ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብቲ ናይ መወዳእታ ፋስጋ እተራእየ ትሕትና

ኣብቲ ናይ መወዳእታ ፋስጋ እተራእየ ትሕትና

ምዕራፍ 113

ኣብቲ ናይ መወዳእታ ፋስጋ እተራእየ ትሕትና

ጴጥሮስን ዮሃንስን በቲ የሱስ ዝሃቦም መምርሒ መሰረት ፋስጋ ንምድላው ድሮ ናብ የሩሳሌም በጺሖም ኢዮም። የሱስ ምስቶም ዝተረፉ ዓሰርተ ሃዋርያቱ ድሕሪ ቐትሪ ደንጕዩ ከም ዝመጽእ ርዱእ ኢዩ። የሱስን እቶም ምስኡ ዘለዉን ካብ ደብረ ዘይቲ ክወርዱ ከለዉ ጸሓይ ናብ ምዕራብ ገጻ ኢያ ነይራ። የሱስ ክሳዕ እቲ ካብ ምዉታት ዝትንስኣሉ ግዜ ነታ ከተማ ኣብዚ ከረን እዚ ኰይኑ ብቐትሪ ዝርእያ ዘሎ ንመወዳእታ ግዜ ኢዩ።

ድሕሪ ሓጺር ግዜ የሱስን እቶም ምስኡ ዝነበሩን ኣብታ ከተማ በጽሑ እሞ: ናብቲ ፋስጋ ዘብዕሉሉ ቤት ኣቢሎም ኣቕንዑ። ናብቲ ኣብ ደርቢ ዝነበረ ዓቢ ኣደራሽ ዝወስድ መሳልል ደየቡ: ኣብኡ ኸኣ ፋስጋ ንበይኖም ንኸብዕሉ ኵሉ ዘድሊ ምቅርራባት ተገይሩ ጸንሖም። የሱስ “ቅድሚ ስቓየይ ምሳኹም ገንሸል ፋስጋ ኽበልዕ: ብዙሕ ሃረር ኢለ አሎኹ” ብምባሉ ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ብዙሕ ብሂግዎ ከም ዝነበረ ኣርኣየ።

ብባህሊ: እቶም ፋስጋ ዘብዕሉ ኣርባዕተ ጽዋእ ወይኒ ኢዮም ዝሰትዩ። እታ ሳልሰይቲ ጽዋእ ምስ ተቐበለ የሱስ ኣመስገነ እሞ “መንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ እትመጽእ: ካብዚ ፍረ ኦም ወይኒ ኸም ዘይሰቲ: እብለኩም አሎኹ እሞ: ውሰዱ: እዚ ንሓድሕድኩም ተማቐልዎ” በሎም።

ኣብ መንጎ እቲ ድራር የሱስ ተንስአ: ክዳኑ ኣውጺኡ ከኣ ዓለባ ተዓጥቀ: ነቲ ገበራ ኸኣ ማይ መልአ። በቲ ልምዲ ኣእጋር ኣጋይሹ ከም ዝሕጸብ ዝገብር እቲ ዘአንገደ ሰብ ኢዩ። ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ግን ኣአንጋዲ ኣይነበረን: ስለዚ የሱስ ባዕሉ ክገብሮ ተበግሶ ወሰደ። ዝዀነ ካብቶም ሃዋርያት ነቲ ኣጋጣሚ እቲ ተጠቒሙ ክገብሮ ይኽእል ነይሩ ኢዩ፣ እንተዀነ ግን: ኣብ መንጕኦም ገና ገለ ውድድር ስለ ዘሎ ዋላ ሓደ ካብኦም እዚ ኣይገበረን። የሱስ ኣእጋሮም ክሓጽቦም ምስ ጀመረ ግን ሓፈሩ።

የሱስ ኣብኡ ምስ በጽሐ ጴጥሮስ “ንዘለኣለም ኣእጋረይ ኣይትሐጽበንን ኢኻ” በሎ።

የሱስ ድማ “ኣነ እንተ ዘይሐጸብኩኻስ: ምሳይ ግደ የብልካን” በሎ።

ጴጥሮስ ከኣ “ጐይታይ: ኣእዳወይን ርእሰይን ድማ እምበር: ኣእጋረይ ጥራይ ኣይኰነን” ኢሉ መለሰ።

የሱስ ክምልሰሉ ከሎ “እቲ እተሐጽበ: ኵለንትናኡ ንጹህ እዩ እሞ: ብጀካ ኣእጋሩ ምሕጻብ ኣየድልዮን እዩ። ንስኻትኩም ከኣ ንጹሃት ኢኹም: ግናኸ ኵላትኩም ኣይኰንኩምን” በሎ። የሱስ ከምኡ ዝበለ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ከትሕዞ መደብ ገይሩ ከም ዘሎ ስለ ዝፈለጠ ኢዩ።

የሱስ ኣእጋር ኵሎም እቶም 12 ሃዋርያት: ኣእጋር ናይቲ ኣሕሊፉ ዝህቦ ይሁዳ እውን ከይተረፈ: ምስ ሓጸበ ክዳኑ ተኸዲኑ ኣብ ቦትኡ ተቐመጠ። ካብኡ ኸኣ ከምዚ ኢሉ ሓተቶም:- “ዝገበርኩልኩምሲ ትፈልጥዎዶ አሎኹም፧ . . . ንስኻትኩም መምህርን ጐይታን ትብሉኒ አሎኹም: ኣነ ኸምኡ እየ እሞ: ጽቡቕ በልኩም። ኣነ መምህርን ጐይታን ክነሰይ: ኣእጋርኩም ካብ ሐጸብኩስ: ከምቲ ኣነ ኣባኻትኩም ዝገበርክዎ: ንስኻትኩምውን ከምኡ ኽትገብሩ መርኣዪ ሂበኩም አሎኹ እሞ: ከምኡ ኣእጋር ሓድሕድኩም ክትሐጽቡ ይግብኣኩም እዩ። ባርያ ኻብ ጐይታኡ ኣይበልጽን: ልኡኽውን ካብ ለኣኺኡ ኣይበልጽን እዩ: ኢለ ብሓቂ: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ነዚ እትፈልጥዎ እንተ ዄንኩም: እንተ ገበርኩምዎስ ብጹኣን ኢኹም።”

እዝስ ኣየ ከመይ ዝበለ ብትሕትና ምግልጋል ከም ዘድሊ ዘርኢ ትምህርቲ ኰን ኢዩ! እቶም ሃዋርያት ንርእሶም ኣዝዮም ኣድለይቲ ስለ ዝዀኑ ካልኦት ኵሉ ግዜ ከገልግልዎም ዘለዎም ኰይኑ ክስምዖምን ቀዳማይ ቦታ ክደልዩን የብሎምን። ነቲ የሱስ ዝሰርዓሎም ኣብነት ክስዕቡ ይግብኦም። እዚ ብልምዲ እግሪ ምሕጻብ ጥራይ ኣይኰነን። ኣብ ክንድኡስ እቲ ዕዮ ትሑት ወይ ደስ ዘየብል ይኹን ብዘየገድስ: ከይፈላለኻ ባህ ኢሉካ ምግልጋል ኢዩ። ማቴዎስ 26:⁠20, 21፣ ማርቆስ 14:⁠17, 18፣ ሉቃስ 22:⁠14-18፣ 7:⁠44፣ ዮሃንስ 13:⁠1-17

▪ የሱስ ፋስጋ ንምብዓል ናብ የሩሳሌም ክኣቱ ከሎ: ነታ ከተማ ምርኣዩ ፍሉይ ነገር ዝገብሮ እንታይ ኢዩ፧

▪ ኣብ እዋን ፋስጋ የሱስ ድሕሪ ምጽላዩ ነቶም 12 ሃዋርያቱ እንታይ ጽዋእ ኢዩ ዘሕለፈሎም፧

▪ ኣብቲ የሱስ ኣብ ምድሪ ዝነበረሉ ግዜ ብልምዲ ንኣጋይሽ እንታይ ይግበረሎም ነበረ: ኣብቲ ብየሱስን ሃዋርያቱን እተባዕለ ፋስጋ ዘይተገብረ ግን ስለምንታይ ኢዩ፧

▪ የሱስ ነቲ ትሑት ዝቝጸር እግሪ ሃዋርያቱ ናይ ምሕጻብ ዕዮ ዝገበሮ ንምንታይ ዕላማ ኢዩ፧