ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣሕሊፉ ተዋህበን ተወስደን

ኣሕሊፉ ተዋህበን ተወስደን

ምዕራፍ 124

ኣሕሊፉ ተዋህበን ተወስደን

የሱስ ይሳቐ እኳ እንተ ነበረ ክብረቱ ብምሕላዉ ጲላጦስ ናጻ ንኽሰዶ ክፍትን ኣለዓዓሎ: እቶም ሊቃውንቲ ካህናት ግን ዝያዳ ተቘጥዑ። ነቲ እኩይ ዝዀነ ዕላምኦም ንምፍጻም ዋላ ሓንቲ ነገር ከየመናግዎ ወሰኑ። ስለዚ እንደገና “ስቐሎ: ስቐሎ” ኢሎም ጨደሩ።

ጲላጦስ ከኣ “ንስኻትኩም ወሲድኩም ሰቐልዎ” ኢሉ መለሰሎም። (እቶም ኣይሁድ ከምቲ ኣቐድም ኣቢሎም ዝበልዎ ዘይኰነስ: ከቢድ ሃይማኖታዊ ገበን ንዝገበሩ ሰባት ክቐትሉ ስልጣን ነይርዎም ክኸውን ይኽእል ኢዩ።) ብድሕርዚ ኸኣ እንተወሓደ ንሓምሻይ ግዜ ጲላጦስ “ኣነስ ሓንቲ በደል እኳ ኣይረኸብኩሉን” ብምባል የሱስ ንጹህ ምዃኑ ተዛረበ።

እቶም ኣይሁድ እቲ ፖለቲካዊ ክሶም ዋላ ሓንቲ ፍረ ከም ዘይብሉ ስለ ዝረኣዩ: ናብቲ ቅድሚ ገለ ሰዓታት የሱስ ኣብ ሳንሄድሪን ክፍረድ ከሎ ዘቕረብዎ ሃይማኖታዊ ክሲ ተመልሱ። “ንሕና ሕጊ አሎና: ንሱ ንርእሱ ወዲ ኣምላኽ ገይሩ እዩ እሞ: ከም ሕግና ኺመውት ይግብኦ እዩ” በልዎ።

እዚ ኽሲ እዚ ንጲላጦስ ሓድሽ ኢዩ ነይሩ: ዝያዳ ከም ዝፈርሕ ከኣ ገበሮ። ጲላጦስ ብመሰረት እቲ ናይ ሰበይቱ ሕልምን ኣብ የሱስ ዝርኣዮ ጽንዓትን ተራ ሰብ ከም ዘይነበረ ተገንዚቡ ኢዩ። ግን “ወዲ ኣምላኽ” ኰይኑዶ ተሰሚዕዎ ኢዩ፧ የሱስ ካብ ገሊላ ዝመጸ ምዃኑ ጲላጦስ ይፈልጥ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ቅድሚ ሽዑ ይነብር ነይሩዶ ይኸውን፧ እንደገና ናብቲ መገባኣያ ኣእትዩ ኸኣ “ኣታ ካበይ ኢኻ፧” በሎ።

የሱስ ስቕ በለ። የሱስ ኣቐድም ኣቢሉ ንጉስ ምዃኑ እንተዀነ ግን መንግስቱ ካብዛ ዓለም እዚኣ ከም ዘይኰነት ንጲላጦስ ነጊርዎ ነይሩ ኢዩ። ሕጂ ኸኣ ተወሳኺ መግለጺ ምሃቡ ዋላ ሓንቲ ኣይጠቅምን ኢዩ። እንተዀነ ግን: ጲላጦስ የሱስ ምምላስ ስለ ዝኣበዮ ተሰምዖ እሞ “ንኣይከ ኣይትዛረበንን ዲኻ፧ ክሰቕለካን ክፈትሓካን ስልጣን ከም ዘሎኒዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ፧” ብምባል ተቘጥዖ።

የሱስ ከኣ ብኣኽብሮት “ካብ ላዕሊ እንተ ዘይውሀበካስ: ኣባይ ስልጣን ኣይምሀለወካን ነይሩ” ብምባል መለሰሉ። ከምዚ ብምባሉ ኸኣ ኣምላኽ ሰብኣውያን ገዛእቲ ነቲ ናይ ምድሪ ጕዳያት ንኸመሓድሩ ከም ዝፈቐደሎም ኢዩ ዘመልክት ዘሎ። የሱስ ወሲኹ “ስለዚ እቲ ኣባኻ ዘትሐዘኒ ሓጢኣቱ ዝገደደ እዩ” በሎ። ብሓቂ ኸኣ እቲ ሊቀ ኻህናት ቀያፋን እቶም መተሓባብርቱን ይሁዳ ኣስቆሮታውን ኵሎም ንየሱስ ሕማቕ ብምግባሮም ካብ ጲላጦስ ንላዕሊ ብሓላፍነት ዝሕተቱ ኢዮም።

ጲላጦስ ብየሱስ ዝያዳ ስለ እተመሰጠን: መለኮታዊ መበቈል ከይህልዎ ስለ ዝፈርሀን ናጻ ንኽሰዶ ጸዓረ። እቶም ኣይሁድ ግን ንዘረባ ጲላጦስ ነጸግዎ። ነቲ ፖለቲካዊ ክሶም መሊሶም ደገሙ: ብጕርሒ ኸኣ “ነዚ እንተ ፈታሕካዮ: ፈታው ቄሳር ኣይኰንካን። ርእሱ ኼንግስ ዚደሊ ዘበለ ዅሉ መቐናቕንቲ ቄሳር እዩ” ብምባል ኣፈራርህዎ።

እቲ ዝብልዎ ዝነበሩ ንጲላጦስ ሓደገኛ እኳ እንተ ነበረ: መሊሱ ንየሱስ ናብ ደገ ኣውጽኦ። እንደገና ኸኣ “እንሆ ንጉስኩም” በሎም።

“ንየው በሎ: ንየው በሎ: ስቐሎ” በሉ።

ጲላጦስ ከኣ ተስፋ ብምቝራጽ “ንንጉስኩምዶ ኽሰቕሎ፧” ኢሉ ሓተቶም።

እቶም ኣይሁድ ብናይ ሮማውያን ግዝኣት ተማሪሮም ኢዮም ነይሮም። አረ ነቲ ናይ ሮሜ ግዝኣት ኣዝዮም ጸሊኦሞ ኢዮም ነይሮም! እንተዀነ ግን: ብግብዝና እቶም ሊቃውንቲ ኻህናት “ብዘይ ቄሳርሲ ንጉስ የብልናን” ኢሎም መለሱ።

ጲላጦስ ነቲ ፖለቲካዊ መዓርጉን ስሙን ስለ ዝፈርሐ ኣብ መወዳእትኡ ኣብቲ ዘየቋርጽ ሕቶ ናይ ኣይሁድ ወደቐ። ንየሱስ ኣሕሊፉ ሃቦ። እቶም ወተሃደራት ንየሱስ ነቲ ተኸዲንዎ ዝነበረ ቀይሕ ባርኖስ ቀንጠጥዎ እሞ ክዳኑ ኸደንዎ። የሱስ ክስቀል ክኸይድ ከሎ ነቲ ንመሳቐይኡ እተዳለወ ዕንጨይቲ ተሰከሞ።

ሕጂ ዓርቢ 14 ኒሳን ኣጸቢቑ ረፊዱ ኢዩ ዘሎ፣ ምናልባት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ምቕራቡ እውን ክኸውን ይኽእል ኢዩ። የሱስ ካብ ሓሙስ ንግሆ ኣትሒዙ ኣይደቀሰን: ብተኸታታሊ ኸኣ ዘሳቒ ነገራት ኢዩ ኣሕሊፉ። እቲ ከቢድ ዕንጨይቲ ምስ ተሰከመ ኸኣ ሓይሉ ብኡንብኡ ከም ዝደክም ርዱእ ኢዩ። ስለዚ ሓደ ካብ ኣፍሪቃ ዝዀነ ቀሬናዊ ስምኦን እተባህለ ሓላፍ መገዲ ብግዲ ንየሱስ ከም ዝስከመሉ ገበርዎ። እናኸዱ ኸለዉ ኸኣ ብዙሓት ህዝቢ: ኣንስቲ እውን ሓዊስካ: ብሓዘን ኣፍልቦም እናሃረሙን ንየሱስ እናበኸዩሉን ሰዓብዎ።

የሱስ ናብተን ኣንስቲ ምልስ ኢሉ “ኣትን ኣዋልድ የሩሳሌም: ኣካ እዝጊ ሀባ እታ መኻን ዘይወለደት ከርስን ዘየጥበዋ ኣጥባትን: ዚብሉለን መዓልትታት ኪመጻ እየን እሞ: ንርእስኽንን ንደቅኽንን ደኣ ብኸያ እምበር: ንኣይሲ ኣይትብከያለይ። ኣብ ጥሉል ኦም ከምዚ ኻብ ገበሩስ: ኣብቲ ንቑጽ ደኣ ኸመይ ኪኸውን እዩ፧” በለን።

የሱስ ንሱን እቶም ኣብኡ ዝኣምኑ ተረፍን ኣብኡ ብምህላዎም ገለ ቍሩብ ጠሊ ህይወት ዘለዋ ናይ ኣይሁድ ኦም ኢዩ ዘመልክት ዘሎ። እዚኣቶም ካብታ ሃገር ምስ ኣልገሱ ግን ብመንፈስ ምዉት ዝዀነ ኦም እወ: ዝሓረረ ሃገራዊ ማሕበር ጥራይ ኢዩ ዝተርፍ። እቶም ከም ፈጸምቲ ፍርዲ ኣምላኽ ኰይኖም ዘገልግሉ ሮማውያን ሰራዊት ንሃገር ኣይሁድ ምስ ኣጥፍእዋ ኣየ ከመይ ዝበለ ብኽያት ኢዩ ክኸውን! ዮሃንስ 19:⁠6-17፣ 18:⁠31፣ ሉቃስ 23:⁠24-31፣ ማቴዎስ 27:⁠31, 32፣ ማርቆስ 15:⁠20, 21

▪ እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ነቲ ፖለቲካዊ ክሶም ውጽኢት ምስ ሰኣኑሉ ንየሱስ እንታይ ክሲ ኢዮም ዘቕረቡሉ፧

▪ ጲላጦስ ዝያዳ ዝፈርሖ ስለምንታይ ኢዩ፧

▪ በቲ ንየሱስ ዘጋጥሞ ዝያዳ ሓጢኣት ዘለዎም መን ኢዮም፧

▪ ኣብ መወዳእትኡ እቶም ካህናት የሱስ ንኽቕተል ጲላጦስ ኣሕሊፉ ከም ዝህቦ ዝገበርዎ ብኸመይ ኢዩ፧

▪ የሱስ ነተን ዝበኽያሉ ዝነበራ ኣንስቲ እንታይ ኢዩ ዝበለን: ብዛዕባ እታ ኦምከ ‘ጥልልቲ’ መሊሱ ኸኣ ‘ንቕጽቲ’ ኢሉ ምዝራቡስ እንታይ ማለቱ ኢዩ፧