ኣብ መዓልቲ ሰንበት ክግበር ግቡእ ዝኸውን እንታይ ኢዩ፧
ምዕራፍ 32
ኣብ መዓልቲ ሰንበት ክግበር ግቡእ ዝኸውን እንታይ ኢዩ፧
የሱስ ናብ ሓንቲ ጥቓ ባሕሪ ገሊላ እትርከብ ቤት ጸሎት ዝኸደላ ካልእ መዓልቲ ሰንበት ኢያ ነይራ። ኣብኡ ሓደ የማነይቲ ኢዱ ዝነቐጸት ሰብኣይ ነበረ። ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ከኣ የሱስ ነቲ ሰብኣይ ዘሕውዮን ዘየሕውዮን ንኽርእዩ ቀሪቦም ይዕዘቡ ነበሩ። ኣብ መወዳእትኡ “ብሰንበት ምፍዋስዶ ግቡእ እዩ፧” ኢሎም ሓተትዎ።
እቶም ናይ ኣይሁድ መራሕቲ ሃይማኖት: ኣብ መዓልቲ ሰንበት ምሕዋይ ግቡእ ዝኸውን ንህይወት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ኵነታት ምስ ዝህሉ ጥራይ ኢዩ ኢሎም ኢዮም ዝኣምኑ ነይሮም። ንኣብነት ኣብ መዓልቲ ሰንበት ዓጽሙ ንዝተሰብረ ምእሳር ወይ ንዝተገምየ ምጅናን ዘይግባእ ኢዩ ኢሎም ይምህሩ ነበሩ። ስለዚ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ዘኽስሶ ነገር ንኽረኽቡሉ ኢሎም ንየሱስ ይሓትዎ ነበሩ።
ይኹን እምበር: የሱስ ኣተሓሳስብኦም ፈለጦ። ብዛዕባ ንመዓልቲ ሰንበት ምጥሓስ ከምኡውን ስራሕ ንምኽልካል ዝድለ ነገራት ዝምልከት ሕልፍ ዝበለ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ኣረኣእያ ከም ዝለመዱ ተገንዘበ። ስለዚ የሱስ ነቲ ኢዱ ዝነቐጸት ሰብኣይ “ተንስእ እሞ ኣብ ማእከል ደው በል” ብምባል እቲ መድረኽ ንሓደ ውዕዉዕ ዝዀነ ኣከራኻሪ ጕዳይ ከም ዝዳሎ ገበሮ።
ካብኡ ናብቶም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ግልጽ ኢሉ “ካባኻትኩምከ ሓንቲ በጊዕ ዘላቶ እሞ ብሰንበት ኣብ ጕድጓድ እንተ ወደቐት: ዘይሕዛን ዘየውጽኣን እንታዋይ ሰብ አሎ፧” በሎም። ሓንቲ በጊዕ ተሸይጣ ዋጋ ስለ እተውጽእ ምናልባት ከይትሓምም እሞ ክሳራ ከይተምጽኣሎም ክሳዕ ንጽብሒቱ ኣብቲ ጕድጓድ ኣይገድፍዋን ኢዮም። ብዘይካ እዚ ኸኣ ቅዱሳት ጽሑፋት “ጻድቕ ንነፍሲ እንስሳኡ ይርሕርሓሉ” ኢዩ ዝብል።
ምስ እዚ ብምምስሳል የሱስ ቀጺሉ “ካብ በጊዕሲ ሰብዶ ግዳ ኣዝዩ ኣይበልጽን፧ እምብኣርሲ: ብሰንበት ጽቡቕ ምግባር ግቡእ እዩ” በሎም። እቶም ሃይማኖታውያን መራሕቲ ንኸምዚ ዝበለ ርትዓውን ድንጋጽ ዘለዎን ኣተሓሳስባ ጌጋ ምዃኑ ከረጋግጹ ኣይከኣሉን: ስለዚ ስቕ በሉ።
የሱስ በቲ ዓሻ ትሮም ብምሕራቕን ብምጕሃይን ጠመቶም። ካብኡ ነቲ ሰብኣይ “ኢድካ ዘርግሕ” በሎ። ንሱ ኸኣ ዘርግሓ እሞ: ኢዱ ሓወየት።
ፈሪሳውያን ኢድ ናይቲ ሰብኣይ ብምሕዋያ ኣብ ክንዲ ዝሕጐሱ ብኡብኡ ወጺኦም ንኽቐትልዎ ምስቶም ሰዓብቲ ሄሮድስ ዝነበሩ ወገን ክማኸሩ ከዱ። እዚ ፖለቲካዊ ጉጅለ እዚ ንኣባላት ሃይማኖት ሰዱቃውያን ዘጣመረ ምዃኑ ርዱእ ኢዩ። ከም ልሙድ እዞም ፖለቲካውያን ጉጅለ እዚኣቶምን ፈሪሳውያንን ብጋህዲ ኣንጻር ኢዮም ነይሮም: ኣብቲ ንየሱስ ዘለዎም ተቓውሞ ግን ድልዱል ሕብረት ነበሮም። ማቴዎስ 12:9-14፣ ማርቆስ 3:1-6፣ ሉቃስ 6:6-11፣ ምሳሌ 12:10፣ ዘጸኣት 20:8-10
▪ እቲ ኣብ መንጎ የሱስን እቶም ሃይማኖታውያን መራሕትን ዘጋጠመ ብርቱዕ ክርክር ከመይ ዝበለ መልክዕ ኢዩ ነይርዎ፧
▪ እዞም ናይ ኣይሁድ ሃይማኖታውያን መራሕቲ እዚኣቶም ብዛዕባ ኣብ መዓልቲ ሰንበት ምሕዋይ እንታይ ኢዮም ዝኣምኑ ነይሮም፧
▪ የሱስ ነቲ ግጉይ ኣረኣእይኦም ከንቱ ንምግባር ንኸረጋግጸሎም እንታይ መብርሂ ኢዩ እተጠቕመ፧