ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ባሕሪ ገሊላ

ኣብ ባሕሪ ገሊላ

ምዕራፍ 130

ኣብ ባሕሪ ገሊላ

እቶም ሃዋርያት ከምቲ የሱስ ኣቐዲሙ መምርሒ ሂብዎም ዝነበረ ናብ ገሊላ ተመልሱ። ኣብኡ እንታይ ከም ዝገብሩ ግን ኣይፈልጡን ኢዮም ነይሮም። ድሕሪ ገለ ግዜ ኸኣ ጴጥሮስ ንቶማስ: ንናትናኤል: ንያእቆብን ንሓዉ ዮሃንስን ካልኦት ክልተ ሃዋርያትን “ኣነስ ዓሳ ኽገፍፍ ክኸይድ እየ” በሎም።

ሽዱሽቲኦም ከኣ “ንሕናውን ምሳኻ ንኸይድ” በልዎ።

ምሉእ ለይቲ ኸኣ ዋላ ሓንቲ ዓሳ ከይሓዙ ሓደሩ። ኣብ ወጋሕታ ኸኣ የሱስ ኣብቲ ገምገም ባሕሪ ተራእዮም: እቶም ሃዋርያት ግን የሱስ ምዃኑ ኣየስተውዓሉን። ንሱ ኸኣ “ደቀይ: ገለ ዚብላዕዶ አሎኩም፧” በሎም።

ንሳቶም ከኣ ኣብቲ ማይ ኰይኖም “የብልናን” ኢሎም መለሱ።

ንሱ ድማ “ነቲ መርበብ ናብ የማን ጃልባ ኣቢልኩም ደርብይዎ እሞ ክትረኽቡ ኢኹም” በሎም። ከምኡ ምስ ገበሩ ኸኣ ካብ ብዝሒ እቲ ዓሳ እተላዕለ ነቲ መርበቦም ክስሕብዎ ኣይከኣሉን።

ዮሃንስ “ጐይታና እምበር እዩ” በለ።

ጴጥሮስ እዚ ምስ ሰምዐ ክዳኑ ኣውጺእዎ ስለ ዝነበረ ተዓጢቑ ናብ ባሕሪ ዘለለ። ብድሕርዚ ገለ 90 ሜትሮ ዝኸውን ሓንቢሱ ናብ ገምገም በጽሐ። እቶም ካልኦት ደቀ መዛሙርቲ ድማ ነቲ ዓሳ ዝመልአ መርበብ እናሰሓቡ ብጃልባ ሰዓብዎ።

ኣብቲ ገምገም ምስ በጽሑ ኸኣ ኣብ ልዕሊኡ ዓሳ እተቐመጦ ጕሁር ሓውን እንጌራን ረኣዩ። የሱስ ከኣ “ካብዚ ሕጂ ዝገፈፍኩምዎ ዓሳ ኣምጽኡ” በሎም። ጴጥሮስ ከኣ ናብታ ጃልባ ኣትዩ ነቲ መርበብ ናብቲ ገምገም ጐተቶ። 153 ዝዀኑ ዓበይቲ ዓሳ ኸኣ ነበርዎ!

የሱስ ከኣ “ንዑ ቍርስኹም ብልዑ” (NW  ) በሎም።

ኵሎም የሱስ ምዃኑ ስለ ዝፈለጡ ዋላ ሓደ ካብኦም “ንስኻ መን ኢኻ፧” ኢሉ ክሓቶ ዝደፈረ ኣይነበረን። ካብ ምዉታት ድሕሪ ምትንስኡ ንሻብዓይ ግዜ ኢዩ ዝርአ ዘሎ: ነቶም ሃዋርያት ተኣኪቦም ከለዉ ዝረኣዮም ዘሎ ኸኣ እዚ ንሳልሳይ ግዜኡ ኢዩ። ንነፍሲ ወከፎም እንጌራን ዓሳን ብምሃብ መግቢ ቀረበሎም።

በሊዖም ምስ ወድኡ ኸኣ የሱስ ነቲ ገፊፎሞ ዝነበሩ ብዙሕ ዓሳ ብምምልካት ንጴጥሮስ “ስምኦን ወዲ ዮና: ካብ እዚኣቶም ኣብሊጽካዶ ተፍቅረኒ ኢኻ፧” በሎ። ከምዚ ክብሎ ከሎ ‘ካብቲ ክትገብሮ ዝሃብኩኻ ዕዮ ንላዕሊ ነዚ ናይ ምግፋፍ ዓሳ ስራሕ ክትገብር ዲኻ ትፈቱ፧’ ማለቱ ከም ዝነበረ ኣየጠራጥርን ኢዩ።

ጴጥሮስ ድማ “ኣነ ኸም ዘፍቅረካ: ንስኻ ትፈልጥ አሎኻ” ኢሉ መለሰ።

የሱስ ከኣ “ዕያውተይ ኣብልዕ” በሎ።

እንደገና ንኻልኣይ ግዜ “ስምኦን ወዲ ዮና: ተፍቅረኒዶ ኢኻ፧” በሎ።

ጴጥሮስ ከኣ ካብ ልቡ “እወ ጐይታይ: ኣነ ኸም ዘፍቅረካ: ንስኻ ትፈልጥ አሎኻ” በሎ።

የሱስ እንደገና “ኣባጊዔይ ሐሉ” በሎ።

ብድሕርዚ የሱስ ንሳልሳይ ግዜ “ስምኦን ወዲ ዮና: ተፍቅረኒዶ ኢኻ፧” በሎ።

ኣብዚ ግዜ እዚ ጴጥሮስ ጐሃየ። ምናልባት ጴጥሮስ ‘የሱስ ብዛዕባ ተኣማንነተይ ተጠራጢሩ ኢዩ ዝኸውን’ ብምባል ሓሲቡ ይኸውን። ምኽንያቱ የሱስ ክፍረድ ከሎ ጴጥሮስ ከም ዘይፈልጦ ሰለስተ ግዜ ክሒዱ ኢዩ። ስለዚ ጴጥሮስ “ጐይታይ: ንስኻ ዅሉ ትፈልጥ አሎኻ: ኣነ ኸም ዘፍቅረካውን ትፈልጥ አሎኻ” በሎ።

የሱስ ከኣ ንሳልሳይ ግዜ “ኣባጊዔይ ኣብልዕ” ኢሉ ኣዘዞ።

የሱስ ንጴጥሮስ ብምጥቃም እቲ ክገብርዎ ዝደልዮም ዕዮ እንታይ ከም ዝዀነ እቶም ካልኦት እውን ከም ዝርድኦም ገበረ። ድሕሪ ሓጺር ግዜ ካብ ምድሪ ክኸይድ ኢዩ: ስለዚ ነቶም ኣብ ደምበ ኣባጊዕ ዝኣትዉ ሓደስቲ ንምግልጋል መሪሕነት ክወስዱ ኢዩ ደልይዎም ዘሎ።

ልክዕ ከምቲ የሱስ እቲ ኣምላኽ ክገብሮ ኢሉ ዝለኣኾ ዕዮ ብምግባሩ እተኣስረን እተቐትለን: ጴጥሮስ እውን ተመሳሳሊ ተመክሮ ከሕልፍ ከም ዝዀነ ነገሮ። ‘ንስኻ በጽሒ ኸሎኻ: ባዕልኻ ተዐጢቕካ ናብ ዝደሌኻዮ ትኸይድ ኔርካ። ምስ ኣረግካ ግና: ኣእዳውካ ኸም እተልዕል እሞ ካልእ ከም ዜዕጥቐካ ናብ ዘይደሌኻዮውን ከም ዚወስደካ እብለካ አሎኹ’ በሎ። ንጴጥሮስ መስዋእታዊ ሞት ይጽበዮ እኳ እንተነበረ: የሱስ ግን “ስዐበኒ” በሎ።

ጴጥሮስ ግልጽ ኢሉ ንዮሃንስ ረኣዮ እሞ “ጐይታይ: እዚኸ ኸመይ ምዃኑ፧” በሎ።

የሱስ ከኣ “ክሳዕ ዝመጽእ ኪጸንሕ እንተ ፈቶኹኸ: እንታይ ገዲሱካ፧ ንስኻ ግዳ ስዐበኒ” በሎ። እዘን የሱስ ዝበለን ቃላት እዚኣተን ንመብዛሕትኦም እቶም ደቀ መዛሙርቲ ሃዋርያ ዮሃንስ ፈጺሙ ኣይመውትን ማለት ምዃነን ገይሮም ተረድእወን። ይኹን እምበር: ከምቲ ሃዋርያ ዮሃንስ ድሕሪ ገለ ግዜ ዝገለጾ: ኣይመውትን ኢዩ ማለቱ ዘይኰነስ “ክሳዕ ዝመጽእ ኪጸንሕ እንተ ፈቶኹኸ: እንታይ ገዲሱካ፧” ኢዩ ዝበለ።

ዮሃንስ ድሕሪ ገለ ግዜ “የሱስ ዝገበሮ ግብሪ ድማ ብዙሕ ካልእ አሎ። ኵሉ በብሓደ ተጽሒፉ እንተ ዚኸውንሲ: ነቲ እተጻሕፈ መጻሕፍቲ ዅላ እዛ ዓለም እኳ ኣይምአኸለቶን ይመስለኒ” ብምባል ዘይርሳዕ ነገር ዘለዎ ሓሳብ ኣቕረበ። ዮሃንስ 21:⁠1-25፣ ማቴዎስ 26:⁠32፣ 28:⁠7, 10

▪ እቶም ሃዋርያት ብዛዕባ እቲ ኣብ ገሊላ ክገብርዎ ዝነበሮም ነገራት ርግጸኛታት ከም ዘይነበሩ እንታይ የርኢ፧

▪ ኣብ ባሕሪ ገሊላ እቶም ሃዋርያት ንየሱስ ብኸመይ ኣለለይዎ፧

▪ የሱስ ድሕሪ ምትንስኡ ሕጂ ንመበል ክንደይ ግዜ ኢዩ ዝርአ ዘሎ፧

▪ የሱስ እቶም ሃዋርያት እንታይ ክገብሩ ከም ዝደልዮም ብኸመይ ኣጕልሐ፧

▪ ናይ ጴጥሮስ ኣማውታ ከመይ ከም ዝኸውን የሱስ ብኸመይ ሓበረ፧

▪ ብዙሓት ሃዋርያት ነየናይ የሱስ ብዛዕባ ዮሃንስ ዝበሎ ሓሳባት ኢዮም ብጌጋ እተረድእዎ፧