ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ዝነበሩ ዓየይቲ

ኣብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ዝነበሩ ዓየይቲ

ምዕራፍ 97

ኣብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ዝነበሩ ዓየይቲ

ኣቐድም ኣቢሉ የሱስ “ብዙሓት ቀዳሞት ዳሕሮት: ዳሕሮት ድማ ቀዳሞት ኪዀኑ እዮም” በለ። ነዚ ንምብራህ ከኣ ሓንቲ ዛንታ ነገሮም። “መንግስተ ሰማያት ነታኽልቲ ወይኑ ሰብ ውዕለት ኪሰማማዕ: ኣንጊሁ ዝወጸ ብዓል ቤት ትመስል” ብምባል ጀመረ።

የሱስ ቀጺሉ “[እቲ በዓል ቤት] ምስቶም ሰብ ውዕለት ንመዓልቲ ሓደ ዲናር ምስ ተሳማምዔ: ናብ ኣታኽልቲ ወይኑ ሰደዶም። ድማ ብሳልሰይቲ ሰዓት ኣቢሉ ምስ ወጸ: ካልኦት ከኣ ዕዮ ዜብሎም ኣብ ዕዳጋ ደው ኢሎም ረአየ። ንአታቶም ከኣ፤ ንስኻትኩምውን ናብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኺዱ እሞ እቲ ዚግባእ ክህበኩም እየ: በሎም። ንሳቶም ከኣ ከዱ። ከም ብሓድሽ ድማ ብሳድሰይቲ ሰዓትን ብታስዐይቲ ሰዓትን ኣቢሉ ወጺኡ: ከምኡ ገበረ። ድማ ብመበል ዓሰርተው ሓደ ሰዓት ወጺኡ: ካልኦት ደው ኢሎም ረኸበ፤ ንምንታይከ ምሉእ መዓልቲ ብዘይ ዕዮ ኣብዚ ደው እትብሉ፧ በሎም። ንሳቶም: ውዕለት ዜውዕለና ስኢንና: በልዎ። ንሱ፤ ንስኻትኩም ድማ ናብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኺዱ” በሎም።

እቲ በዓል ቤት ወይ ከኣ ዋና ናይቲ ኣታኽልቲ ወይኒ የሆዋ ኣምላኽ ኢዩ: እቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኸኣ ህዝቢ እስራኤል ኢዮም። እቶም ኣብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ዝዓዩ ኣብ ሕጊ ኪዳን እቱዋት ዝዀኑ ሰባት ኢዮም፣ ብፍላይ ከኣ እቶም ኣብ ግዜ ሃዋርያት ዝነብሩ ዝነበሩ ኣይሁድ ኢዮም። እቲ በዓል ቤት ምስቶም ምሉእ መዓልቲ ዝዓዩ ሰባት ጥራይ ኢዩ ናይ ውዕለት ስምምዕ ገይሩ። እቲ ውዕለት ከኣ ንምሉእ መዓልቲ ሓደ ዲናር ኢዩ። እታ ‘ሳልሰይቲ ሰዓት’ ሰዓት 9:00 ቅ.ቐ. ማለት ስለ ዝዀነት: እቶም ኣብ 3ይቲ: 6ይቲ: 9ይቲ: ከምኡውን መበል 11 እተጸውዑ ከከም ተርትኦም 9, 6, 3, ከምኡውን 1 ሰዓት ኢዮም ዓዮም።

እቶም 12 ሰዓት ወይ ከኣ ምሉእ መዓልቲ ዝዓየዩ ነቶም ብቐጻሊ ኣብ ሃይማኖታዊ ኣገልግሎት ትሑዛት ዝዀኑ ናይ ኣይሁድ መራሕቲ ኢዮም ዘመልክቱ። ከምቶም መብዛሕትኡ ህይወቶም ኣብ ዓሳ ምግፋፍ ወይ ከኣ ካልእ ዓለማዊ ስራሕ ኣብ ምስራሕ ዘሕለፍዎ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኣይኰኑን። እቲ “ብዓል ቤት” ነዚኣቶም ደቀ መዛሙርቱ ንኽዀኑ ክእክቦም ንየሱስ ክርስቶስ ዝለኣኾ ኣብ መወዳእታ ናይ 29 ከ.ኣ.ዘ. ኢዩ። በዚ ኸምዚ ኸኣ “ዳሕሮት” ወይ ከኣ እቲ ኣብ መበል 11 ሰዓት ዝመጸ ዓያዪ ኰኑ።

ኣብ መወዳእትኡ እታ ምሳልያዊት ናይ ስራሕ መዓልቲ ብሞት የሱስ ተወድአት እሞ: እቶም ዓየይቲ ውዕለቶም ዝኽፈሉሉ ግዜ በጽሐ። እቲ ዘይተለምደ ኣገባብ: ማለት ቅድም ነቲ መወዳእታ ዝመጸ ውዕለቱ ምኽፋል ሰዓበ: እዚ ኸኣ ከምዚ ብምባል ተገሊጹ ኣሎ:- “ምስ መሰየ: እቲ ብዓል ኣታኽልቲ ወይኒ ንኣዛዝ ቤቱ: ነቶም ሰብ ውዕለት ጸውዓዮም: ካብ ዳሕሮት ጀሚርካ ኸኣ ክሳዕ እቶም ቀዳሞት: ውዕለቶም ሀቦም: በሎ። እቶም ሰብ መበል ዓሰርተው ሓደ ሰዓት ቀሪቦም ደዲናሮም ተቐበሉ። እቶም ቀዳሞት ምስ ቀረቡ ግና: ዚበዝሕ ዚቕበሉ መሰሎም። ንሳቶም ከኣ ደዲናሮም ተቐበሉ። ምስ ተቐበሉ: በቲ ብዓል ቤት ኣዕዘምዘሙ: ነዞም ሓንቲ ሰዓት ጥራይ ዝዐየዩ ዳሕሮት: ንሕና ድኻም መዓልትን ዳህርን ዝጾርና: ምሳና ኣዳላደልካዮም: በልዎ። ንሱ ኸኣ መለሰ: ንሓደ ኻባታቶም በሎ፤ ዓርከይ: ኣይዐመጽኩኻን። ብሓደ ዲናርዶ ኣይተሳማማዕካንን፧ ዚብጽሓካ ደኣ ሒዝካ ኺድ። ነዚ ዳሕራይ ድማ ኽንድቲ ናትካ ኽህቦ ፍቓደይ እዩ። ወይስ በቲ ገንዘበይ ዝደሌኽዎ ኽገብርዶ ኣይተፈቕደለይን እዩ፧ ወይስ ኣነ ሕያዋይ ብምዃነይዶ ዓይንኻ ቐናእ እያ፧” ኣብ መደምደምታ ኸኣ የሱስ: “ከምኡ እቶም ዳሕሮት ቀዳሞት ኪዀኑ: እቶም ቀዳሞት ከኣ ዳሕሮት ኪዀኑ እዮም” ብምባል ነቲ ኣቐድም ኣቢሉ ኢልዎ ዝነበረ ነጥቢ ደገሞ።

ምቕባል ናይቲ ዲናር ኣብ ግዜ ሞት የሱስ ዘይኰነስ እቲ ‘ኣዛዝ ቤት’ ዝዀነ ክርስቶስ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሊ ደቀ መዛሙርቱ ምስ ኣፍሰሰ ኣብ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ኢዩ ተፈጺሙ። እዞም ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ከምቶም “ዳሕሮት” ወይ ከኣ ከምቶም ኣብ መበል 11 ሰዓት ዝመጹ ዓየይቲ ኢዮም። እዚ ዲናር ንህያብ መንፈስ ቅዱስ ኣይኰነን ዘመልክት። እቲ ዲናር እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዝጥቀሙሉ ነገር ኢዩ። መነባብሮኦም: ናይ ዘለኣለም ህይወቶም ማለት ኢዩ። መንፈሳዊ እስራኤል ከምኡውን ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ንምስባኽ እተቐባእካ ናይ ምዃን መሰል ኢዩ።

እቶም መጀመርታ እተቘጽሩ ዓየይቲ ብኡንብኡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ከም እተኸፍሉን ነቲ ምሳልያዊ ዲናር ክጥቀምሉ ከለዉን ይርእይዎም። እንተዀነ ግን: መንፈስ ቅዱስ ካብ ምቕባልን ካብቲ ምስኡ እተተሓሓዘ ናይታ መንግስቲ መሰላትን ንላዕሊ ኢዮም ደልዮም። እቲ ምጕርምራሞምን ምቅዋሞምን ነቶም ኣብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ “ዳሕሮት” ዓየይቲ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ክሳዕ ምስጓጕ ኣብጽሖም።

እዚ ናይ የሱስ ምሳሌ እዚ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ጥራይ ተፈጺሙ ኣኺልዎ ድዩ፧ ኣይፋሉን: ኣብዚ መበል 20 ክፍለ-ዘበን እውን ናይ ህዝበ- ክርስትያን ኣቕሽሽቲ ብምኽንያት ቦትኦምን ሓላፍነቶምን ኣብቲ ናይ ኣምላኽ ምሳልያዊ ኣታኽልቲ ወይኒ ክዓዩ እተቘጽሩ “ቀዳሞት” ኢዮም ነይሮም። ነቶም ምስ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ዝሓብሩ ህይወቶም ዝወፈዩ ሰበኽቲ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ተቐባልነት ዘለዎ መዝነት ክህልዎም ዘይክእል “ዳሕሮት” ገይሮም ረኣይዎም። እንተዀነ ግን: እዞም ኣቕሽሽቲ ዝናዓቕዎም ሰባት እዚኣቶም ኢዮም ነቲ ከም ቅቡኣት ኣምባሳደራት ናይ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምግልጋል ክብሪ ዘመልክት ዲናር እተቐበሉ። ማቴዎስ 19:⁠30–20:⁠16

▪ እቲ ኣታኽልቲ ወይኒ እንታይ ኢዩ ዘመልክት፧ ዋና ናይቲ ኣታኽልቲ ወይኒ: ከምኡውን እቶም 12 ሰዓትን 1 ሰዓትን ዝሰርሑ ዓየይቲ ንመን ኢዮም ዘመልክቱ፧

▪ እቲ ምሳልያዊ ናይ ዕዮ መዓልቲ መዓስ ኢዩ ዝውዳእ: መዓስከ ኢዩ ውዕለት እተኸፍለ፧

▪ ዲናር ምኽፋል እንታይ ኢዩ ዘመልክት፧