ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብቲ ኣጸድ እተፈጸመ ክሕደት

ኣብቲ ኣጸድ እተፈጸመ ክሕደት

ምዕራፍ 120

ኣብቲ ኣጸድ እተፈጸመ ክሕደት

ጴጥሮስን ዮሃንስን ንየሱስ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ጌተሴማኔ ገዲፎምዎ ፈሪሖም ምስቶም ካልኦት ሃዋርያት ሃደሙ: ደሓር ግን ካብ ምህዳም ደው በሉ። ምናልባት የሱስ ናብ ቤት ሃና ክውሰድ ከሎ ኣርኪቦሞ ይዀኑ ኢዮም። ሃና ንየሱስ ናብ ሊቀ ኻህናት ቀያፋ ክሰዶ ከሎ ጴጥሮስን ዮሃንስን ርሕቕ ኢሎም ሰዓብዎ: በቲ ሓደ ወገን ንህይወቶም ፈሪሖም በቲ ኻልእ ወገን ድማ ንጐይትኦም እንታይ ኰን የጓንፎ ብምባል ተጨኒቖም ከም ዝነበሩ ርዱእ ኢዩ።

ኣብቲ ገፊሕ መንበሪ ናይ ቀያፋ ምስ በጽሑ: ዮሃንስ ኣብ ቤት እቲ ሊቀ ካህናት ፍሉጥ ስለ ዝነበረ ናብቲ ኣጸድ ክኣቱ ከኣለ። ጴጥሮስ ግን ኣብቲ ደገ ደው ኢሉ ኢዩ ነይሩ። ዮሃንስ ግን ብቕልጡፍ ነታ ሓላዊት ማዕጾ ዝነበረት ገረድ ተዛረባ እሞ: ጴጥሮስ ከኣ ክኣቱ ተፈቕደሉ።

ሽዑ ቍሪ ኢዩ ነይሩ: እቶም ኣገልገልትን መኳንንትን ናይቲ ሊቀ ኻህናት ከኣ ሓዊ ኣጒዶም ነበሩ። ጴጥሮስ ንየሱስ እንታይ ከም ዝፈርድዎ ክሰምዕ እናተጸበየ ምስኦም ኰይኑ ሓዊ ይስሕን ነበረ። እታ ንጴጥሮስ ዘእተወቶ ገረድ ብብርሃን ናይቲ ድሙቕ ሓዊ ጽቡቕ ገይራ ረአየቶ። “ንስኻውን ምስ የሱስ ገሊላዊ ኔርካ ኢኻ” ኸኣ በለቶ።

ስለ እተፈልጠ ሰንቢዱ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ንየሱስ ኣይፈልጦን እየ ብምባል ከሓደ። “እዚ ንስኺ እትብልዮ ዘሎኺ ኣይፈልጦን ኣየስተውዕሎንውን እየ” ኢሉ ኸሓደ።

ሽዑ ጴጥሮስ ናብ ጥቓ እቲ ማዕጾ ኸደ። ኣብኡ ኸኣ ካልእ ጓል ኣለለየቶ እሞ: ነቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ “እዚ ምስ የሱስ ናዝራዊ ነይሩ እዩ” በለቶም። እንደገና ኸኣ ጴጥሮስ “ነቲ ሰብኣይ እቲ ኣይፈልጦን” ኢሉ ብምምሓል እንደገና ከሓዶ።

ጴጥሮስ ካብቲ ኣጸድ ኣይወጸን ብእተኻእሎ መጠን ከኣ ከይፍለጥ ተሓብአ። ኣብዚ ደረጃ እዚ ኣብ ወጋሕታ ደርሆ ክንቁ ምስ ሰምዖ ሰንቢዱ ይኸውን ኢዩ። ክሳዕ ሽዑ እቲ ናይ የሱስ ፍርዲ ይቕጽል ኢዩ ነይሩ። እቲ ፍርዲ ኣብቲ ብልዕሊ እቲ ኣጸድ ዝነበረ ክፍሊ ናይቲ ገዛ ይካየድ ምንባሩ ኸኣ ንጹር ኢዩ። እቶም ኣብ ታሕቲ ዝጽበዩ ዝነበሩ ጴጥሮስን እቶም ካልኦትን ከኣ እተፈላለዩ መሰኻኽር ክኸዱን ክመጹን ከለዉ ይርእይዎም ከም ዝነበሩ ኣየጠራጥርን ኢዩ።

ንጴጥሮስ ምስ የሱስ ሕብረት ዘለዎ ገይሮም ካብ ዘለለይዎ ሓደ ሰዓት ኣቢሉ ሓለፈ። ሕጂ ኸኣ ካብቶም ደው ኢሎም ዝነበሩ ሓያሎ ናብኡ መጺኦም “ንስኻ ብሓቂ ኻባታቶም ኢኻ: ዘረባኻውን የፍልጠካ አሎ” በልዎ። ሓደ ካብቶም ኣብኡ ዝነበሩ ዘመድ ማልኩስ እቲ ጴጥሮስ እዝኑ ዝቘረጾ ሰብኣይ ኢዩ። “ኣብቲ ኣታኽልቲዶ ባዕለይ ምስኡ ኣይርኤኹካን፧” ከኣ በሎ።

ጴጥሮስ ከኣ ኣትርር ኣቢሉ “ነቲ ሰብአይ እቲ ኣይፈልጦን እየ” በለ። ከም እተጋገዩ ንኸእምኖም ከኣ ክምሕልን ክራገምን ጀመረ: ሓቂ ይዛረብ እንተ ዘየልዩ ኣብ ርእሱ ክፉእ ክወርዶ ኸኣ ተዛረበ።

ጴጥሮስ ሳልሳይ ግዜ ክኽሕድ ከሎ ደርሆ ነቀወ። ሽዑ ኸኣ የሱስ ናብቲ ልዕሊ እቲ ኣጸድ ዘሎ ሰገነት ወጸ እሞ ተገልቢጡ ጠመቶ። ብኡንብኡ ኸኣ ጴጥሮስ ነቲ ቅድሚ ገለ ሰዓታት ኣብቲ ላዕላይ ደርቢ ከለዉ የሱስ “ደርሆ ኽልተ ሳዕ ከይነቀወ: ሰለስተ ሳዕ ክትክሕደኒ ኢኻ” ዝበሎ ዘከረ። ብኽብደት ናይ ሓጢኣቱ ተደቚሱ ጴጥሮስ ናብ ደገ ወጸ እሞ ኣምሪሩ በኸየ።

እዚ ከመይ ኢሉ ክኸውን ይኽእል፧ ጴጥሮስ ብዛዕባ መንፈሳዊ ብርታዐኡ ርግጸኛ ኽነሱ: ብቕልጡፍ ሰለስተ ግዜ ኣከታቲሉ ንጐይትኡ ከመይ ገይሩ ይኽሕዶ፧ ጴጥሮስ በቲ ኵነታት ከም እተዳህለለ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ሓቂ ተዘናቢሉ: የሱስ ከኣ ከም ጽዩፍ ገበነኛ ኢዩ ዝርአ ዘሎ። እቲ ቅኑዕ ከም ጌጋ: እቲ ገበን ዘይብሉ ከኣ ከም በደለኛ ኢዩ ዝውሰድ ዘሎ። ስለዚ ብጸቕጢ ናይቲ ኣጋጣሚ ጴጥሮስ ሚዛኑ ስሒቱ ነበረ። ብሃንደበት ከኣ እቲ ንተኣማንነት ዝነበሮ ግቡእ ኣረኣእያ ተበላሸወ፣ ዘሕዘኖ ኸኣ ብፍርሂ ሰብ ለመሰ። እዝስ ፈጺሙ ኣየጋጥመና! ማቴዎስ 26:⁠57, 58, 69-75፣ ማርቆስ 14:⁠30, 53, 54, 66-72፣ ሉቃስ 22:⁠54-62፣ ዮሃንስ 18:⁠15-18, 25-27

▪ ጴጥሮስን ዮሃንስን ኣብ ኣጸድ ናይቲ ሊቀ ካህናት ብኸመይ ኢዮም ዝኣተዉ፧

▪ ጴጥሮስን ዮሃንስን ኣብቲ ኣጸድ ከለዉ: ኣብ ውሽጢ እቲ ገዛ እንታይ ይግበር ነበረ፧

▪ ደርሆ ክንደይ ሳዕ ኢዩ ዝንቁ: ጴጥሮስከ ንክርስቶስ ከም ዝፈልጦ ክንደይ ሳዕ ከሓደ፧

▪ ጴጥሮስ ምርጋሙን ምምሓሉን እንታይ ማለቱ ኢዩ፧

▪ ጴጥሮስ ንየሱስ ኣይፈልጦን ኢየ ኢሉ ከም ዝኽሕድ ዝገበሮ እንታይ ኢዩ፧