ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣርባዕተ ደቀ መዛሙርቲ ተጸውዑ

ኣርባዕተ ደቀ መዛሙርቲ ተጸውዑ

ምዕራፍ 22

ኣርባዕተ ደቀ መዛሙርቲ ተጸውዑ

ኣብቲ ዝዓበየሉ ዓዲ ኣብ ናዝሬት ክቐትልዎ ድሕሪ ምፍታኖም ናብታ ጥቓ ባሕሪ ገሊላ ዘላ ቅፍርናሆም ከደ። እዚ ድማ ካልእ ትንቢት ናይ ኢሳይያስ ከም ዝፍጸም ገበረ። እቲ ትንቢት ከኣ እቶም ኣብ ጥቓ ባሕሪ ዝነብሩ ህዝቢ ገሊላ ዓብዪ ብርሃን ክርእዩ ምዃኖም ዝነግር ኢዩ።

የሱስ እቲ ከም ጸዋር ብርሃን መጠን ብዛዕባ እታ መንግስቲ ዝነበሮ ናይ ምስባኽ ዕዮ ኣብ ቅፍርናሆም ክፍጽም ከሎ ነቶም ኣርባዕተ ደቀ መዛሙርቱ ረኸቦም። እዚኣቶም ኣቐድም ኣቢሎም ምስኡ ተጓዒዞም ነይሮም ኢዮም: ምስ የሱስ ካብ ይሁዳ ድሕሪ ምምላሶም ግን ናብቲ ዓሳ ናይ ምግፋፍ ስርሖም ተመልሱ። ስርዓታውያን ኰይኖም ዝሕግዝዎ ንሱ ምስ ከደ ኸኣ ነቲ ኣገልግሎት ብድሕሪኡ ዝቕጽሉ ሰባት ዘለማምደሉ ግዜ ስለ ዝበጽሐ ኣብቲ እዋን እቲ ደልይዎም ክኸውን ኣለዎ።

የሱስ በቲ ገማግም ባሕሪ ክኸይድ ከሎ ንስምኦን ጴጥሮስን ብጾቱን መርበቦም እናሓጸቡ ረኣዮም እሞ: ናብኦም ገጹ ከደ። ኣብ ናይ ጴጥሮስ ጃልባ ደየበ እሞ ካብ ምድሪ ቁሩብ ከርሕቓ ሓተቶ። ቁሩብ ምስ ከዱ ኸኣ የሱስ ኣብታ ጃልባ ኮፍ ኢሉ ነቶም ኣብቲ ገምገም ዝነበሩ ሰባት ክምህሮም ጀመረ።

ብድሕርዚ የሱስ ንጴጥሮስ “ናብቲ ዓሚቝ ቅርብ በል እሞ መርበብኩም ንምግፋፍ ደርብዩ” በሎ።

ጴጥሮስ ከኣ “መምህር: ለይቲ ብምልእታ ጽዒርና: ዝሓዝና የብልናን: ብቓልካ ግና ነዚ መርብብ እድርብዮ” ኢሉ መለሰሉ።

እቲ መርበብ ምስ ደርበይዎ እቲ እተገፈ ዓሳ ኣዝዩ ብዙሕ ብምንባሩ እቲ መርበቦም ክቕደድ ጀመረ። ቀልጢፎም ከኣ ነቶም ኣብታ ኣብ ጥቕኦም ዝነበረት ጃልባ ዝነበሩ ሰባት መጺኦም ክድግፍዎም ኣመልከቱሎም። ክልቲአን ጀላቡ ብብዝሒ ዓሳ ስለ ዝመልኣ ክጥሕላ ደለያ። እዚ ምስ ረኣየ ጴጥሮስ ኣብ ቅድሚ የሱስ ተደፊኡ “ጐይታይ: ኣነ ሓጥእ ሰብ እየ እሞ: ካባይ ርሐቕ” በሎ።

የሱስ ከኣ “ካብ ሕጂ ገፋፍ ሰብ ክትከውን ኢኻ እሞ: ኣይትፍራህ” ብምባል መለሰሉ።

የሱስ ንእንድርያስ ሓዊ ጴጥሮስ እውን ዓደሞ። “ኣነ ድማ ገፈፍቲ ሰብ ክገብረኩም እየ: ንዑ ስዐቡኒ” ብምባል ኣተባብዖም። እቶም ምስኦም ዓሳ ዝገፉ ዝነበሩ ደቂ ዘብዴዎስ ያእቆብን ዮሃንስን እውን ተመሳሳሊ ዕድመ ቀረበሎም: ንሳቶም እውን ብዘይምውልዋል ተቐበልዎ። ስለዚ ኣርባዕቲኦም ናይ ምግፋፍ ዓሳ ስርሖም ጠንጢኖም እቶም ናይ መጀመርታ ስርዓታውያን ሰዓብቲ የሱስ ኰኑ። ሉቃስ 5: 1-11፣ ማቴዎስ 4: 13-22፣ ማርቆስ 1: 16-20፣ ኢሳይያስ 9: 1, 2

▪ የሱስ ደቀ መዛሙርቱ ክስዕብዎ ዝጸውዖም ስለምንታይ ኢዩ: እዚኣቶምከ በዓል መን ኢዮም ነይሮም፧

▪ ንጴጥሮስ ዘሰንበዶ ተኣምራት እንታይ ኢዩ፧

▪ የሱስ እንታይ ዓይነት ምግፋፍ ዓሳ ክገብሩ ኢዩ ንደቀ መዛሙርቱ ዝዓደሞም፧