ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንግርማ መንግስቲ ክርስቶስ ኣቐዲምካ ምርኣይ

ንግርማ መንግስቲ ክርስቶስ ኣቐዲምካ ምርኣይ

ምዕራፍ 60

ንግርማ መንግስቲ ክርስቶስ ኣቐዲምካ ምርኣይ

የሱስ ኣብ ገለ ወገን ቂሳርያ ናይ ፊልጶስ በጽሐ: ንደቀ መዛሙርቱ እውን ሓዊሱ ንብዙሕ ህዝቢ ኸኣ ክምህር ጀመረ። “ካብ እዞም ኣብዚኣ ደው ኢሎም ዘሎዉ: ንወዲ ሰብ ብመንግስቱ ኺመጽእ ከሎ ኽሳዕ ዚርእይዎ: ንሞት ከቶ ዘይጥዕምዋ ኸም ዘለዉ: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ” ብምባል ዘደንጹ መግለጺ ሃቦም።

እቶም ደቀ መዛሙርቱ ‘የሱስ እንታይ ማለቱ ኢዩ ዝኸውን፧’ ብምባል ተገሪሞም ይዀኑ ኢዮም። ድሕሪ ሓደ ሰሙን ኣቢሉ ይኸውን የሱስ ምስ ጴጥሮስ: ያእቆብ ከምኡውን ዮሃንስ ኰይኑ ናብ ሓደ ነዊሕ ከረን ደየበ። እቶም ደቀ መዛሙርቱ ተታኺሶም ስለ ዝነበሩ: ኣብ እዋን ለይቲ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ። የሱስ ክጽሊ ኸሎ ኸኣ ኣብ ቅድሚኦም ትርኢቱ ተለወጠ። ገጹ ከም ጸሓይ ከንጸባርቕ ክዳውንቱ ኸኣ ከም ድሙቕ ብርሃን ክኸውን ጀመረ።

ደሓር ከኣ “ሙሴን ኤልያስን” ተራእዩ እሞ ምስ የሱስ ብዛዕባ “እቲ ኣብ የሩሳሌም ኪፍጸም ዘለዎ ምውጻኡ” ተዘራረቡ። እቲ ምውጻኡ ብዛዕባ ሞቱን እቲ ስዒቡ ዝኸውን ትንሳኤኡን ምዃኑ ንጹር ኢዩ። ስለዚ እዚ ምዝርራብ እዚ እቲ ውርደት ዘለዎ ኣማውትኡ ከምቲ ጴጥሮስ ዝበሃጎ ዝተርፍ ነገር ከም ዘይኰነ ኢዩ ዘረጋግጽ።

ምሉእ ብምሉእ ተበራቢሮም እቶም ደቀ መዛሙርቱ ብምግራም ነቲ ነገር ተዓዘብዎን ሰምዕዎን። ትርኢት እኳ እንተ ነበረ: ናይ ሓቂ ይመስል ብምንባሩ ጴጥሮስ “ጐይታይ: ንኣና ኣብዚ ምንባር ጽቡቕ እዩ። ትፈቱ እንተ ዄንካስ: ኣብዚ ሰለስተ ዳስ ክንሰርሕ: ሓደ ንኣኻ: ሓደ ንሙሴ ሓደውን ንኤልያስ” ብምባል ክዛረብ ጀመረ።

ጴጥሮስ እናተዛረበ ኸሎ ብሩህ ደበና ሸፈኖም ካብቲ ደበና ኸኣ “ዝፈትዎ ወደይ: ብእኡ ዝሰመርኩ እዚ እዩ: ንእኡ ስምዕዎ” ዝብል ድምጺ ሰምዑ። እቲ ድምጺ ምስ ሰምዑ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ብገጾም ተደፍኡ። የሱስ ግን “ተንስኡ ኣይትፍርሁውን” በሎም። ምስ ተንስኡ ኸኣ ብጀካ የሱስ ሓደ እኳ ኣይነበረን።

ንጽብሒቱ ካብቲ ጎቦ ክወርዱ ከለዉ: የሱስ “ወዲ ሰብ ካብ ምዉታት ክሳዕ ዚትንስእ: እዚ ዝርኤኹምዎ ንሓደኳ ኣይትንገሩ” ኢሉ ኣዘዞም። ኣብቲ ትርኢት ኤልያስ ብምንባሩ ኣብቶም ደቀ መዛሙርቱ ሕቶ ኣልዓለ። “ንምንታይ ደኣ ጸሓፍቲ፤ ቅድም ኤልያስ ኪመጽእ ይግባእ: ዚብሉ፧” ኢሎም ሓተቱ።

የሱስ ከኣ “ኤልያስ ቅድሚ ሕጂ መጺኡ . . . ኣየለለይዎን” በሎም። የሱስ ግን ብዛዕባ እቲ ከም ናይ ኤልያስ ዝበለ ግደ ዝፈጸመ ዮሃንስ መጥምቕ ኢዩ ዝዛረብ ነይሩ። ልክዕ ከምቲ ኤልያስ ንኤልሳእ መገዲ ዝጸረገሉ: ዮሃንስ ከኣ ንክርስቶስ መገዲ ጸረገሉ።

እዚ ትርኢት እዚ ንየሱስን ደቀ መዛሙርቱን ኣየ ክሳዕ ክንደይ ዘጸናንዕ ኢዩ ነይሩ! እቲ ትርኢት ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ንግርማ መንግስቲ ክርስቶስ ኣቐዲምካ ምርኣይ ኢዩ። ልክዕ ከምቲ የሱስ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣቢሉ ንደቀ መዛሙርቱ እተመባጽዓሎም ‘ንወዲ ሰብ ብመንግስቱ ኺመጽእ ከሎ ረኣይዎ።’ ድሕሪ ሞት የሱስ ጴጥሮስ ኣብቲ ጎቦ “ግርማኡ ብዓይንና ዝረኤናዮ ምስክር ኴንና ኢና” ኢሉ ጸሓፈ።

እቶም ፈሪሳውያን የሱስ እቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑ​ፋት መብጽዓ እተገብረሉ ብኣምላኽ እተሓርየ ንጉስ ምዃኑ ንምርግጋጽ ምልክት ከርእዮም ሓተትዎ። ከምኡ ዝበለ ምልክት ኣይተዋህቦምን። በቲ ሓደ ሸነኽ ግን እቶም ናይ ቀረባ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ነቲ ብዛዕባ እታ መንግስቲ ዘሎ ትንቢታት መረጋገጺ ንኽዀኖም እቲ ናይ ምልዋጥ ትርኢት ክርእዩ ተፈቕደሎም። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢዩ ጴጥሮስ ጸኒሑ “ኣዝዩ ዝጸንዔ ቓል ትንቢት ከኣ ኣሎና” ብምባል ዝጸሓፈ። ማቴዎስ 16:⁠13, ማቴ 16:28–​17:⁠13፣ ማርቆስ 9:⁠1-13፣ ሉቃስ 9:⁠27-37፣ 2 ጴጥሮስ 1:⁠16-19

▪ ገሊኦም ከይሞቱ ከለዉ ክርስቶስ ብመንግስቱ ክመጽእ ዝረኣይዎ ብኸመይ ኢዩ፧

▪ ኣብቲ ትርኢት ሙሴን ኤልያስን ብዛዕባ እንታይ ኢዮም ምስ የሱስ እተዘራረቡ፧

▪ እቲ ትርኢት ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ዘበራትዕ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧