ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ቅድሚ ሳንሄድሪን ብድሕሪኡ ኸኣ ናብ ጲላጦስ

ኣብ ቅድሚ ሳንሄድሪን ብድሕሪኡ ኸኣ ናብ ጲላጦስ

ምዕራፍ 121

ኣብ ቅድሚ ሳንሄድሪን ብድሕሪኡ ኸኣ ናብ ጲላጦስ

ለይቲ ናብ ምውዳእ ገጹ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ። ጴጥሮስ ንሳልሳይ ግዜ ንየሱስ ከሓዶ: እቶም ኣባላት ሳንሄድሪን ከኣ እቲ ናይ ምትላል ፍርዶም ወዲኦም ተበቲኖም ኢዮም። ይኹን እምበር: ምስ ወግሐ ዓርቢ ንግሆ እንደገና ኣብ ኣደራሽ ሳንሄድሪን ተኣከቡ። ዕላምኦም እቲ ብለይቲ ዝገበርዎ ፍርዲ ሕጋዊ ንኸምስልዎ ኢዩ። የሱስ ኣብ ቅድሚኦም ምስ ኣምጽእዎ: ከምቲ ለይቲ ዝበልዎ “ንስኻ እቲ ክርስቶስ እንተ ዄንካስ: እስኪ ንገረና” በልዎ።

የሱስ ከኣ “እንተ ነገርኩኹም: ኣይትአምኑን” ኢሉ መለሰሎም። ቀጺሉ ኸኣ “እንተ ሐተትኩኹም ድማ: ኣይትመልሱለይን” በሎም። ይኹን እምበር: የሱስ ብትብዓት “ወዲ ሰብ ግና ካብ ሕጂ ኣብ የማን ሓይሊ ኣምላኽ ኪቕመጥ እዩ” ብምባል መንነቱ ነገሮም።

ኵሎም ክፈልጡ ስለ ዝደለዩ ኸኣ “እምብኣርከ ንስኻስ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ፧” ኢሎም ሓተትዎ።

የሱስ ከኣ “ንስኻትኩም እኳ ትብሉ አሎኹም” በሎም።

ነዞም ክቐትሉ ዝደልዩ ዝነበሩ ሰባት እዚ መልሲ እዚ እኹል ኢዩ። ከም ጸርፊ ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ። “ባዕላትና ኻብ ኣፉ ድሕሪ ሰማዕናኸ: ደጊም እንታይ ምስክር የድልየና፧” በሉ። ስለዚ ንየሱስ ኣሲሮም ወሰድዎ: ናብቲ ሮማዊ ገዛኢ ጶንጢዮስ ጲላጦስ ከኣ ኣረከብዎ።

እቲ ንየሱስ ኣሕሊፉ ዝሃቦ ይሁዳ እቲ ዝውሰድ ዝነበረ ስጕምትታት ይዕዘብ ነበረ። የሱስ ከም ገበነኛ ምዅናኑ ምስ ረኣየ ተጣዕሰ። ስለዚ ናብቶም ሊቃውንቲ ካህናትን ዓበይቲ ህዝብን ከይዱ “ንጹህ ደም ኣሕሊፈ ብምሃበይ በደልኩ” ኢሉ እቲ 30 ቅርሺ መለሰሎም።

ብጭከና “ንሕና እሞ እንታይ ገዲሱና፧ ባዕልኻ ትፈልጥ” በልዎ። ስለዚ ይሁዳ ነቲ ኣቕራሽ ኣብ ቤት መቕደስ ደርበዮ እሞ ከይዱ ተሓንቀ። ይኹን እምበር: እቲ ይሁዳ ገመድ ዘንጠልጠለሉ ጨንፈር ተበጠሰ እሞ: ኣካላቱ ናብቲ ኣብ ትሕቲኡ ዝነበረ ኸውሒ ወደቑ ተጨንድሐ።

እቶም ሊቃውንቲ ካህናት ነቲ ኣቕራሽ እንታይ ከም ዝገብርዎ ጠፍኦም። “ዋጋ ደም እዩ እሞ: ናብ ሳጹን ምጽዋት ከነእትዎ ኣይግባእን” ኢዩ ኢሎም ደምደሙ። ስለዚ ድሕሪ ምምኽኻሮም: በቲ ገንዘብ ገይሮም ንኣጋይሽ ዝኸውን መቓብር ካብቲ ሰራሕ መሬት ግራት ዓደጉ። ስለዚ እቲ ግራት “ግራት ደም” ተባሂሉ ተጸውዐ።

የሱስ ናብ ቤተ-መንግስቲ ናይቲ ኣማሓዳሪ ክውሰድ ከሎ ገና ንግሆ ኢዩ ነይሩ። እቶም ዘሰነይዎ ኣይሁድ ግና ምስ ኣህዛብ ጥብቂ ርክብ ምግባር ዘርክሶም ኰይኑ ስለ ዝስምዖም ኣብኡ ምእታው ኣበዩ። ስለዚ ንዕኦም ንኸጠዓዕም ጲላጦስ ባዕሉ ናባታቶም ወጸ። “ነዚ ሰብኣይዚ እንታይ ክሲ ተምጽኡሉ አሎኹም፧” ኢሉ ሓተቶም።

ንሳቶም ከኣ “እዚ ገባር ክፉእ እንተ ዘይከውንሲ: ናባኻ ኣይመሕለፍናዮን ኔርና” ኢሎም መለሱሉ።

ጲላጦስ ኣብቲ ጕዳይ ኢዱ ከእቱ ስለ ዘይደለየ “ውሰድዎ: ከምቲ ሕግኹም ጌርኩምውን ፍረድዎ” ኢሉ መለሰሎም።

እቶም ኣይሁድ ነቲ ናይ ቅትለት ዕላምኦም ብምግሃድ “ንኣናስ ንሓደ እኳ ኽንቀትል ከቶ ኣይተፈቕደልናን” በልዎ። ብሓቂ ኸኣ ንየሱስ ኣብ እዋን በዓል ፋስጋ እንተድኣ ቀቲሎምዎ ህዝቢ ክንዓብ ኢዩ: ምኽንያቱ ብዙሓት ንየሱስ ኣኽቢሮም ኢዮም ዝርእይዎ ነይሮም። እቶም ሮማውያን ብፖለቲካዊ ክሲ ከም ዝቐትልዎ እንተ ገይሮም ግን: እቶም ህዝቢ ብሓላፍነት ኣይሓትዎምን ኢዮም።

ስለዚ እቶም መራሕቲ ሃይማኖት እቲ ቅድም ንየሱስ ከም ጸራፊ ክዅንንዎ ከለዉ ዝገበርዎ ፍርዲ ከይጠቐሱ: ሕጂ እተፈልየ ክስታት ኣቕረቡ። ሰለስተ ክፍሊ ዘለዎ ክሲ ኣቕረቡሉ:- “እዚ ሰብኣይ እዚ [1] ንህዝብና ከለዓዕሎም: [2] ንቄሳር ግብሪ ኸይግብሩ ኸኣ ኪኽልክሎም: [3] ርእሱ ክርስቶስ ንጉስ እየ: ኢሉውን ኪዛረቦም ከሎ ረኺብናዮ።”

እቲ ንጲላጦስ ዘገድሶ ክሲ: የሱስ ንጉስ ኢየ ምባሉ ኢዩ። ስለዚ እንደገና ናብቲ ቤተ መንግስቲ ኣተወ: ንየሱስ ናብኡ ጸዊዑ ኸኣ “ንስኻዶ ንጉስ ኣይሁድ ኢኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። ብኻልእ ኣዘራርባ ‘ንጉስ ኢየ ኢልካ ሕጊ ብምፍራስ ኣንጻር ቄሳር ኬድካ ዲኻ፧’ ማለቱ ኢዩ።

የሱስ ጲላጦስ ብዛዕብኡ ኽንደይ ዝኣክል ከም ዝሰምዐ ክፈልጥ ስለ ዝደለየ: “እዚ እትዛረቦስ ካብ ርእስኻ ዲኻ እትብሎ ዘሎኻ: ወይስ ብዛዕባይ ካልኦት ነጊሮምኻ እዮም፧” ኢሉ ሓተቶ።

ጲላጦስ ብዛዕብኡ ዋላ ሓንቲ ነገር ከም ዘይፈልጥ ተኣመነ: እቲ ሓቂ ዝዀነ ነገር ክፈልጥ ድልየት ከም ዘለዎ ብምግላጽ “ኣነ እሞ ኣይሁዳዊ ደዀይነ፧ ህዝብኻን ሊቃውንቲ ኻህናትን ደይኰኑን ናባይ ዘሕለፉኻ፧ እንታይ ጌርካ ኢኻ፧” በሎ።

የሱስ ነቲ ብዛዕባ ንግስነቱ ዝቐረበ ክሲ ሸፋፊኑ ክሓልፎ ኣይደለየን። እቲ የሱስ ዝሃቦ መልሲ ንጲላጦስ ከም ዘገረሞ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ሉቃስ 22:⁠66 –23:⁠3፣ ማቴዎስ 27:⁠1-11፣ ማርቆስ 15:⁠1፣ ዮሃንስ 18:⁠28-35፣ ግብሪ ሃዋርያት 1:⁠16-20

▪ እቶም ኣባላት ሳንሄድሪን ንግሆ እንደገና እተኣከቡ ንምንታይ ዕላማ ኢዮም፧

▪ ይሁዳ ዝሞተ ብኸመይ ኢዩ: እቲ 30 ቅርሺኸ ኣብ ምንታይ ወዓለ፧

▪ እቶም ኣይሁድ ንየሱስ ባዕሎም ኣብ ክንዲ ዝቐትልዎ ሮማውያን ክቐትልዎ ዝደለዩ ስለምንታይ ኢዮም፧

▪ እቶም ኣይሁድ ንየሱስ እንታይ ኢሎም ኢዮም ዝኸሰስዎ፧