ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ መዓልቲ ሰንበት ሸዊት ምቕንጣብ

ኣብ መዓልቲ ሰንበት ሸዊት ምቕንጣብ

ምዕራፍ 31

ኣብ መዓልቲ ሰንበት ሸዊት ምቕንጣብ

ድሕሪ ሓጺር ግዜ የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ካብ የሩሳሌም ናብ ገሊላ ተመልሱ። እዋኑ ጽድያ ኢዩ ነይሩ: ኣብቲ ግርሁ ኸኣ ዝሸወተ እኽሊ ነበረ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ጠመዩ። ስለዚ ሸዊት ቀንጢቦም በልዑ። መዓልቲ ሰንበት ስለ ዝነበረ ግን እቲ ዝገበርዎ ከይተራእየ ኣይሓለፈን።

እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት መዓልቲ ሰንበት ብምጥሓሱ ንየሱስ ክቐትልዎ ኢዮም ዝደልዩ ነይሮም። ሕጂ ኸኣ እቶም ፈሪሳውያን ክሲ ኣቕረቡ። “እንሆ: ደቀ መዛሙርትኻ ብሰንበት ምግባሩ ዘይግባእ ይገብሩ አለዉ” በልዎ።

እቶም ፈሪሳውያን ሸዊት ቀንጢብካ በእዳውካ ሓሲኻ ምጕሳሙስ ልክዕ ኣኺድካ ኸም ምእታው ኢዩ ይብሉ ነበሩ። ንሳቶም ነቲ ቀንጠመንጢ እውን ከይተረፈ ከም ስራሕ ገይሮም ምውሳዶም መዓልቲ ሰንበት ጽዕነት ከም እትኸውን ገበራ። ብሓቂ ግን: እተሐጕስ: ብመንፈስ እትሃንጽ መዓልቲ ኢያ ክትከውን ነይርዋ። ስለዚ የሱስ እቲ የሆዋ ዝሰርዖ ሕጊ ሰንበት ከምዚ ዝበለ ጥብቂ ኣወዓዕላ ክህልዎ ፈጺሙ ዕላምኡ ከም ዘይኰነ ንምግላጽ: ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣብነታት ብምቕራብ ተኸላኸለ።

የሱስ: ዳዊትን ሰቡን ምስ ጠመዩ በቲ ቤት መቕደስ ሓሊፎም ካብ እንጌራ ምርኣይ ከም ዝበልዑ ተዛረበ። እቲ እንጌራ ድሮ ብኻልእ ሓድሽ ተተኪኡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኢዩ ተቐሚጡ ነይሩ: ክበልዕዎ ዝነበሮም ከኣ እቶም ካህናት ኢዮም። ይኹን እምበር: ኣብ ከምዚ ዝበለ ኵነታት ዳዊትን ሰቡን ብምብልዖም ኣይተዀነኑን።

ካልእ ኣብነት ብምሃብ ከኣ የሱስ ከምዚ በለ:⁠-“ካህናት አብ ቤተ መቕደስ ብመዓልቲ ሰንበትሲ ንሰንበት ከም ዚስዕርዋ: በደል ከኣ ከም ዘይኰኖምከ: ኣብ ኦሪትዶ ኣየንበብኩምን፧” እወ: እቶም ካህናት ኣብ መዓልቲ ሰንበት እውን ከይተረፈ ነቲ ናይ እንስሳታት መስዋእቲ ንምቕራብ ይሓርዱን ካልእ ኣብ ቤት መቕደስ ዝግበር ዕዮ ይፍጽሙን ኢዮም! የሱስ “ኣነ ግና: ካብ ቤተ መቕደስ ዚዐቢ ኣብዚ ኸም ዘሎ: እብለኩም አለኹ” በሎም።

የሱስ ነቶም ፈሪሳውያን ብምምዓድ “ምሕረት እፈቱ: መስዋእቲ ኣይኰነን: እንታይ ምዃኑ እንተ ትፈልጡስ: ኣብዞም በደል ዜብሎም ኣይምፈረድኩምን ኔርኩም” በሎም። ብድሕርዚ ‘ወዲ ሰብ ጐይታ ሰንበት እዩ’ ብምባል ደምደመ። የሱስ ከምኡ ምባሉ እንታይ ማለቱ ኢዩ ነይሩ፧ የሱስ ነቲ ሰላም ዝሰፈኖ ሽሓዊ ግዝኣት ናይታ መንግስቱ ኢዩ ዘመልክት ነይሩ።

ደቅሰብ ን6000 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ናይ ሰይጣን ድያብሎስ ከቢድ ባርነት ይሳቐዩ ኢዮም ዘለዉ: ዓመጽን ውግእን ከኣ መዓልታዊ ተርእዮ ኢዩ ኰይኑ ዘሎ። በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ እታ ናይ ዝዓበየት ሰንበት ግዝኣት ክርስቶስ ካብ ኵሉ ከምዚ ዝበለ ስቅያትን ጭቆናን ሓራ ዝዀነ እዋን ክኸውን ኢዩ። ማቴዎስ 12:⁠1⁠-​8፣ ዘሌዋውያን 24:⁠5⁠-​9፣ 1 ሳሙኤል 21:⁠1⁠-​6፣ ዘሁልቍ 28:⁠9፣ ሆሴእ 6:⁠6

▪ ኣንጻር እቶም ደቀ መዛሙርቲ የሱስ እንታይ ክሲ ኢዩ ቀሪቡ: የሱስከ ብኸመይ መለሰሉ፧

▪ የሱስ እንታይ ጉድለት ናይ ፈሪሳውያን ኢዩ ዘብርሀ፧

▪ የሱስ “ጐይታ ሰንበት” ዝኸውን በየናይ መገዲ ኢዩ፧