ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ቃና ዝገበሮ ካልኣይ ተኣምራት

ኣብ ቃና ዝገበሮ ካልኣይ ተኣምራት

ምዕራፍ 20

ኣብ ቃና ዝገበሮ ካልኣይ ተኣምራት

ሰፊሕ ናይ ስብከት ወፈራ ድሕሪ ምግባሩ የሱስ ናብ ዓዱ ተመልሰ: ንኸዕርፍ ግን ኣይኰነን። ኣብ ክንድኡስ ኣብቲ ዝዓበየሉ ምድሪ ገሊላ ዝሰፍሐ ኣገልግሎት ንምጅማር ኢዩ። ደቀ መዛሙርቱ ግን ምስኡ ኣብ ክንዲ ዝዀኑ ናብ ስድራቤቶምን ናብቲ ናይ ቅድም ዕዮኦምን ተመልሱ።

የሱስ እንታይ ኢሉ ኢዩ ክሰብኽ ዝጀመረ፧ ‘መንግስቲ ኣምላኽ ቀሪባ: ተነስሑ ብወንጌልውን እመኑ’ እናበለ ሰበኸ። እቲ ዝሃብዎ ምላሽከ ከመይ ነበረ፧ እቶም ሰብ ገሊላ ንየሱስ ተቐበልዎ። ኵሎም ከኣ ኣኽበርዎ። ይኹን እምበር: ከምኡ ዝገበሩ ብምኽንያት መልእኽቱ ዘይኰነስ ነቲ ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ ኣብ ግዜ በዓል ፋስጋ ኣብ የሩሳሌም ዝገበሮ ዘደንቕ ምልክታት ስለ ዝረኣዩ ኢዩ: ሽዑ ብዙሓት ካብኣቶም ኣብኡ ነይሮም ኢዮም።

የሱስ እቲ ሰፊሕ ናይ ገሊላ ኣገልግሎቱ ኣብ ቃና ኢዩ ጀሚርዎ። ኣቐ​ድም ኣቢሉ ካብ ይሁዳ ክምለስ ከሎ ኣብ ሓደ መርዓ ንማይ ናብ ወይኒ ከም ዝቐየረ ትዝክሮ ትኸውን። ኣብቲ ካልኣይ ኣጋጣሚ ኸኣ ንሓደ ኣብ ምምሕዳር ንጉስ ሄሮድስ ኣንጢጳስ ስልጣን ዝነበሮ ሰብ: ወዱ ኣዝዩ ሓመመ። የሱስ ካብ ይሁዳ ናብ ቃና ከም ዝመጸ ብምስምዑ እቲ በዓል⁠-​ስልጣን ካብ ቤቱ ካብ ቅፍርናሆም ንየሱስ ደልዩ ነዊሕ ተጓዕዘ። እቲ ሰብኣይ ብሓዘን ተዋሒጡ ነበረ እሞ: “ጐይታይ: ወደይ ከይሞተ ውረድ” ኢሉ ለመኖ።

የሱስ ከኣ “ኪድ: ወድኻ ሐውዩልካ” ኢዩ በሎ። እቲ ናይ ሄሮድስ በዓል⁠-​ስልጣን ኣመነ ናብ ቤቱ ንምምላስ ከኣ ነዊሕ ጉዕዞ ጀመረ። ክምለስ ከሎ ኸኣ ባሮቱ ኵሉ ደሓን ከም ዘሎ: ወዱ ከም ዝሓወየ ንኽነግርዎ ናብኡ ክመጹ ረኸቦም። ንሱ ኸኣ “እታ ዝሐወየላ ሰዓት” ሓተቶም።

ንሳቶም ድማ ‘ትማሊ ሰዓት 1:00 ድ.ቐ.’ ኢሎም መለስሉ።

እቲ በዓል-ስልጣን ከኣ እታ የሱስ “ወድኻ ሐውዩልካ” ኢሉ ዝነገሮ ሰዓት ምዃና ተገንዘበ። ብድሕርዚ እቲ ሰብኣይን ምልእቲ ስድራቤቱን ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኰኑ።

ቃና እምበኣር የሱስ ካብ ይሁዳ ከም እተመልሰ ንኸመልክት ክልተ ግዜ ተኣምራት ብምግባር ፍሉይ ቆላሕታ ዝረኸበት ቦታ ኰነት። ክሳዕ እቲ ግዜ እቲ ዝገበሮ ተኣምራታት እዚ ጥራይ ከም ዘይነበረ ርግጽ ኢዩ: እንተዀነ ግን እዚኣተን ትርጕም ዘለወን ዝዀና ናብ ገሊላ ምምላሱ ዘመልክታ ብምንባረን ኢዩ።

ሕጂ የሱስ ናብ ዓዱ ናብ ናዝሬት ገጹ ከደ። ኣብኡ እንታይ ይጽበዮ ኣሎ፧ ዮሃንስ 4:⁠43⁠-​54፣ ማርቆስ 1:⁠14, 15፣ ሉቃስ 4:⁠14, 15

▪ የሱስ ናብ ገሊላ ክምለስ ከሎ ንደቀ መዛሙርቱ እንታይ ኣጓነፎም: ሰባትከ ብኸመይ ተቐበልዎ፧

▪ የሱስ እንታይ ተኣምራት ኢዩ ዝገበረ: ነቶም ኣብኡ እቱዋት ዝነበሩኸ ብኸመይ ተንከፎም፧

▪ የሱስ ንቃና ፍሉይ ቆላሕታ ዝገበረላ ብኸመይ ኢዩ፧