ የልቦን። ብምሉእ ልብኻን ብምሉእ ኣእምሮኻን ብዅሉ ሓይልኻን ከተፍቅሮ ንብጻይካውን ከም ነፍስኻ ኸተፍቅሮ: እዚ ኻብ ኵሉ ዚሐርር መስዋእትን ካብ መስዋእቲ ሕሩድን ዚዐቢ እዩ” ብምባል ምስቲ ናይ የሱስ ሓሳባት ተሰማምዐ።

የሱስ እቲ ጸሓፊ ብምስትውዓል ከም ዝመለሰ ስለ ዘስተብሃለ “ንስኻስ ካብ መንግስቲ ኣምላኽ ርሑቕ ኣይኰንካን” በሎ።

የሱስ ንሰለስተ መዓልቲ​—⁠ሰንበት: ሰኑይ: ከምኡውን ሰሉስ​—⁠ኣብ ቤት መቕደስ ኰይኑ ክምህር ኢዩ ቀንዩ። እቶም ሰባት ባህ ኢሉዎም ኢዮም ሰሚዖምዎ: እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ግን ክቐትልዎ ኢዮም ዝደልዩ ነይሮም: እንተዀነ ግን: ክሳዕ ሕጂ እቲ ፈተነታቶም ፈሺሉ ኢዩ ተሪፉ። ማቴዎስ 22:⁠15-40፣ ማርቆስ 12:⁠13-34፣ ሉቃስ 20:⁠20-40

▪ ፈሪሳውያን ንየሱስ ንምጥላፍ እንታይ ውዲት ኢዮም ምሂዞም: እወ ወይ ከኣ ኣይፋልን ዝብል መልሲ እንተድኣ ሂቡኸ እንታይ ሳዕቤን ክመጾ ይኽእል ነበረ፧

▪ የሱስ ነቲ ሰዱቃውያን ኣብ መጻወድያ ንኸእትውዎ ዝገበርዎ ፈተነታት ብኸመይ ኣፍሸሎ፧

▪ እቶም ፈሪሳውያን ንየሱስ ንምፍታን እንታይ ተወሳኺ ፈተነ ኢዮም ዝገበሩ: እቲ ውጽኢቱኸ እንታይ ኰነ፧

▪ የሱስ ኣብቲ ኣብ የሩሳሌም ዝገበሮ ናይ መወዳእታ ኣገልግሎት ክንደይ መዓልቲ ኢዩ ኣብ ቤት መቕደስ ዝማሃረ: ውጽኢቱኸ እንታይ ነበረ፧