ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ቢታንያ: ኣብ ቤት ስምኦን

ኣብ ቢታንያ: ኣብ ቤት ስምኦን

ምዕራፍ 101

ኣብ ቢታንያ: ኣብ ቤት ስምኦን

የሱስ ካብ ያሪኮ ምስ ወጸ: ናብ ቢታንያ ገጹ ከደ። እቲ መገዲ ን19 ኪሎ ሜትር ዝኸውን ብኸቢድ ዓቐበት ምጕዓዝ ስለ ዝሓትት: ዳርጋ ምሉእ መዓልቲ ኢዩ ዝወስድ። ያሪኮ 250 ሜትሮ ትሕቲ ጽፍሒ ባሕሪ ኢያ እትርከብ: ቢታንያ ኸኣ 760 ሜትሮ ልዕሊ ጽፍሒ ባሕሪ ኢያ። ቢታንያ ዓዲ ኣልኣዛርን ኣሓቱን ምዃና ትዝክር ትኸውን ኢኻ። ርሕቀት ናይዛ ንእሽቶ ዓዲ እዚኣ ካብ የሩሳሌም ዳርጋ 3 ኪሎ ሜትር ኰይኑ: ብምብራቓዊ ቍልቍለት ናይ ደብረ ዘይቲ ኢያ እትርከብ።

ብዙሓት ፋስጋ ንምብዓል ድሮ ኣብ የሩሳሌም ኣትዮም ኢዮም ዘለዉ። ርእሶም ንምንጻህ ኢዮም ኣቐዲሞም መጺኦም። ምናልባት ዝሞተ ተንኪፎም ወይ ከኣ ዘይንጹሃት ዝገብሮም ነገራት ገይሮም ይዀኑ። ስለዚ በዓል ፋስጋ ብቕቡል መገዲ ንምብዓል ርእሶም ንኸንጽሁ እቲ ዘድሊ ኣገባብ ፈጸሙ። እዞም ኣቐዲሞም ዝመጹ ሰባት ኣብቲ ቤት መቕደስ ምስ ተኣከቡ: ብዙሓት ካብኦም የሱስ ኣብቲ በዓል ፋስጋ ይመጽእዶ ይኸውን ኣይመጽእን ኢሎም ሓሰቡ።

የሩሳሌም ብዛዕባ የሱስ ርሱን ክትዕ ዝካየደላ ቦታ ኢያ ኰይና ነይራ። እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ንየሱስ ንኽቐትልዎ ክሕዝዎ ደልዮም ከም ዝነበሩ ኵሉ ሰብ ኢዩ ዝፈልጥ ነይሩ። አረ ኣበይ ከም ዘሎ ዝፈልጥ እንተድኣ ኣልዩ ክነግሮም ኣዚዞም ኢዮም ነይሮም። ኣብዚ ቀረባ ኣዋርሕ ብተደጋጋሚ ሰለስተ ግዜ​—⁠ኣብ በዓል ዳስ: ኣብ በዓል ምሕዳስ: ከምኡውን ንኣልኣዛር ድሕሪ ምትንስኡ​—⁠እዞም መራሕቲ እዚኣቶም ክቐትልዎ ፈቲኖም ነይሮም ኢዮም። ስለዚ እቶም ሰባት የሱስ እንደገና ብግህዶ ይመጽእዶ ይኸውን፧ ኢሎም ይሓስቡ ነበሩ። ንሓድሕዶም ከኣ “እንታይ ይመስለኩም፧” ኢሎም ተሓታተቱ።

ኣብ መንጕኡ ግን: የሱስ ሽዱሽተ መዓልቲ ቅድሚ እታ ብመሰረት ናይ ኣይሁድ ዓውደ-ኣዋርሕ ኣብ 14 ኒሳን እትውዕል በዓል ፋስጋ: ኣብ ቢታንያ በጽሐ። የሱስ ኣብ መጀመርታ ናይ 8 ኒሳን ዓርቢ ኣማስይኡ ናብ ቢታንያ በጽሐ። እቲ ናይ ኣይሁድ ሕጊ ኣብቲ ዓርቢ ጸሓይ ምስ ዓረበት ጀሚሩ ቀዳም ጸሓይ ምስ ዓረበት ዝውዳእ መዓልቲ ሰንበት ምጕዓዝ ይኽልክል ስለ ዝነበረ: ቀዳም ናብ ቢታንያ ክኸይድ ኣይክእልን ኢዩ ነይሩ። የሱስ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝገብሮ ምናልባት ናብ ቤት ኣልኣዛር ኢዩ ከይዱ ዝኸውን: ዓርቢ ለይቲ ኸኣ ኣብኡ ሓደረ።

ይኹን እምበር: ካልእ ኣብ ቢታንያ ዝቕመጥ ሰብኣይ ንየሱስ ምስቶም ብጾቱ ቀዳም ምሸት ድራር ዓደሞም። እቲ ሰብኣይ ስምኦን ኢዩ ዝብሃል: ቅድም ለምጻም ኢዩ ነይሩ: ምናልባት ከኣ የሱስ ኣቐድም ኣቢሉ ኣሕውይዎ ነይሩ ይኸውን ኢዩ። ማርታ ከምቲ ልሙድ ዝዀነ ህርኩት ባህሪኣ: ነቶም ኣጋይሽ ተገልግል ኣላ። ማርያም ግን ከምታ ኣመላ ንየሱስ ጽን ትብል ኣላ: ኣብዚ እዋን እዚ ኸኣ እቲ ግብራ ክርክር ኣልዓለ።

ማርያም ፍርቂ ኺሎ ዝኸውን ቅዱይ ቅብኢ ናይ “ጽሩይ ናርዶስ” ዝሓዘት ሓንቲ ንእሽቶ ብልቃጥ ከፈተት። እዚ ኣዝዩ ክቡር ኢዩ። አረ እቲ ዋግኡስ ዳርጋ ናይ ሓደ ዓመት ደሞዝ ኢዩ ዝኸውን! ማርያም ነቲ ዘይቲ ኣብ ርእሲ የሱስ ከምኡውን ኣብ ኣእጋሩ ምስ ኣፍሰሰቶ ብጸጕሪ ርእሳ ገይራ ኸኣ ኣእጋሩ ምስ ደረዘት: እታ ቤት ብሽታ ናይቲ ቅዱይ ቅብኢ መልአት።

እቶም ደቀ መዛሙርቲ ተቘጥዑ እሞ “እዚ ኽንድዚ ዚአክል ጥፍኣትከ ንምንታይ እዩ፧” በሉ። ይሁዳ ኸኣ “እዚ ቕዱይ ቅብኢ እዚ ኸመይ ግዳ ንሰለስተ ሚእቲ ድሪም ተሸይጡስ ንድኻታት ዘይውሀብ፧” በለ። ይሁዳ ግን ብሓቂ ብዛዕባ እቶም ድኻታት ስለ ዝስገግ ኣይኰነን ከምኡ ዝበለ: ምኽንያቱ ካብቲ ናይቶም ደቀ መዛሙርቲ መአከቢ ገንዘብ ይሰርቕ ኢዩ ነይሩ።

የሱስ ንማርያም ተኸላኸለላ። “ስለምንታይ ተጕህይዋ አሎኹም፧ ሕደግዋ: ጽቡቕ ግብሪ ገይራትለይ አላ። ድኻታትሲ ዅሉ ሳዕ ምሳኻትኩም አለዉ: ጽቡቕ ክትገብሩሎም እንተ ደሌኹም ከኣ: ይከአለኩም እዩ። ንኣይ ግና ኵሉ ሳዕ ኣይትረኽቡንን ኢኹም። ዚከአላ ገበረት: ኣቐዲማ ንቐብረይ ስጋይ ቀብኤት። እዚ ወንጌል እዚ ኣብ እተሰብኮ ዘበለ ኣብ ኵላ ዓለም: እዚ ንሳ ዝገበረቶ ንመዘከሪኣ ኸም ዚንገር: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ” በሎም።

የሱስ ንልዕሊ 24 ሰዓታት ኣብ ቢታንያ ጸንሐ: ኣብኡ ምህላዉ ኸኣ ተፈልጠ። ስለዚ ብዙሓት ንየሱስ ክርእዩ ናብ ቤት ስምኦን መጹ: እንተዀነ ግን ነቲ ኣብኡ ዝነበረ ኣልኣዛር እውን ክርእዩ ኢዮም መጺኦም። ስለዚ እቶም ሊቃውንቲ ካህናት ንየሱስ ጥራይ ዘይኰነስ ንኣልኣዛር እውን ክቐትልዎ ተማኸሩ። ከምኡ ዝሓሰቡ ኸኣ ሰባት ነቲ የሱስ ካብ ምዉታት ዘተንስኦ ኣልኣዛር ብምርኣዮም ይኣምኑ ስለ ዝነበሩ ኢዩ! ብሓቂ እዞም መራሕቲ ሃይማኖት እዚኣቶም ክሳዕ ክንደይ እኩያት ኰን ኢዮም ነይሮም! ዮሃንስ 11:⁠55–12:⁠11፣ ማቴዎስ 26:⁠6-13፣ ማርቆስ 14:⁠3-9፣ ግብሪ ሃዋርያት 1:⁠12

▪ ኣብ የሩሳሌም ኣብቲ ቤት መቕደስ እንታይ ኢዩ ዝዝረብ ዘሎ: ስለምንታይከ፧

▪ የሱስ ኣብ ክንዲ ቀዳም ዓርቢ ናብ ቢታንያ ዝኸደ ስለምንታይ ኢዩ፧

▪ የሱስ ቢታንያ ምስ በጽሐ: ሰንበት ኣበይ ኢዩ ኣሕሊፍዎ ዝኸውን፧

▪ እንታይ ማርያም ዝገበረቶ ነገር ኢዩ ክርክር ዘልዓለ: የሱስከ ብኸመይ ተኸላኸለላ፧

▪ እቶም ሊቃውንቲ ካህናት ኣዝዮም እኩያት ምዃኖም ዘብርህ እንታይ ኢዩ፧