ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣልኣዛር ክትንስእ ከሎ

ኣልኣዛር ክትንስእ ከሎ

ምዕራፍ 91

ኣልኣዛር ክትንስእ ከሎ

የሱስ ምስቶም ዘሰነይዎ ኰይኑ ኣብ ናይ ኣልኣዛር መቓብር በጽሐ። እቲ መቓብር ኣብ ኣፍ ደጊኡ እምኒ ዘለዎ በዓቲ ኢዩ። የሱስ ከኣ “ነዚ እምኒ ኣልዕልዎ” በሎም።

ማርታ ግን የሱስ እንታይ ክገብር ከም ዝደለየ ስለ ዘይተረድኣ ክትክልክሎ ደለየት። “ጐይታይ: ራብዕቲ ገይሩ እዩ እሞ: ፈጺሙ ጨንዩ እዩ” ኸኣ በለቶ።

የሱስ ግን “እንተ ትአምንስ: ክብሪ ኣምላኽ ምርኤኺዶ አይበልኩኽን፧” ኢሉ ሓተታ።

ስለዚ ነቲ እምኒ ኣልዓልዎ። ብድሕርዚ የሱስ ኣዒንቱ ንላዕሊ ቋሕ ኣቢሉ “ኣቦ: ስለ ዝሰማዕካኒ ኤመስግነካ አሎኹ። እዞም ደው ኢሎም ዘለዉ ህዝቢ ንስኻ ኸም ዝለአኽካኒ ምእንቲ ኺአምኑ ደኣ እየ እዚ ዝበልኩ እምበር: ኣነስ ኵሉ ሳዕ ከም እትሰምዓኒ: እፈልጥ አሎኹ” ብምባል ጸለየ። የሱስ እቶም ህዝቢ እቲ ዝገብሮ ነገር በቲ ካብ ኣምላኽ ዝረኸቦ ሓይሊ ከም ዝገብሮ ምእንቲ ክፈልጡ ኢሉ ኢዩ ብጋህዲ ዝጸለየ። ብድሕርዚ ዓው ኢሉ “ኣልኣዛር ንዓ: ናብ ወጻኢ ውጻእ” በለ።

ሽዑ ኣልኣዛር ወጸ። ኣእዳዉን ኣእጋሩን ተገኒዙ: ገጹ ኸኣ ተሸፊኑ ኢዩ ነይሩ። የሱስ ከኣ “ፍትሕዎ እሞ ይኺድ ሕደግዎ” በሎም።

እዚ ምስ ረኣዩ ብዙሓት ካብቶም ንማርያምን ማርታን ከጸናንዑ ዝመጹ ሰባት ብየሱስ ኣመኑ። ካልኦት ግን እቲ ዝዀነ ነገር ንፈሪሳውያን ክነግርዎም ከዱ። ንሳቶምን እቶም ሊቃውንቲ ካህናትን ኣብቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ናይ ኣይሁድ: ኣብ ሳንሄድሪን ብኡንብኡ ተኣከቡ።

እቲ ሳንሄድሪን ነቲ ሽዑ ሊቀ ካህናት ዝነበረ ቀያፋ: ፈሪሳውያን: ሰዱቃውያን: ከምኡውን ቅድም ሊቀ ካህናት ዝነበሩ ዘጠቓለለ ነበረ። እዚኣቶም ከኣ “እዚ ሰብኣይዚ ብዙሕ ተኣምራት ይገብር አሎ እሞ: እንታይ ንግበር፧ ከምዚ እንተ ሐደግናዮ: ኵሉ ብእኡ ኺአምን እዩ። ሮማውያን ድማ መጺኦም ምድርናን ህዝብናን ኪወስዱ እዮም” በሉ።

እቶም መራሕቲ ሃይማኖት የሱስ “ብዙሕ ተኣምራት” ከም ዝገብር ኣፍልጦ እኳ እንተ ሃቡ: እቲ ንዕኦም ዘገድሶም ነገር ግን መዓርጎምን ስልጣኖምን ጥራይ ኢዩ ነይሩ። ናይ ኣልኣዛር ምትንሳእ ብፍላይ ነቶም ሰዱቃውያን ብርቱዕ ፍሽለት ኢዩ: ምኽንያቱ ንሳቶም ብትንሳኤ ኣይኣምኑን ኢዮም ነይሮም።

እቲ ምናልባት ሰዱቃዊ ዝነበረ ቀያፋ “ንስኻትኩም ገለ እኳ ኣይትፈልጡን ኢኹም: ኵሉ ህዝቢ ኻብ ዚጠፍእስ: ሓደ ሰብአይ በጃ ህዝቢ እንተ ሞተ ኸም ዚሔሸና: ከቶ ኣይትሐስቡን ኢኹም” በሎም።

ቀያፋ ከምኡ ከም ዝብል ዝገበሮ ኣምላኽ ኢዩ ምኽንያቱ ድሕሪ ገለ ግዜ ዮሃንስ ክጽሕፍ ከሎ “[ቀያፋ] እዚ ዝበለስ ካብ ልቡ ኣይኰነን” በለ። ናይ ቀያፋ ኣዘራርባ: የሱስ ነቲ ናቶም መዓርግን ስልጣንን ጽልዋን የዳኽሞ ስለ ዝነበረ ንምክልኻሉ ክቕተል ኣለዎ ዝብል ኢዩ ነይሩ። ይኹን እምበር: ብመሰረት እቲ ዮሃንስ ዝበሎ ‘የሱስ ነቶም ፋሕ ዝበሉ ደቂ ኣምላኽውን ናብ ሓደ ኺእክቦም እዩ እምበር: በጃ ህዝቢ ጥራይ ኪመውት ኣይኰነን።’ ብሓቂ ኸኣ ወዱ በጃ ዅሉ ክመውት ዕላማ ኣምላኽ ኢዩ።

እቲ ሳንሄድሪን ንየሱስ ንምቕታል መደብ ንኽገብር ቀያፋ ጽልዋ ገበረሎም። የሱስ ግን ምናልባት እቲ ፈታዊኡ ዝነበረ ኣባል ሳንሄድሪን ዝዀነ ኒቆዲሞስ ብዛዕባ እዚ መደባት እዚ ስለ ዝነገሮ ክኸውን ይኽእል ካብቲ ከባቢ ከደ። ዮሃንስ 11:⁠38-54

▪ የሱስ ንኣልኣዛር ቅድሚ ምትንስኡ ብጋህዲ ዝጸለየ ስለምንታይ ኢዩ፧

▪ እቶም ነዚ ትንሳኤ እዚ ዝረኣዩ ሰባት ብኸመይ መለሹሉ፧

▪ እከይ ናይቶም ኣባል ሳንሄድሪን ከም ዝቃላዕ ዝገበረ እንታይ ኢዩ፧

▪ ቀያፋ እንታይ ዕላማ ነበሮ: ኣምላኽ ግን እንታይ ኢሉ ንኽንበ ኢዩ እተጠቕመሉ፧