ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ቅፍርናሆም እተገብረ ተወሳኺ ተኣምራት

ኣብ ቅፍርናሆም እተገብረ ተወሳኺ ተኣምራት

ምዕራፍ 23

ኣብ ቅፍርናሆም እተገብረ ተወሳኺ ተኣምራት

የሱስ ነቶም ናይ መጀመርታ ደቀ መዛሙርቱ​—⁠ጴጥሮስ: እንድርያስ: ያእቆብ: ከምኡውን ዮሃንስ​—⁠ድሕሪ ምጽውዑ ኣብ ዝነበረት ሰንበት ኵሎም ኣብቲ ከባቢ ናብ ዝነበረ ቤት ጸሎት ከዱ። ኣብኡ የሱስ ክምህር ጀመረ: እቶም ህዝቢ ኸኣ ከምቶም ጸሓፍቲ ዘይኰነስ ከም ሓደ ስልጣን ዘለዎ ኰይኑ ይምህሮም ስለ ዝነበረ ተገረሙ።

ኣብዛ መዓልቲ ሰንበት እዚኣ ጋኔን ዝሓዞ ሰብኣይ ኣብኡ ነበረ። ቁሩብ ጸኒሑ ኸኣ ዓው ብዝበለ ድምጺ “የሱስ ናዝራዊ: ምሳኻ እሞ እንታይ አሎና፧ ከተጥፍኣናዶ መጺእካ፧ ኣታ ናይ ኣምላኽ ቅዱስ: መን ምዃንካ ፈሊጠካ አሎኹ” እናበለ ጨደረ።

ነቲ ሰብኣይ ተቘጻጺርዎ ዝነበረ ጋኔን ሓደ ካብቶም ናይ ሰይጣን መላእኽቲ ኢዩ። ነቲ ጋኔን ብምግናሕ ከኣ የሱስ “ስቕ በል: ካብኡውን ውጻእ” በሎ።

እቲ ጋኔን ነቲ ሰብኣይ ፈንጠርጠር ኣበሎ እሞ ብዓቢ ድምጺ እናጨደረ ኸኣ ካብኡ ወጸ። ይኹን እምበር: ነቲ ሰብኣይ ከይጐድኦ ኢዩ ወጺኡ። ኵሉ ሰብ ከኣ ተገረመ! “እንታይ እዩ እዚ፧ . . . ንርኹሳት መናፍስቲ ብስልጣን ይእዝዞም: ንሳቶም ከኣ ይእዘዙሉ አለዉ” እናበሉ ንሓድሕዶም ተሓታተቱ። ናይዚ ነገር እዚ ወረ ኸኣ ኣብ ብምሉኡ እቲ ከባቢ ተዘርግሐ።

የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ካብቲ ቤት ጸሎት ወጺኦም ናብ ቤት ስምኦን ወይ ከኣ ጴጥሮስ ከዱ። ኣብኡ ኸኣ ሓማት ጴጥሮስ ብርቱዕ ዓሶ ሒዝዋ ኣዝያ ሓሚማ ጸንሓቶም። ‘በጃኻ ርድኣያ’ ኢሎም ለመንዎ። ስለዚ የሱስ ከይዱ ብኢዳ ሒዙ ኣተንስኣ። ብኡንብኡ ሓወየት መግቢ ከተዳልወሎም ከኣ ጀመረት!

ደሓር ጸሓይ ምስ ዓረበት ሰባት ሕሙማት ሒዞም ካብ እተፈላለየ ቦታ ናብ እንዳ ጴጥሮስ ክመጹ ጀመሩ። ኣብ ሓጺር ግዜ ኸኣ ኣብታ ከተማ ዝነበረ ኵሉ ሰብ ኣብቲ ኣፍ ደገ ተኣከበ! የሱስ ከኣ ሕማሞም ብዘየገድስ ንዅሎም ሕሙማት ኣሕወየ። ነቶም ኣጋንንቲ ሒዞሞም ዝነበሩ እውን ኣውጽኣሎም። ክወጹ ከለዉ ኸኣ እቶም ኣጋንንቲ “ንስኻ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ” ኢሎም ጨደሩ። የሱስ ግን ገንሖም ክርስቶስ ምዃኑ ስለ ዝፈልጡ ክዛረቡ ኣይፈቐደሎምን። ማርቆስ 1:⁠21⁠-​34፣ ሉቃስ 4:⁠31⁠-​41፣ ማቴዎስ 8:⁠14⁠-​17

▪ የሱስ ነቶም ኣርባዕተ ደቀ መዛሙርቱ ድሕሪ ምጽውዑ ኣብ ዝነበረት ሰንበት ኣብቲ ቤት ጸሎት እንታይ ኣጋጠመ፧

▪ የሱስ ካብቲ ቤት ጸሎት ወጺኡ ናበይ ኢዩ ዝኸደ: ኣብኡኸ እንታይ ተኣምራት ኢዩ ዝገበረ፧

▪ ጸኒሑ ኣብታ ምሸት እቲኣ እንታይ ኢዩ እተፈጸመ፧