ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብቲ በዓል ዳስ

ኣብቲ በዓል ዳስ

ምዕራፍ 66

ኣብቲ በዓል ዳስ

ኣብተን ድሕሪ ጥምቀቱ ዝነበራ ሰለስተ ዓመታት: የሱስ ውሩይ ኰነ። ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ተኣምራቱ ርእዮም ኢዮም: ናይ ንጥፈታቱ ወረ ኸኣ ኣብ ብምልእታ እታ ሃገር ተዘርግሐ። ኣብዚ እዋን እዚ ኸኣ: እቶም ሰባት ኣብ የሩሳሌም ንበዓል ዳስ ምስ ተኣከቡ ንየሱስ ደለይዎ። ኣበይ ከም ዘሎ ክፈልጡ ስለ ዝደለዩ ኸኣ “ኣበይ አሎ ንሱ፧” በሉ።

ኵሉ ሰብ ብዛዕባ የሱስ ኢዩ ዝዛረብ ዘሎ። ገሊኦም “ሕያዋይ እዩ” ይብሉ። ካልኦት ከኣ “ኣይኰነን: ንህዝቢ ደኣ የስሕት አሎ” ይብሉ ነበሩ። ኣብ መጀመርታ መዓልትታት ናይቲ በዓል ከምዚ ዝበለ ብዙሕ ትሒም ትሒም ነበረ። ይኹን እምበር: ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ንየሱስ ደጊፉ ክዛረብ ዝደፈረ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይነበረን። ከምኡ ዝዀነሉ ምኽንያት ከኣ እቶም ህዝቢ ነቶም ኣይሁዳውያን መራሕቲ ስለ ዝፈርሁ ኢዩ።

የሱስ እቲ በዓል ምስ ተፋረቐ መጸ። ናብቲ ቤት መቕደስ ከደ: ኣብኡ ድማ እቶም ህዝቢ በቲ ናይ ምምሃር ክእለቱ ተገረሙ። የሱስ ኣብቲ ናይ ራቢ ኣብያተ-ትምህርቲ ስለ ዘይተማህረ እቶም ኣይሁድ ተገረሙ እሞ: “እዝስ ከይተማሀረ ኸመይ ገይሩ ጽሑፋት ይፈልጥ፧” በሉ።

የሱስ ከኣ “ትምህርተይሲ ናይቲ ዝለአኸኒ እዩ እምበር: ናተይ ኣይኰነን። ፍቓዱ ኺገብር ዚደሊ እንተሎ: ንሱ ብዛዕባ ትምህርተይ ካብ ኣምላኽ እንተ ዀይኑ: ወይስ ካብ ርእሰይ እንተ ዀይነ ዝዛረቦ ዘሎኹ: ኪፈልጥ እዩ” ብምባል ገለጸሎም። ናይ የሱስ ትምህርቲ ምስ ሕጊ ኣምላኽ ኣጸቢቑ ኢዩ ዝሰማማዕ። ስለዚ ድማ ናይ ኣምላኽ ክብሪ ደኣ እምበር: ናቱ ኽብሪ ከም ዘይደሊ ርዱእ ነገር ኢዩ። የሱስ “ሙሴዶ ሕጊ ኣይሀበኩምን እዩ፧” ብምባል ሓተቶም። ብምቝጣዕ ከኣ “ካባኻትኩም ሓደ እኳ ነቲ ሕጊ ዚገብሮ የልቦን” በሎም።

ካብኡ “ንምንታይ ደኣ ኽትቀትሉኒ ትደልዩ አሎኹም፧” ኢሉ ሓተቶም።

ገለ ካብቶም ህዝቢ: ምናልባት እቶም ናብቲ በዓል ዝመጹ ኣጋይሽ ኢዮም ዝዀኑ: ንየሱስ ንምቕታል ጻዕሪ ይግበር ከም ዘሎ ኣይፈለጡን። ነዚ ኸምዚ ዝበለ ዘደንቕ መምህር ክቐትል ዝደሊ ሰብ ክርከብ ዘይከውን ነገር ገይሮም ኢዮም ዝሓስብዎ። ስለዚ: የሱስ ከምኡ ምሕሳቡ ገለ ጸገም ኣለዎ ኢሎም ስለ ዝገመቱ: “ጋኔን አሎካ: መን ኢዩ ኪቐትለካ ዝደሊ፧” በልዎ።

እቶም ህዝቢ እኳ እንተ ዘይተገንዘብዎ ናይ ኣይሁድ መራሕቲ ንየሱስ ክቐትልዎ ኢዮም ዝደልዩ ነይሮም። ቅድሚ ሓደ ዓመትን መንፈቕን ኣቢሉ: የሱስ ንሓደ ሰብኣይ ኣብ መዓልቲ ሰንበት ምስ ኣሕወዮ እቶም መራሕቲ ክቐትልዎ ፈተኑ። ስለዚ የሱስ ምኽንያታውያን ዘይምዃኖም ንምምልካት ከምዚ ኢሉ ሓተቶም:- “ሕጊ ሙሴ ምእንቲ ኸይፈርስሲ: ሰብ ብሰንበት ዚግዘር ካብ ኰነ: ኣነ ንሰብ ኵለንትናኡ ብሰንበት እንተ ኣሕዌኽዎ ደኣ: ስለምንታይ ትዅርዩለይ አሎኹም፧ ቅኑዕ ፍርዲ ፍረዱ እምበር: ላዕለ ላዕሊ ርኢኹም ኣይትፍረዱ” በሎም።

እቶም ነቲ ኵነታት ዘስተብህሉሉ ዝነበሩ ተቐማጦ የሩሳሌም ከኣ “እቲ ኪቐትልዎ ዚደልዩስ: እዚዶ ኣይኰነን፧ እንሆ: ንሱ ብግሁድ ይዛረብ አሎ: ንሳቶምውን ገለ ኣይብልዎን: እዞም መኳንንቲ ደዀን ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ብሓቂ ፈሊጦም ኰይኖም፧” በሉ። እዞም ተቐማጦ የሩሳሌም ከኣ የሱስ እቲ ክርስቶስ ኢዩ ኢሎም ዘይኣምንሉ ምኽንያት ክገልጹ ኸለዉ ከምዚ በሉ:- “እዚ ኻበይ ምዃኑ ንፈልጦ ኢና: ክርስቶስ ኪመጽእ ከሎ ግና: ካበይ ምዃኑ ዚፈልጥ የልቦን።”

የሱስ ከኣ “ንኣይ ትፈልጡኒ: ካበይ ምዃነይውን ትፈልጡ ኢኹም። ኣነ ብርእሰይ ኣይመጻእኩን: እቲ ዝለአኸኒ ግና ሓቀኛ እዩ: ንእኡ ንስኻትኩም ኣይትፈልጥዎን ኢኹም። ኣነ ግና ካብኡ እየ: ንሱውን ልኢኹኒ እዩ እሞ: እፈልጦ እየ” በሎም። ከምኡ ምስ በሎም ምናልባት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከእትውዎ ወይ ከኣ ክቐትልዎ ደልዮም ክሕዝዎ ፈተኑ። ይኹን እምበር: ኣይተዓወቱን ምኽንያቱ የሱስ ዝሞተሉ እዋን ኣይነበረን።

ብዙሓት ከኣ ብሓቂ ከምቲ ክገብርዎ ዝግብኦም ኣብ የሱስ ኣመኑ። ከመይሲ ኣብ ባሕሪ ብእግሩ ከይዱ: ንንፋስ ኣህዲኡ: ንማዕበል ስቕ ኣቢሉ: ብሒደት እንጌራን ዓሳን ንኣሽሓት ሰባት መጊቡ: ንሕሙማት ኣሕውዩ: ሓንካሳት ብእግሮም ከም ዝኸዱ ገይሩ: ኣዒንቲ ዕዉራት ከፊቱ: ለምጻማት ኣሕውዩ: አረ ምዉታት እውን ከይተረፈ ኣተንሲኡ ኢዩ። ስለዚ “ክርስቶስ ምስ ዚመጸእከ: ካብዚ ንሱ ዝገበሮ ትእምርቲ ዚበዝሕዶ ኺገብር ኢሉ፧” ብምባል ሓተቱ።

ፈሪሳውያን እቶም ህዝቢ ከምኡ ይብሉ ከም ዘለዉ ምስ ሰምዑ: ንሳቶምን እቶም ሊቃውንቲ ካህናትን ንየሱስ ዝኣስርዎ ልኡኻት ሰደዱ። ዮሃንስ 7:​11-32

▪ የሱስ ናብቲ በዓል ዝመጸ መዓስ ኢዩ: ሰባትከ ብዛዕብኡ እንታይ ይብሉ ነበሩ፧

▪ ገሊኦም ጋኔን ኣለዎ ዝበሉ ስለምንታይ ኢዮም፧

▪ ተቐማጦ የሩሳሌም ብዛዕባ የሱስ እንታይ ርእይቶ ኢዩ ዘለዎም፧

▪ ብዙሓት ኣብ የሱስ እምነት ዘሕደሩ ስለምንታይ ኢዮም፧