ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣሕሊፍካ ምውሃብን ምእሳርን

ኣሕሊፍካ ምውሃብን ምእሳርን

ምዕራፍ 118

ኣሕሊፍካ ምውሃብን ምእሳርን

ይሁዳ ነቶም ብዙሕ ዝቝጽሮም ወተሃደራት: ሊቃውንቲ ካህናት: ፈሪሳውያን: ከምኡውን ካልኦት ናብ ስፍራ ኣታኽልቲ ጌተሴማኔ መሪሕዎም ክመጽእ ከሎ ፍርቂ ለይቲ ኣጸቢቑ ሓሊፉ ኢዩ ነይሩ። እቶም ካህናት ይሁዳ ንየሱስ ኣሕሊፉ እንተ ኣውሂብዎ 30 ቅርሺ ክኸፍልዎ ተሰማሚዖም ኢዮም።

ኣቐድም ኣቢሉ ይሁዳ ካብቲ ናይ ፋስጋ ድራር ምስ ወጸ: ብቐጥታ ናብቶም ሊቃውንቲ ካህናት ከም ዝኸደ ንጹር ኢዩ። እዚኣቶም ብኡንብኡ ናቶም መኳንንትን ወተሃደራትን ኣከቡ። ይሁዳ መጀመርታ ናብቲ የሱስን እቶም ሃዋርያቱን ፋስጋ ዘብዓሉሉ ቦታ ኢዩ ወሲድዎም ዝኸውን። ከም ዝኸዱ ምስ ፈለጠ ኸኣ እቶም ኣጽዋርን መብራህትታትን ፋኑሳትን ሒዞም ዝነበሩ ብዙሓት ህዝቢ ደድሕሪ ይሁዳ ብስንጭሮ ቄድሮን ኣቢሎም ሰጊሮም ካብ የሩሳሌም ወጹ።

ይሁዳ ነቶም ህዝቢ መሪሑ ናብ ደብረ ዘይቲ ገጹ ክድይብ ከሎ ንየሱስ ኣበይ ከም ዝረኽቦ ርግጸኛ ኢዩ ነይሩ። ኣብታ ዝሓለፈት ሰሙን የሱስን እቶም ሃዋርያቱን ካብ ቢታንያ ናብ የሩሳሌም ክመላለሱ ከለዉ ምእንቲ ከዕርፉን ከዕልሉን ብዙሕ ግዜ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ጌተሴማኔ ይኣትዉ ነይሮም ኢዮም። ሕጂ ግን የሱስ ኣብቲ ጸልማት ኣብ ትሕቲ ኦም ኣውልዕ እንተድኣ ተሓቢኡ ከመይ ገይሮም ከለልይዎ ኢዮም፧ ቅድሚ ሽዑ ርእዮሞ ኣይፈልጡን ነይሮም ይዀኑ ኢዮም። ስለዚ ይሁዳ “እቲ ኣነ ዝስዕሞ: ንሱ እዩ: ሐዝዎ ኣጽኒዕኩምውን ውሰድዎ” ብምባል ምልክት ሃቦም።

ይሁዳ ነቶም ህዝቢ ናብቲ ስፍራ ኣታኽልቲ መሪሕዎም ኣተወ: ንየሱስን ነቶም ሃዋርያቱን ረኣዮም እሞ ትኽ ኢሉ ኸኣ ናብኦም ከደ። “ከመይ ኣምሴኻ: መምህር፧” ኢሉ ናብኡ ቀሪቡ ሰዓሞ።

የሱስ ከኣ “ዓርከይ: ብምንታይ ነገር መጻእካ፧” ኢሉ ሓተቶ። ብድሕርዚ “ይሁዳ: ንወዲ ሰብዶ ብምስዓም ተትሕዞ አሎኻ፧” ብምባል ነቲ ናይ ገዛእ ርእሱ ሕቶ መለሶ። እቲ ዘትሓዞ ግን ዝኣኽሎ ገይሩ ኢዩ! የሱስ ኣብ ብርሃን ናይቲ ተወሊዑ ዝነበረ ፋናታትን መብራህትታትን ኰይኑ “ንመን ትደልዩ አሎኹም፧” ኢሉ ሓተቶም።

ንሳቶም ከኣ “ንየሱስ ናዝሬታዊ” ኢሎም መለሱሉ።

ሽዑ የሱስ ኣብ ቅድሚኦም ብትብዓት ደው ኢሉ “ኣነ እየ” ኢሉ መለሰ። በቲ ትብዓቱ ስለ እተገረሙን እንታይ ከም ዝገብሩ ስለ ዝጠፍኦምን: እቶም ሰባት ኣድሓርሓሩ ኣብ ምድሪ ኸኣ ወደቑ።

የሱስ ከኣ ብህድኣት “ኣነ እየ ኢለኩም” በሎም። “ንኣይ ትደልዩኒ እንተ አሊኹምሲ: ነዚኣቶም ይኺዱ ሕደግዎም” በሎም። ቅድሚ ቕሩብ ግዜ ኣብ ክፍሊ ናይቲ ላዕላይ ደርቢ ከለዉ የሱስ ብጸሎት ገይሩ ነቶም እሙናት ሃዋርያቱ ከም ዝሓለዎም “ብዘይ እቲ ሓደ ወዲ ጥፍኣት” ካብኣቶም ዝጠፍአ ከም ዘየለ ነቡኡ ነጊርዎ ነይሩ ኢዩ። ስለዚ እቲ ቃሉ ምእንቲ ክፍጸም ነቶም ሰዓብቱ ክሰድዎም ሓተተ።

እቶም ወተሃደራት ተንሲኦም ንየሱስ ክኣስርዎ ምስ ጀመሩ: እቶም ሃዋርያት ከኣ እንታይ ይፍጸም ከም ዘሎ ተረድኦም። “ጐይታይ: ብሰይፊዶ ኽንወቅዕ፧” ኢሎም ሓተትዎ። የሱስ መልሲ ቅድሚ ምሃቡ ግን ጴጥሮስ ንሓንቲ ካብተን እቶም ሃዋርያት ዘምጽእወን ክልተ ኣስያፍ ተጠቒሙ ኣብ ልዕሊ እቲ ባርያ ሊቀ ካህናት ዝነበረ ማልኮስ መጥቃዕቲ ኣወረደ። ናይ ጴጥሮስ ሰይፊ ርእሲ ናይቲ ባርያ ስሒታ የማነይቲ እዝኑ ቆረጸታ።

ሽዑ የሱስ “ክሳዕዚ ይብጽሑ ሕደግዎም” ኢሉ መለሰሎም። ንእዝኒ ማልኮስ ድማ ብምትንካፍ ኣሕወያ። ብድሕርዚ ንጴጥሮስ “ሰይፊ ዜልዕሉ ዅሎም ብሰይፊ ይጠፍኡ እዮም እሞ: ንሰይፍኻ ናብ ቤታ ምለሳ” ኢሉ ኣዘዞ። ቀጺሉ ኸኣ “ነቦይ ምልማኑ ዘይከአለኒ: ንሱ ኸኣ ካብ ዓሰርተው ክልተ ለጌዎን ዚበዝሑ መላእኽቲ ሕጂ ኺሰደለይ ዘይኽእልዶ ይመስለካ ኣሎ፧” ብምባል ኣገዳሲ ዝዀነ ትምህርቲ መሃረ።

የሱስ “ከምዚ ኪኸውን ከም ዚግብኦስ: እቶም ጽሑፋት ደአኸ ኸመይ ኢሎም ይፍጸሙ፧” ኢሉ ምግላጹ ክትሓዝ ፍቓደኛ ምዃኑ ኢዩ ዘርኢ። ወሲኹ ኸኣ “ነታ ኣቦይ ዝሀበኒ ጽዋእሲ ኣይሰትያንዶ እየ፧” በለ። ምስቲ ኣምላኽ ንዕኡ ዘለዎ ፍቓድ ምሉእ ብምሉእ ይሰማማዕ ኢዩ!

ብድሕርዚ የሱስ ነቲ ህዝቢ ተዛረቦ። “ከም ንኸታሪዶ ኣስያፍን ኣባትርን ሒዝኩም: ክትሕዙኒ መጻእኩም፧ ኣብ ቤተ መቕደስ እናመሀርኩ ዕለት ዕለት ምሳኻትኩም እውዕል ነበርኩ እሞ ኣይሓዝኩምንን። እዚ ግና እተን ጽሑፋት ምእንቲ ኺፍጸማ ይኸውን አሎ” ኢሉ መለሰሎም።

ሽዑ እቶም ናይ ኣይሁድ ወተሃደራትን ኣሕሉቕን መኰንናትን ንየሱስ ሒዞም ኣሰርዎ። እቶም ሃዋርያት እዚ ምስ ረኣዩ ንየሱስ ሓዲጎሞ ሃደሙ። ይኹን እምበር: ሓደ ጐበዝ ምናልባት ወደ መዝሙር ማርቆስ ኢዩ ዝኸውን ምስቶም ህዝቢ ተረፈ። ምናልባት ኣብቲ የሱስ ፋስጋ ዘብዓለሉ ገዛ ኢዩ ነይሩ ዝኸውን: ካብኡ ኸኣ ነቶም ህዝቢ ሰዓቦም። ይኹን እምበር: ኣለለይዎ እሞ ክሕዝዎ ፈተኑ። ንሱ ግን ነጸልኡ ሓዲጉ ሃደመ። ማቴዎስ 26:⁠47-56፣ ማርቆስ 14:⁠43-52፣ ሉቃስ 22:⁠47-53፣ ዮሃንስ 17:⁠12፣ 18:⁠3-12

▪ ይሁዳ ንየሱስ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ጌተሴማኔ ከም ዝረኽቦ ርግጸኛ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧

▪ የሱስ ብዛዕባ እቶም ሃዋርያቱ ከም ዝሻቐል ብኸመይ ኣርኣየ፧

▪ ጴጥሮስ ንየሱስ ንኽከላኸለሉ እንታይ ስጕምቲ ኢዩ ዝወሰደ: የሱስ ግን ንጴጥሮስ እንታይ በሎ፧

▪ የሱስ ምስቲ ኣምላኽ ንዕኡ ዘለዎ ፍቓድ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝሰማማዕ ብኸመይ ኣርኣየ፧

▪ እቶም ሃዋርያት ንየሱስ ገዲፎምዎ ምስ ሃደሙ መን ኢዩ ዝተረፈ: ንዕኡኸ እንታይ ኣጓነፎ፧